ፈጠራዊ ስእልታት ኢትዮጵያዊት ኣይዳ ሙሉነህ ኣብ ለንደን ንምርኢት ክቐርብ እዩ

ሞዴል

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muleneh

Presentational white space

ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ስነጥበባዊት ኣይዳ ሙሉነህ፡ ነዞም ተኸታተልቲ ስእልታት ብምጥቃም፡ ከቢድ ህይወት ናይተን ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ - ብፍላይ ንቤተሰበን ዝኸውን ጽሩይ ማይ ንምቕራብ ዘሎ መዓልታዊ ብደሆ ክተርእይ ፈቲና'ላ።

እዚ ስነጥበባዊ ስርሓ 'ወተርኤይድ' ብዝበሃል ትካል ረድኤት ዝተመወለ ኮይኑ፡ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ለንደን ንምርኢት ክቐርብ'ዩ።

"ማይ ምሕዋር ብቀንዱ ናይ ደቂኣንስትዮ ሓላፍነት ከም ዝኾነ ዘይንኽሕዶ ሓቂ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጻኢናን ዕቤት ሃገርናን ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ሸኽሚ እዩ" ትብል ኣይዳ።

ዳርጋ 40 ሚኢታዊት ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ጥቓ መንበሪኦም ቀረብ ጽሩይ ዝሰተ ማይ ክረኽቡ ዘይክእሉ እዮም።

ኣይዳ ሙሉነህ ንገለ ካብቶም ስእልታት ኣብ ስቱድዮ ዘዳለወቶም ኮይና፡ ካልኦት ድማ ናብቲ ኣዝዩ ዋዒ ዘለዎ ክልል ዓፋር ብምኻድ እያ ሰሪሓቶም።

ሞዴላት

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muluneh

Presentational white space

እዚ ስእሊ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዘይውዳእን ዝለዓለ ጥንካረ ዝሓትትን ከም ዝኾነ የረድእ።

እቲ ምስሊ ጀበና ንሓላፍነት ስራሕ ደቂኣንስትዮ ይውክል። ገዛ ናይ ምጽራይን ምትዕርራይን ሓላፍነት'ውን ነታ ጓል ኣንስተይቲ ዝግደፍ ስራሕ ምዃኑ የርእይ።

እታ ብየማን ገጽ ኣብ መስኮት ዘላ ድማ፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ገዛን ብደገን ብዙሓት ስራሕቲ ከም ዘለውዋ ንምግንዛብ ዝተወከለት'ያ።

ኣብ መስኮት ኮፍ ምባላ ድማ ንዝሓሸ ብሩህ መጻኢ ምምዕዳዋ የርእይ።

እዚ ስራሕ ንጥንካረ ደቂኣንስትዮ ብዘረድእ መገዲ ዝተዳለወ እዩ። መዓልታዊ መግቢን ማይን ንምቕራብ ሓላፍነት ዝስከማ ደቂኣንስትዮ እየን

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muluneh

Presentational white space

እዚ ስራሕ ንጥንካረ ደቂኣንስትዮ ብዘረድእ መገዲ ዝተዳለወ እዩ። ንስድርአን መዓልታዊ መግቢን ማይን ንምቕራብ ሓላፍነት ዝስከማ ደቂኣንስትዮ ምዃነን የርእይ።

ብገመድ ዝተኣሰሩ ጀሪካናት ነቲ ደቂኣንስትዮ ዝሓልፍኦ መቑሕ ይውክል። ኣብ ዝባና ዕትሮ ዝተሰከመት በዓልቲ ቀይሕ ክዳን ድማ ነቲ ሸኽሚ ህይወተን የረድእ።

እዚ ስእሊ ማይ ኣብ ጽርየትን ጥዕናን ንዘለዎ እጃም ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muluneh

መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ ማይ ኣብ ጽርየትን ጥዕናን ንዘለዎ እጃም ይገልጽ
Presentational white space

እዚ ስእሊ ማይ ኣብ ጽርየትን ጥዕናን ንዘለዎ እጃም ይገልጽ።

ሕጽረት ማይ ኣብ ዝህሉ፡ ሰባት ብግቡእ ጽርየቶም ክሕልዉ ስለዘይክእሉ ዝለዓለ ጸገም ጥዕና ኣብ ምሉእ ማሕበረሰብ የንጸላሉ።

"እቲ ቐይሕ ማዕጾ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ንምግላጽ ዝተገበረ'ዩ" ትብል ኣይዳ።

ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ዓራት ኣብ ገጠራት ዝነብር ማሕበረሰብ ክሓምም ከሎ ዝድቅሰሉ'ዩ። ናብ ጣብያታት ጥዕና'ውን በዚ ዓራት ተጸይሮም ይውሰዱ።

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muluneh

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ዓራት ኣብ ገጠራት ዝነብር ማሕበረሰብ ክሓምም ከሎ ዝድቅሰሉ'ዩ። ናብ ጣብያታት ጥዕና'ውን በዚ ዓራት ተጸይሮም ይውሰዱ።
Presentational white space

ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ዓራት ኣብ ገጠራት ዝነብር ማሕበረሰብ ክሓምም ከሎ ዝድቅሰሉ'ዩ። ናብ ጣብያታት ጥዕና'ውን በዚ ዓራት ተጸይሮም ይውሰዱ።

እቲ ኣብ ገጻ ዘሎ ማስኬራ (መሸፈኒ ገጽ) ድማ ብሰንኪ ዝተበከለ ማይ ክመጽኡ ንዝኽእሉ ንባክተሪያን ሕማማትን ይውክል።

ኣይዳ "ኣብ ደቡባዊ ክልላት ኢትዮጵያ እሰርሕ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓደ ወላዲ ዝሓሸ ማይ ምርካብ እንተተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም መጠን ሕማምን ሞትን ምንካይ ከም ዝከኣል ክዛረቡ እዝክር" ክትብል ትዛረብ።

እዚ ስእሊ ኣብ ጎራዙ ትኹረት ይገብር። ኣብ ኣብያተ ትምህርተን ማይን ሽቓቕን ብዘይምህላዉ ንትምህርተን ከመይ ከም ዝጸልዎ የርእይ።

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muluneh

መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ ኣብ ጎራዙ ትኹረት ይገብር። ኣብ ኣብያተ ትምህርተን ማይን ሽቓቕን ብዘይምህላዉ ንትምህርተን ከመይ ከም ዝጸልዎ የርእይ።
Presentational white space

እዚ ስእሊ ኣብ ጎራዙ ትኹረት ይገብር። ኣብ ኣብያተ ትምህርተን ማይን ሽቓቕን ብዘይምህላዉ ንትምህርተን ከመይ ከም ዝጸልዎ የርእይ።

"ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት እንተደኣ ኮይነን ካብ ትምህርተን ይቦኽራ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ንለውጢ ደቂኣንስትዮ ካብ ዝሓልኩ እቲ ዝዓበየ እዩ" ክትብል ተረድእ ኣይዳ።

እታ ወርሒ ንወርሕዊ ዑደት ጽግያት ክትውክል ከላ፡ እቶም ቀያሕቲ ክንፍታት ድማ ንናጽነታን ጥንካርኣን ብምርኣይ ግን ድማ ብሰንኪ'ቲ ተፈጥሮኣዊ ዑደት (ጽግያት) ሙሉእ ዓቕማ ክትጥቀም ዘይምኽኣላ ይገልጹ።

ኣይዳ "እቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ በዓል ሰረዝ መሬት ድማ ናብ ዕጫ (ዕድሎት) ዝወስድ መገዲ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሜና ናብ ዘሎ ዓወት ግን ክንስጉም ክንጅምር ከም ዝግበኣና ዘርእይ'ዩ" ትብል።

ኣብ ጨዋም ቀላይ ዳሎል-ዓፋር ዝተስኣለ እዚ ስእሊ፡ ኢትዯጵያ ዝለዓለ ዕቑር ማይ ከርሰምድሪ ከም ዘለዋ የርእይ።

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muluneh

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጨዋም ቀላይ ዳሎል-ዓፋር ዝተስኣለ እዚ ስእሊ፡ ኢትዯጵያ ዝለዓለ ዕቑር ማይ ከርሰምድሪ ከም ዘለዋ የርእይ።
Presentational white space

ኣብ ጨዋም ቀላይ ዳሎል-ዓፋር ዝተስኣለ እዚ ስእሊ፡ ኢትዯጵያ ዝለዓለ ዕቑር ማይ ከርሰምድሪ ከም ዘለዋ የርእይ።

ኮይኑ ግን ሎሚ'ውን ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ጽሩይ ማይ ኣብ ጸገም ይርከቡ።

"ሃብቲ ማይ ኣብ ዘለዎ መሬት እናነበርና ብሰንኪ ድኹም ናይ መስኖ ስራሕቲ ግን፡ ብተጻራሪኡ ንነብር ምህላውና ንምግላጽ ዝተጠቐምኩሉ እዩ" ክትብል ተረድእ ኣይዳ።

ሞዴል

ምንጪ ስእሊ, WaterAid/Aida Muluneh

Presentational white space

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ስእሊ ድማ፡ እቶም ጸዓዱ ጠራሙስ ንጸሩይ ማይ ክውክሉ ከለዉ፡ እቶም ብቐያሕቲ ነጠብጣባት ዝተዳለዉ ከኣ ህይወት ምስ ህይወት (ደም) ደቂሰብ ዘለዎ ምትእስሳር ንምግላጽ ዝተዳለዉ እዮም።

ናይ ኩሎም ስእልታት መሰል ዋንነት ዝተሓለወ እዩ