ኤፍቢሲ፡ ፋና ኤፍ ኤም ጨንፈር መቐለ 'ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸቕጢ ይበጽሐኒ ኣሎ' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Meseret/FBC
ጋዜጠኛታትን መሪሕነትን ናይቲ ሓደ ካብ ጨንፈር ኤፍኤማት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት (ኤፍቢሲ) ዝኾነ መቐለ ፋና ኤፍኤም 94.8 ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዋና ቤት ዕዮ ጸቕጥታት ከምዝበጽሖም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ጋዜጠኛ መሰረት ታደሰ "ፋና ክልተ ዓይነት ፋና ኮይኑ'ሎ" ክብል ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዋና ትካልን መቐለ ዝርከብ ጨንፈርን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ይገልጾ።
"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣጀንዳን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣጀንዳን ተፈላልዮም። ኣብ ክልቲኡ ዝዳለዉ መደባት እውን ዘይራኸቡ ኮይኖም" ዝበለ ጋዜጠኛ መሰረት፡ ካብ ማእኸል ዝመጽኡ ኣጀንዳታት ጥራይ ክተድህቡ ኣለኩም ዝብል ጸቕጢ ከምዝተገበረሎም ሓቢሩ።
ነዚ ብምቅዋም ነቲ ጸገም ከረድኡ ብተደጋጋሚ እንተፈተኑ'ውን ካብቲ ዋና ቤት ኣጽጋቢ ምላሽ ብዘይምርካቦም፡ ብመሰረት ኤዲቶሪያል ፖሊሲ'ቲ ትካል ንክልላውን ሃገራዉን ዛዕባታት ምትእንጋድ ከምዝቐጸሉ ኣረዲኡ።
"እቲ [ናይ ኤፍቢሲ] ኤዲቶሪያል ፖሊሲ፣ ካልኦት ማንዋላትን ኣዋጅ በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ንሃገራዊ ትሕዝቶታት ወይ ድማ ሓበሬታ ሽፋን ክህቡ ኣለዎም እዩ ዝብል። ፋና ግን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሃገራዊ ኣጀንዳታት ገዲፉ'ዩ" ኢሉ።
ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ድማ እቲ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ነቲ ኣብኡ ዘሎ መንግስቲ ፌደራልን ጥራይ ዝምልከቱ ኣጀንዳታት ሽፋን ብምሃብ ንክልላዊ ዋኒናት ብምርስዑ ከምዝኾነ ብምግላጽ "እዚ ድማ ናይ መንግስቲ ወሃቢ ቓል ጥራይ ኮይንካ ከም ምግልጋል ኢና ንወስዶ" ክብል ሓቢሩ።
እንተኾነ ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህብ ሕቶ ዘቕረበሉ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤፍቢሲ ኣይተ በቀለ ሙለታ፡ "ኣነ ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ስለዘይፈልጦ መልሲ ክህብ ኣይክእልን" ዝብል መልሲ ብስልኪ ሂቡ።
"ደብዳቤ ጽሑፍና ኢና. . . "
እዚ ንኽመሓየሽ ብተደጋጋሚ ምስ መሪሕነት ኤፍቢሲ ከምዝተዘራረቡን ካብቲ መሪሕነት ግን "ኣብ ናይ ማእኸል ኣጀንዳ ኣድሂብኩም ክትሰርሑ ኣለኩም" ብዝብል መልሲ ከምዝተወሃቦምን ኣዘኻኺሩ።
ኣካያዲ ስራሕ መቐለ ፋና ኤፍኤም ጋዜጠኛ መሰረት ከምዝበሎ፡ እተን ኣብ ክልላት ዝተኸፈታ ጨንፈር ኤፍኤማት ነቲ ኣብ ከከባቢኤን ዘሎ ፍጻመታት ሽፋን ክህባ ጥራይ ዘይኮነነስ ነቲ ክልላዊ ፍጻመታት ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ማእከል ጸብጻባት ክሰርሕ ኣብ ኤዲቶሪያል ፖሊሲን ማንዋለትን ኤፍቢሲ ሰፊሩ ይርከብ።
"እንተኾነ ኣብ መቐለ ይኹን ኣብ ትግራይ ዘሎ ፍጻመታት ብዜና ወይ ብመልክዕ ሓጺር ምድላው ሰሪሕና ክንሰደሎም ከለና፡ ዝበዝሕ እዋን ክእገድ፤ ገለገሊኡ ተዛቢዑ ክቐርብ፤ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ንሕና ዝለኣኽናሎም ገዲፎም ካልእ ፍልፍል [ምንጪ] ሓበሬታ ክጥቀሙ ጀሚሮም" ኢሉ ነቲ ኩነታት ከረድእ ከሎ።
"እዚ ኩነታት ምስተደጋገመ ግን ኣብ ወርሒ ሕዳር [2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ደብዳበ ብምጽሓፍ፤ 'እቶም ንሕና ንልእኾም ሓበሬታ ክእገዱ፣ ክዛብዑ ወይ ድማ ዘይተብሃለ ክቐርብ ከሎ ምስቲ ኣብዚ ዘሎ ሰማዒና ናብ ዘይምስናይ ንኣትው ስለዘለና፤ ክመሓየሽ ኣለዎ። እዚ ኣብዘይኸውን ግን ካብ ደጊም ካብዚ እንልእኾ ጸብጻብ ኣይክህልውን' ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፍና" ኢሉ።
ነቲ ኣብ ሕዳር ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዋና ቤት ዕዮ ዝተወሃበ መልሲ ከምዘየለን ካብ ትግራይ ዝለኣኹ ጸብጻባት ከምዘይነበሩን ድማ ተዛሪቡ።
እዚ ኣብ ሞንጎ ኤፍቢሲን ፋና ኤፍ ኤም 94.8 ጨንፈር መቐለን ዘሎ ዘይምጥዕዓም ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ከምዝጀመረ ጋዜጠኛ መሰረት ይዛረብ።
"ናይ መንግስቲ ለውጢ ካብ ዝግበር ንደሓር ፋና ኣብ ከባቢና ዝነበሮ ምስሊ እናተቐየረን ተቐባልነቱ እናነከየን መጺኡ። ኣብዚ ኩነታት እውን ኮይንና ግን ንሕና ነቲ ከባቢና ዝምጥን ትሕዝቶን ኣጀንዳን እናቐረጽና ክነቕርብ ምስጀመርና እቲ ጉዳይ እናተረረ ከይዱ" ዝበለ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር መቐለ፡ ነቲ ካብ ማእኸል ንዝፍኖ ትሕዝቶታት ዝተወሃበ ግዜ ኣየር ኣብ ዘይተነከየሉ ኩነታት ኣብቲ ዋና ሬድዮ ግን [ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መፈነዊ] ንናይ ትግራይ ዋኒናት ሽፋን ምሃብ መሊኡ ደው ከምዝበለ ገሊጹ።
ከይቐርቡ ዝተኣገዱ ዛዕባታት
መቐለ ፋና ኤፍ ኤም ካብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመሓላለፉ መደባት ብሊንክ እናተቐበለ ናብ ሰማዕቲ ዘቅርብ ኮይኑ፤ ኣብ መዓልቲ ካብ ዘለዎ ፈነወ ድማ እቲ 8 ሰዓታት ኣብ መቐለ ብዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንዝዳለዉ መደባት ሽፋን ይህብ። ንትግራይ ዝምልከቱ ድማ ኣብዞም ሰዓታት ሽፋን ይረኽቡ።

ምንጪ ስእሊ, Meseret Tadese
ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ዘሎ ድማ ኣብቲ ክልላዊ ዛዕባታት ሽፋን ዝወሃበሉ ግዜ ኣየር ዝቐርቡ ትሕቶታት ብዋና ቤት ዕዮ ቁጽጽር ክግበረሎም ብምጅማሩ ከምዝኾነ ጋዜጠኛ መሰረት ይዛረብ።
"ከይንሰርሖም ወይ ሽፋን ከይንህቦም ዝበሃሉ ጉዳያት ብዙሓት'ዮም። ካብ ትግራይ ዝወጽኡ ሓበሬታታት ብእርይ ቁጽር እንታይ ምዃኖም እናተለለየን እናተፈለየን እዩ ዝረኣይ። መብዛሕቲኦም ከይሓልፉ ይእገዱ" ይብል ጋዜጠኛ መሰረት ታደሰ።
ኣስዒቡ ድማ "ንኣብነት ውሳነታት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፣ መግለጺ ውድባት ብፍላይ ህወሓት ከምኡ'ውን ኣብዚ ክልል ዘለዉ ፈጸምቲ ስራሕ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ብተዳጋጋሚ ልኢኽና ብተደጋጋሚ ክሓልፍ ኣይከኣለን። ብተወሳኺ ድማ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዝህብዎ መግለጺ ኮነ ምስ ጋዜጠኛታት ዝገብርዎ ቃለ-መሕትት ብተደጋጋሚ ከይተመሓላለፈ ተሪፉ" ክብል ዘርዚሩ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ትግራይ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ህዝባዊ ስልፍታት ይትረፍ'ዶ ብቐጥታ ሸፋን ክረኽቡ እቲ ሰልፊ ምስተኻየደ'ውን ሽፋን ከይረክብ ከምዝተገበረ ኣረዲኡ።
"ገሊኦም ሽፋን ዝተወሃቦም እውን ብዝተሸራረፈን ብዘይተበሃለን ኩነታት ክቐርቡ ከለዉ ንዕዘብ ኔርና። ዝኾነ ነቲ ፌደራል መንግስቲ ዝምልከት ርእይቶ 'ከይተምጽኡልና' እዮም ዝብሉ" ክብል ሓቢሩ።
መሰረት ከምዝበሎ፡ እቲ ጉዳይ እናረሰነ ብምምጽኡ ብ30 ሚያዝያ [2012 ኣ.ኢ] ካብቲ ዋና ቤት ዕዮ (ኤፍቢሲ) መጠንቀቕታ ደብዳበ በጺሕዎም ኣሎ።
"ትማሊ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ሎሚ ባሕቲ ግንቦት በጺሑና'ሎ። እቲ ደብዳበ ከኣ 'ናይቲ ትካል ኤዲቶርያል ፖሊሲን መምርሕን ዘይምኽባር ከምኡ'ውን ክኽበር ዘይምግባር' ይብል። እዚ ደብዳበ ብንጹር ዘይኮነስ ሓፈሻዊ ነገር'ዩ ተጻሒፉ ዘሎ" ድማ ይብል።
እንታይ ተጣሒሱ? ዘይተኸበረን ክኽበር ዘይተገበረንከ ኣየናይ እዩ? ንጹር ከምዘይኮነ ብምምልካት፡ ኣብቲ ጥሕሰት ናይ ስራሕ ዲሲፕሊን ዝብል እውን ብግልጺ ከምዘይተቐመጠ ሓቢሩ።
"መን ብኸመይ ነቲ ኤዲቶርያል ፖሊሲ ጥሒሱ? ዲሲፕሊን ስራሕ ዘጓደለ ሰራሕተኛኸ መን'ዩ? ዝብሉን ካልኦትን ብዝርዝር ኣብ ዘይተገለጸሉ 'ብቕልጡፍ ይተኣረም' ተባሂሉ መጠንቀቕታ ተዋሂቡና'ሎ። እዚ ክእረም ዝተበሃለ'ውን ኣይንፈልጦን" ዝበለ ጋዜጠኛ መሰረት ነዚ ደብዳበ 'ንጹር ዘይኮነ' ብዝብል ገሊጽዎ።
እዚኦም ኩሎም ብግልጽን ብዝርዝርን መብርሂ ክወሃበሎም ዝሓትት ደብዳበ ብምጽሓፍ ድማ ናብቲ ዋና ቤት ዕዮ ከምዝለኣኹ ወሲኹ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Screen Grab/Fana Mekelle
ኤፍቢሲ እንታይ ይብል?
እቲ ደብዳበ ካብ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ በቀለ ሙለታ ቶላ ከምዝተጽሓፈ፡ ብማህተም፣ ፊርማን ስምን ተረጋጊጹ'ሎ።
እንተኾነ ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህብ ሕቶ ዘቕረበሉ እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ "ኣነ ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ስለዘይፈልጦ መልሲ ክህብ ኣይክእልን" ዝብል መልሲ ብስልኪ ሂቡ።
"እቲ ጉዳይ ድማ ውሽጣዊ ዋኒንና ስለዝኾነ ብውሽጢ ርኢና እንፈትሖ ስለዝኾነ ኣብዚ ዛዕባ ክዛረብ ኣይደልን" ኢሉ።
ሰፊሕ መብርሂ ንምርካብ ደጋጊምና ስልኪ ኣብ ዝደወልናሉ እዋን እውን ክምልስ ኣይከኣለን።
"ንዝመጽእ ኩሉ ተዳሊና'ለና"
ስም ናይቲ ትካል ስለዝተበላሸወ ብዙሓት ጋዜጠኛታት መቐለ ፋና ኤፍ ኤም 94.8 ካብቲ ትካል ከምዝለቐቑን እቶም ዘለዉ ከኣ እዚ ኩሉ 'ብድሆታት' ኣብ ዘጋጥመሉ ኩነታት ኮይኖም ብመሰረት ኤዲቶርያል ፖሊሲ እቲ ትካል ስርሖም ከምዝቐጸሉን ዘዘኻኸረ ጋዜጠኛ መሰረት፡ "ንኣወርሕ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክንቕጽለሉ ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
"እቲ ሕዚ ዝመጽእ ዘሎ ዘረባታትን መጠንቀቕታታትን ኣቐዲምና ፈሊጥናዮ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ጉዕዞና ዝነበረ ጥንካረን ክፍተትን ከምኡ ድማ 'ስግኣትና እንታይ እዩ?' ብዝብል መፍትሕታት ነጺርና ኢና። ስለዚ ሙያዊ ዓቕምና ተጠቒምና ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ክነገልግል፤ ምናልባት መቕጻዕቲ እንተመጹኡ'ውን ተዳሊናሉ ኢና" ክብል ኣረዲኡ።
ጨንፈር ኤፍኤማት ፋና ዝኾነን ኣብ መቐለ ዝርከብን ኤፍኤም 94.8 ካብ ዝኽፈት 10 ዓመት መሊእዎ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







