ኤሌትሮኒካዊ ሽጋራ ሳዕቤናት ኣለዎ'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ሕጂ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝተኣታቶ ዘሎ ኤሌትሮኒካዊ ሽጋራ [ኢ-ሽጋራ]፡ ብፍላይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነቶም ሽጋራ ዘትክኹ ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ሽጋራ ብምትካኽ ኣብ ጥዕንኦም፡ ስጋብ ብርሃን ዓይኖም ኣብ ሓደጋ ዘወድቕን ግዳያት ሕማም መንሽሮን ካልኦት ሕማማትን ካብ ምዃን ከድሕኖም ተኽእሎታት ክህልዎ ኢዩ።
ረብሓታቱ ዓቢ ስለዝኾነ'ዩ ድማ መንግስቲ ነቶም ሽጋራ ምትካኽ ደው ከብሉ ንዝደልዩ ሰባት ከም ፈውሲ ብነጻ ዝዕድሎም ዘሎ።
እንተኾነ፡ ምስ ምትእትታው ኢ-ሽጋራ ብፍላይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ቁጸሪ ናይቶም ኣባጽሕ ኣትከኽቲ ብ70 ሚኢታዊት ወሲኹ ይርከብ።
ከመይ ገይሩ ኢዩ ኤለትሮኒካዊ ሽጋራ [E-cigaratte] ዝዓዪ?
እዚ ዓይነት ሽጋራ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ዝኾነ ትምባኾ ዝርከብ ጎዳኢ ባእታ - ኒኮቲንን ንዓኡ ዘመቅሩ ኣሕምልትን፡ ከምኡ ድማ ከም ነዳድን ኣልኮልን ዝኣመሰሉ ፈሰስቲ ዘለውዎ ክኸውን ከሎ ነዞም ነገራት ብሙቐት ድሕሪ ምርሳን ኢዩ እቲ ትኪ ዝመስል ሃፋ ዝፍጠር።እቶም ኣትከኽቲ ነቲ ኒኮቲን [ከም ሽጋራ ወልፊ ዘትሕዝ ቀመም] ዘለዎ ሃፋ ኢዮም ናብ ውሽጢ ሳንቡኦም ዝስሕብዎ።
እንተኾነ፡ እዚ ኣብ ኤሌትሮኒካዊ ሽጋራ ዘሎ ኒኮቲን ምስቲ ኣብ ትምባኾ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓይነት መርዛም ኬሚካላትን ትክን ቅጥራንን ካርቦን ሞኖክሳይድን [መርዛም ጋዝ] ኣወዳዲርካ ብዙሕ ሃሳዪ ኣይኮነን።ምስቲ ኣብ ትምባኾ ዝርከብ ኒኮቲን ኣወዳዲርካ`ውን ፡ እዚ ብኢ-ሽጋራ ዝፍለጥ ዓይነት ሽጋራ ጠንቂ ናይቲ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣሽሓት ሰባት ዝቐትል ሕማም መንሽሮ`ውን ኣይኮነን።ነዚ`ዩ ድማ ትካል ሃገራዊ ኣገልግሎ ሆስፒታል ዓዲ እንግሊዝ [National Hospital Service - NHS] ንዓመታት ነቶም ብወልፊ ሽጋራ ዝተታሕዙ ኣትከኽቲ ንምሕጋዝ ከም መተካእታ ናይቲ ኣብ ትምባኾ ዝርከብ ኒኮቲን፡ ብመልክዕ ማስትካን ኣብ ቆርበት ዝጥቃዕ ፕላስቲክን ዝበንን ናይ ኒኮቲን ፍወሳ ዘተኣታተወ።
ዝኾነ ሳዕቤናት ኣለዎ`ዶ?
ሓካይምን ናይ ጥዕና ክኢላታትን ኣብ ናይ መንሽሮ ትካላት ዝነጥፉ ወለንታውያንን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከባ መንግስታዊ ትካላትን ኩላቶም ብሓባር ካብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ዝረኸብዎ ጭብጥታት ከምዘመልክቶ፡ ኢ-ሽጋራ ምስ ትምባኾ ዘውርዶ ሳዕቤናት ድሕሪ ምውድዳር፡ ናይ ኢ-ሽጋራ ሳዕቤናት ኣዝዩ ንእሽቶ ከም ዝኾነ ገሊጾም።ሓደ ነጻን ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዝበሎ ድማ፡ ነቲ ሃፋ ምስሓብ ካብቲ ሃሳዪ ሽጋራ ምትካኽ ዘስዕቦ ሃስያ ብውሕዱ ብ95 ሚኢታዊ ዝወሓደ ከም ዝኾነ ገሊጹ። እታ ነዚ ገምጋም ዝገበረት፡ ፕሮፌሰር ኣን ማክኒል፡ ``ኢ-ሽጋራ ኣብ ጥዕና ደቂሰባት ለውጢ ዘምጽአ ዓይነት ሽጋራ ኢዩ`` ኢላ።እዚ ማለት ግና፡ ካብ ዝኾነ ሳዕቤናት ነጻ ኢዮ ማለት ኣይኮነን።እቲ ኣብ ኢ-ሽጋራ ዝርከብ ፈሳስን ሃፋን ንጥዕና ደቂሰባት ክሃሲ ዝኽእል ኬሚካላት [ቀመማት] ኣለዎ፡ ካብቲ ኣብ ትምባኾ ዝርከብ ኬሚካላት ዝወሓደ እኳ እንተኾነ።ኣብ ቤት ምርምር ዓዲ እንግሊዝ ብገለ ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠት ዝተገብረ መባእታዊ መርመራ፡ ካብ ሽጋራ ብምትካኽ ዝፍጠር ዝነበረ ሕማም መንሽሮ ብምግልጋል፡ እቲ ሃፋ ኣብ ዋህዮታት ሳምቡእ ለውጢ ኣርእዩ ኢሎም።ዛጊት እቲ ሃፋ ብምትካኽ ዘስዕቦ ሳዕቤናት ዝየተፈልጠ እኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝነጥፉ ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ ኢ-ሽጋራ ምትካኽ ካብ ትምባኾ ምትካኽ ዝወሓደ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ኣረጋጊጾም።
እቲ ሃፋ`ኸ ሃሳዪ ዲዩ?
ስጋብ ሕጂ እቲ ካብቲ ኢ-ሽጋራ ዝወጽእ ሃፋ ንኻልኦት ሰባት ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ኣይተረጋገጸን ዘሎ።ምስቲ ትምባኾ ብምትካኽ ዋላ ነቶም ሽጋራ ዘየትኽኹ ዘስዕቦ ዝነበረ ሳዕቤናት፡ ኢ-ሽጋራ ኣብ ልዕሊ`ቶም ዘየትክኹ ሰባት ዘስዕቦ ሳዕቤናት ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።
እንታይ ሕጊ ኣሎ ንኢ-ሽጋራ ዝምልከት?
ምስ ኣሜሪካ ብምንጽጻር፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢ-ሽጋራ ዘሎ ትሕዝቶ ብዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ኣሎ።ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንድሕነት ተጠቀምቱ ክብሃል ዓቐን ናይ ኒኮቲን ውሱን ኢዩ፡ ኣብ ኣሜሪካ ግና ከምኡ ኣይኮነን።ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቲ ነቲ ፍርያት ንምልላይ ዝግበር ሬክላማትን፡ ኣበይን ንመንን ከምዝሽየጡ ከየተረፈ ዝሕብር ጽኑዕ መምርሒታት ኣሎ። ንኣብነት ንትሕቲ 18 ዓመት መንእሰይ ኢ-ሽጋራ ምሻጥ ብሕጊ ክልኩል ኢዩ።
ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኻልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ዝተፈልየት ትመስል'ዶ?
ምስ ኣሜሪካ ብምንጽጻር፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ጉዳይ ኢ-ሽጋራ ዝተፈልየ ኣጠማምታ ክህልዋ ከሎ፡ ምስ ናይ ካናዳን ኒውዝላንድን ግና ይመሳሰል።መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ንኢ-ሽጋራ ከም ሓደ ነቶም ሽጋራ ዘትክኹ ዝነበሩ ሰባት ካብ ወልፎም ንምድሓን ዝጠቅም ዓይነት መሳርሒ ክሪኦ ከሎ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕክምና ዓዲ እንግሊዝ ድማ ነቶም ሽጋራ ምትካኽ ደው ከብሉ ንዝደልዩ ብነጻ ከም ፈውሲ ክእዝዘሎም መደባት ከምዘሎ ይንገር።ስለዚ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሽየጥ ፍቁድ ክኸውን ከሎ ግዝኣት ሳንፍራንሲስኮ [ኣሜሪካ] ግና ንኢ-ሽጋራ ከይሽየጥ ኣጊዱ ይርከብ።ኣብ ሳንፍራንሲስኮ፡ እቲ ዕላማ መንእሰያት መታን ኢ-ሽጋራ ከየትክኹ ንምእጋድ እምበር ንቑጽሪ ኣትከኽቲ ትምባኾ ንምንካይ ዝዓለመ ኣይኮነን። ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ መንእሰያት ኣትከኽቲ ኢ-ሽጋራ ብዘገርም መንገዲ ሰማይ ስለዝደየበ ኢዩ ግዝኣት ሳንፍራንሲስኮ ኢ-ሽጋራ ኣብ ዕዳጋ ከይወርድ ዝኣገደ።እምበር፡ መንእሰያት ኢ-ሽጋራ ንኸትክኹ ንምትብባዕ ኣይኮነን፡ ከምኡ ዘመልክት ጭብጥታት`ውን የለን።እቲ ዘሎ ሓፈሻዊ ጭብጢ፡ ሰባት ምትካኽ ሽጋራ ደው ንኸብሉ ይሕግዝ ከምዘሎ`ዩ ፕሮፈሰር ሊንዳ በውልድ፡ ኣብ ምክልኻል ሕማም መንሽሮ ክኢላ ዝገልጽ።ኣብ መጻኢ እቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ኢ-ሽጋራ ዘተኣታተወቶ ሕግታት ቅሩብ ከትፍኩሶ ከምዝኾነት ይሕበር።ከም ውጽኢት ናይ ኢ-ሽጋራ ድማ ቁጽሪ ኣትከኽቲ ሽጋራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብ15 ሚኢታዊት ብምንካዩ፡ ኣባላት ባይቶ ኢ-ሽጋራ ተትኽኸሉ ቦታትትን ህንጻታትን ዝእግድ ዝነበረ ሕግታት ቁሩብ ክፎክስ ሓሳባት ኣቕሪቦም ኣለው።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







