ቻርለስ ዳርዊን፡ ዘይተመለሰን ተኣምራታውን ምስጢር መስርሕ ደፋእታዊ ለውጢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻርለስ ዳርዊን ብዛዕባ ስነፍልጠት ደፋእታዊ ለውጢ [ኢቮሊሽን] ንዓለም ብምብርካት ዝፍለጥ እንግሊዛዊ ናይ ስነ ተፈጥሮ፡ ስነ ምድርን ስነ ህይወትን ምሁር ኢዩ።
እቲ ኩሉ ህይወት ዘለዎ ፍጥረት መበቆሉ ሓደ ኢዩ ዝብል ኣስተምህርኡ ድማ ኣብዚ እዋን ምሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ኣስተመህሮ ኢዩ።
እንተኾነ፡ ገለ ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት ከይተረፉ፡ ነቲ ቻርለስ ዳርዊን ዘበገሶ ክልሰ ሓሳብ ደፋእታዊ ለውጢ ብምግዳፍ፡ ናብቲ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ብኣምላኽ ዝተፈጥረ ኢዩ ናብ ዝብል ሃይማኖታዊ ስነ ሓሳብ ዘድሃቡ ይመስሉ።
ቅድሚ 140 ዓመታት ኣቢሉ፡ ቻርለስ ዳርዊን፡ ብዛዕባ`ቲ ባዕሉ ዘካየዶ "ፍጹም ተኣምራታዊ ሚስጢር" ዝኾነ ክልሰ-ሓሳባዊ መጽናዕቲ ብዛዕባ መስርሕ ደፋእታዊ ለውጢ [ኢቮሊሽን] ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ደብዳበ ብምጽሓፍ ዝተሰመዖ ተመስጦን ተስፋ ምቑራጽን ገሊጹ።
እቲ ፍሉጥ ብዛዕባ ተፈጥሮ ዝተመራመረ ምሁር፡ ቻርለስ ዳርዊን፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ ናይ ሂወት ዘመኑ ብዛዕባ'ቲ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዝኾነ መሰርሕ ለውጢ ክጽንዕ ኢዩ ኣሕሊፍዎ።
ባዕሉ ከምዝበሎ፡ እቲ ዝተሰመዖ ``ኣዝዩ ዘየቕስን ፍጻመ`` ነቲ ቀንዲ ንዓለም ዘበርከቶ ሳይናሳዊ ክልሰ ሓሳብ መስርሕ ደፋእታዊ ለውጢ ዝደናደን ኢዩ ነይሩ ኢሉ።
ኣብታ ኣብ 1859 ዝጸሓፋ መጽሓፉ - መበቆል ፍጥረታት [ኦሪጂን ኦፍ ስፒሲስ] ብዛዕባ'ቲ ዘበገሶ ክልሰ ሓሳብ መስርሕ ደፋእታዊ ለውጢ፡ ተፈጥሮኣዊ ሕርያ ብምግባር "ነቶም ዝተወርሱ ፍጥረታት ብምእካብን ምዕቃብን ንእሽቶ ምምሕያሻት ብምግባር እቶም ህይወት ዘለዎም ፍጥረታት ይዕቀቡ" ኢሉ ቻርለስ ዳርዊን።
ብሓጺሩ፡ ተፈጥራኣዊ ሕርያ ምስቲ ብሃንደበት ዝኽሰት ዓቢ ደፋእታዊ ለውጢ ተሳኒዩ ከምዝኸይድ ኣይኣምንን ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ተፈጥራዊ ሕርያ ነቲ ሓደስቲ ፍጥረታት ክቕልቀሉን ኣብ ኣካላቶም ድማ ሃንደበታዊ ምቅይያር ኪገብሩ ይኽእሉ ምስ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሳነ ኣይኮነን" ኢሉ ቻርለስ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ።
ዳሕራይ ዘካየዶ መጽናዕትታት ኣብ ስነ ዕጽዋት [ቦታኒ] ዘተኮረ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝካይዶ ዝነበረ ዓቢ ኣብ መስርሕ ደፋእታዊ ለውጢ ዝተኮረ ክልሰ ሓሳባዊ መጽናዕቱ ብናይ ሕቶ ምልክት ንኽጥመት ገይርዎ።
እዚ ድማ ንዳርጋ ን20 ዓመታት፡ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከሳቕዮ ጸኒሑ።
ብዝኾነ፡ ቻርለስ ኩሉ ኣቓልብኡ ናብ ስነ ዕጽዋት ምስገበሮ፡ ብፍላይ ኣብ 1879 ናብ ጆሴፍ ሆከር፡ ሓላፊ ናይ ብሪጣንያ ናይ ስነ ዕጽዋት ምርምርን ትምህርትን ትካል ኣብ ዝሰደዳ ፍልጥቲ ደብዳበ "እቲ ኣብዚ ዘለናዮ ምድራዊ ዘመን ኣብተን ዝዕምብባ ዓይነት ተኽልታት ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ንምግማቱ ዘይክኣል ተኣምራታዊ ምስጢር ኢዩ" ኢሉ።
እቲ ንዕኡ ዘሰንበዶ መስርሕ ለውጢ ቅልጡፍን ዓብን ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኢዩ።
ምስቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ዘይሳነ ስለዝነበረ። እዞም ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዘለው ዝዕምብቡ ተኽልታት ቅድሚ 130 ሚልዮን ዓመታት ኢዮም ተቐልቂሎም።
ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ናብ ልዕሊ 350,000 ዝተፈላለዩ ዓይነት ተኽልታት ክቕየሩ ክኢሎም። እዚ ድማ ኣብ ዓለምና እቶም ናብ ዝተፈላለየ ዓይነት ብቑልታት ክስስኑ ዝኽእሉ ዓይነት ናይ ዝዕምብቡ ተኽልታት ይገብሮም።

ኣብ ጀርዲና ዘለው ተኽልታት መብዛሕትኦም ዝዕምብቡ ተኽልታት ኢዮም።
መብዛሕትኦም እቶም ንምገቦም ፍሩታታን ኣሕምልትን ካብቶም ዝዕምብቡ ዓይነት ተኽልታት ኢዮም`` ኢሉ ፕሮፌሰር ዊልያም ፍሪድማን፡ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ናይ ስነ ህይወት መምህር።
ንልዕሊ 200 ዓመታት፡ ሊቃውንቲ ስነፍልጠት እቲ ዘይእመን ብዙሕነትን ምስሳንን ናይዞም ዝዕምብቡ ዓይነት ተኽልታት፡ እሞ መሰረት ናይ ስርዓተ መግብናን ናይቶም ኣብ ዓለምና ዘለው ዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ከም ዝኾኑ ግምታቶም ክህቡ ጸኒሖም።
ቻርለስ ዶርዊን በቲ ሃንደበታዊ መበቆልን ምስሳንን ናይዞም ዝዕምብቡ ተኽልታት ብዙሕ ኣይሻቐልን ኢዩ ነይሩ። ሻቕሎቱ፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ተፈጥሮ ኣይምዕብልን ኣይሰጋገርን ዝብል ፍሉይን ሓያልን እምነቱ ኢዩ ነይሩ ኢሉ ፕሮፌሰር ዊልያም ፈርዲናንድ።
"እቲ ክኸውን ዝኽእል ክልሰ ሓሳብ፡ እቶም ዝዕምብቡ ተኽልታት 'ተፈጢሮም'ምባል ኢዩ" ኢሉ ፕሮፌሰር ዊልያም ፍረይድማን።
ኩሉ ፍጥረታት ዓለም ብኣምላኽ ወይ ድም ብመለኮታዊ ሓይሊ ኢዩ ተፈጢሩ ዝብል ሃይማኖታዊ ክልሰ ሓሳብ ብምጥቃስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቶም ዝዕምብቡ ተኽልታት ውጽኢት ናይ መስርሕ ደፋእታዊ ለውጢ ዘይኮኑ፡ ብኣምላኽ ዝተፈጥሩ ኢዮም" ኢሉ ፕሮፌሰር ዊልያም።
ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ንብዙሕነትን መስርሕ ልውጥን ናይቶም ዝዕምብቡ ተኽልታት ዝሕብር ብዙሕ ኣገዳስነት ዘለዎም ቅሪት [ፎሲል] ተረኺቦም ኢዮም።
እቶም ብግምት 350,000 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዝዕምብቡ ዓይነት ተኽልታት ናይቶም 90% ዝኾኑ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ዘለው ህይወት ዘለዎም ትኽልታት መበቆል ኢዮም።
እቶም ቀንዲ ዝብሃሉ ዓይነት እኽልታት እንተላይ መግቢ እንስሳታትን፡ ከምኡ`ውን ነቲ ልቀት ካርቦን ዘጽርዩ ተኽልታት ኣይምሃለዉን ነይሮም።ይኹን ድኣ'ምበር፡ ሕጂ`ውን ጌና ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለው።
መበቆሎም ካበይን ብኸመይን ኢዩ? ስለምንታይ'ከ ኣዝዮም ኣደነቕትን ዕውታትን ኮይኖም? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት።
ስለዚ ሕጂ'ውን "እቲ ንምግላጹ ኣሸጋሪ ዝኾነን ዝየተመለሰን ተኣምራታዊ ሕቶ ክቕጽል ኢዩ" ኢሉ ፕሮፌሰር ዊልያም ፍረይድማን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







