ዕጫ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተዳጎኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እንታይ ይኹን?

መግለጺ ቪድዮ, ዕጫ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ዝተዳጎኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እንታይ ይኹን?

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ተቓወምቲ የመን፡ ብኣሻሓት ንዝቑጸሩ ኢትጵያውያን ካብ የመን ስለዘባረርዎም፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሳጊሮም ንህይወቶም ሓደገኛ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ከምዘለዉ ይግለጽ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ መዳጎንታት ስዑዲ ኣብ ዘሰክፉ ኩነታት ምንባር ካብ ዝጅምሩ ሽድሽተ ኣዋርሕ ቆጺሮም ኣለው።

ብሰንኪ ጉድለት ጽርየት፡ ማይን ግቡእ ሽንቲ ቤት ዘይምህላውን ሕጽረት መግብን ብዙሓት ስደተኛታት ንሕማም ተቓሊዖም ኣለው።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ መዳጎኒታት ይሳቐዩ ከም ዘለውን ሰለስተ ከም ዝሞቱን ገሊጹ።