ውሳነ ህዝቢ ህዝቢ ዞባ ሲዳማ ብስእሊ

ሎሚመዓልቲ፡ ዞባ ሲዳማ ክልል ዝኾነሉ ወይ ድማ ምስ ክልል ደቡብ ንምጽናሕ፡ ውሳነ-ህዝበ ዘካይደሉ ዕለት እዩ። መረጽቲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሮም፡ ኣብ ናቑጣታት መረፃ ተረኺቦም ድምጾም ይህቡ ኣለዉ። እዚ መረጻ ክሳብ ምሸት ሰዓት 12 ዝቕፅል እንክኸውን፡ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ኣብቲ ውሳነ -ህዝቢ ንምስታፍ ተመዝጊቦም።

ዋላ እኳ እቲ መረፃ ብኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ ናይ ንጉሆ ሰዓት 12 ዝጀመረ እንተኾነ፡ መረጽቲ ግና፡ ካብ ሰዓት 10 ኣጋ ወጋሕታ ጀሚሮም እዮም ኣብ ናቑጣታት መረፃ ምርካብ ጀሚሮም።
መግለጺ ስእሊ, ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ቀዳምነት ተዋሂብዎም እዩ።
ብኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ ናይ ንጉሆ ሰዓት12 ዝጀመረ እዚ ረፈረንደም፡ ናይ ምሸት ሰዓት 12 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።
መግለጺ ስእሊ, ብኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ ናይ ንጉሆ ሰዓት12 ዝጀመረ እዚ ረፈረንደም፡ ናይ ምሸት ሰዓት 12 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።
እቲ ውሳነ-ህዝቢ ብሰላም ይካየድ ከምዘሎን፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉን፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝርከቡ ሪፖርተራት ቢቢሲ ተዓዚቦም።
መግለጺ ስእሊ, እቲ ውሳነ-ህዝቢ ብሰላም ይካየድ ከምዘሎን፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉን፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝርከቡ ሪፖርተራት ቢቢሲ ተዓዚቦም።
ሎሚመዓልቲ፡ ዞባ ሲዳማ ክልል ዝኾነሉ ወይ ድማ ምስ ክልል ደቡብ ንምጽናሕ፡ ውሳነ-ህዝበ ዘካይደሉ ዕለት እዩ።
መግለጺ ስእሊ, እቲ ህዝበ-ውሳነ ክሳብ ምሸት ሰዓት 12 ኣቆጻጽራ ኢትዯጵያ ክቕጽል እዩ።
ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ኣብቲ ውሳነ -ህዝቢ ንምስታፍ ተመዝጊቦም።
መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ኣብቲ ረፈረንደም ንምስታፍ ተመዝጊቦም።
ኣድመጽቲ ካብ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 ጀሚሮም ኣብ ናቑጣታት መረፃ ተረኺቦም ድምፂ ምሃብ ከምዝጀመሩ፡ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ሪፖርተራት ቢቢሲ ተዓዚቦም።
መግለጺ ስእሊ, ኣድመጽቲ ካብ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 ጀሚሮም ኣብ ናቑጣታት መረፃ ተረኺቦም ድምፂ ምሃብ ከምዝጀመሩ፡ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ሪፖርተራት ቢቢሲ ተዓዚቦም።
ውፅኢት እቲ መረፃ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን፡ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
መግለጺ ስእሊ, ውፅኢት እቲ ህዝበ-ወሳነ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን፡ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሲዳማ ምስ ክልል ደቡብ ክትፀንሕ ዝደልዩ ጎጆ፤ ዞባ ሲዳማ ክልል ንክትኸውን ዝደልዩ ድማ፡ ምልክት 'ሻፌታ' እዮም ዝመርፁ።
መግለጺ ስእሊ, ሲዳማ ምስ ክልል ደቡብ ክትፀንሕ ዝደልዩ ጎጆ፤ ዞባ ሲዳማ ክልል ንክትኸውን ዝደልዩ ድማ፡ ምልክት 'ሻፌታ' እዮም ዝመርፁ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ህዝቢ ሲዳማ ሕቶ ክልል ምዃን ከልዕል ምጽንሑ ይዝከር።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ህዝቢ ሲዳማ ሕቶ ክልል ምዃን ከልዕል ምጽንሑ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ደቡብ ከተማ ሃዋሳ፡ ብዘጋጠመ ጎንፂ፡ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፡ ንብረት'ውን ወዲሙ እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ደቡብ ከተማ ሃዋሳ፡ ብዘጋጠመ ጎንፂ፡ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፡ ንብረት'ውን ወዲሙ እዩ።
ሲዳማ ክልል ንክትኸውን፡ ብዋናነት ዝጉስጉስ ጉጅለ መናእሰይ፡ 'ኤጄቶ' ይበሃል።
መግለጺ ስእሊ, ሲዳማ ክልል ንክትኸውን፡ ብዋናነት ዝጉስጉስ ጉጅለ መናእሰይ፡ 'ኤጄቶ' ይበሃል።