ተምሃሮ ኮምፒዩተር ብቋንቋ ኣዶ ንክመሃሩ ዝሕግዝ መተግበሪ ዝመሃዘ ኤርትራዊ

መግለጺ ቪድዮ, ተምሃሮ ኮምፒዩተር ብናይ ኣዶ ቋንቋ ንኽመሃሩ ዝሕግዝ 'ኣፕሊኬሽን' ዝመሃዘ ኤርትራዊ

ተምሃሮ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ብዛዕባ ኮምፒዩትርን ሶፍትዌርን ንኽፈልጡ ናይ ግድን ቋንቋታት ኢንግሊዘኛን ፈረንሳይን ክፈልጡ ከም ዝግደዱ ዝገልጽ ዮናታን ኤፍሬም፡ ንሳቶም ብቐሊሉ ክፈልጥሉ ዝኽእሉ መተግበሪ ከም ዝመሃዘ ተዛሪቡ።