ፊቼ ጨምበላላ፦ ሓድሽ ዓመት ህዝቢ ሲዳማ

በዓል ፊቼ ጨምበላላ
መግለጺ ስእሊ, በዓል ፊቼ ጨምበላላ

ገንዘብ ዘለቅሐ ንክምለሰሉ ዝሓተሉ፣ ከፍቲ ዘይሕረደሉ፣ ተኽሊ ዘይቁረፀሉ፣ ዘጥፍአ ይቕረታ ዝሓትሉ ዕለት እዩ፡ ጨምበላላ፡።

ህዝቢ ሲዳማ ኣቀማምጣ ከዋኽብትን ወርሕን ብምርኣይ እዩ ሓድሽ ዓመት ዘኽብር። እዚ በዓል ድማ ፊቼ ጨምበላላ ይበሃል።

እዚ በዓል ምኽባር ካብ ዝጅመር ልዕሊ 1800 ዓመታት ከምዘቑፀረ እዮም፡ ሽማግለ ዓዲ ዝዛረቡ።

ባህሊ ዘፅንዑ ኣይተ ብርሃኑ ሃንካራ ድማ፡ "በዓል ፊቼ ጨምበላላ ፡ ህዝቢ ሲዳማ መንነቱ ካብ ዝተረደአሉ ግዘ ጀሚሩ፡ ክኽበር ዝፀንሐ እዩ" ይብሉ።

ትካል ትምህርቲ፣ ባህልን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ)፡ ዝመዝገቦ እዚ በዓል፡ ሎሚመዓልቲ ክኽበር ጀሚሩ ኣሎ።

በዓል ፊቼ ጨምበላላ ዝኽበረሉ ቀዋሚ መዓልቲ የለን። ብመሰረት ጥቆማ 'ኣያንቱታት' እዩ፡ እዚ በዓል ዝኽበረሉ መዓልቲ ዝውሰን።

ድሕሪ እዚ ድማ ንበዓል ፊቼ ጨምበላላ ሰፊሕ ምድላው ይካየድ።

ካብ ድሮ ጀሚሩ ምኽባር ዝጅምር እቲ በዓል፡ ጎረባብቲ ተኣኻኺቦም ድማ 'ቦርሻሜ' ዝበሃል ምግቢ ብፀባ ይምገቡ።

ሓዳር ዝገበራ ደቂኣንስትዮ ሲዳማ ፍሉይ ኣሰራርሓ ፀጉሪ ኣለወን
መግለጺ ስእሊ, ሓዳር ዝገበራ ደቂኣንስትዮ ሲዳማ ፍሉይ ኣሰራርሓ ፀጉሪ ኣለወን

ኣብቲ በዓል ካብ ዝብልዑ ባህላዊ ምግብታትን ስዕስዒታትን ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ፍፃመታት እውን ይካየዱ እዮም። ቄጠላን ኛፋሮናን ዝበሃሉ ሙዚቃታት እውን ኣብዚ በዓል ይድረፉ።

ቄጠላ ኣብ ዝበሃል ባህላዊ ሙዚቃ፡ ሃገር፣ ዘበን፣ ሽማግለ ዓድታትን ፍሉጣት ሰባትን እናተወደሱ ይስዕሰዐሎም።

ቄጠላ ዝበሃል ባህላዊ ደርፍን ስዕሰዕዒትን፡ ብጉጅለ እንትደርፉ
መግለጺ ስእሊ, ቄጠላ ዝበሃል ባህላዊ ደርፍን ስዕሰዕዒትን፡ ብጉጅለ እንትደርፉ

"ቀንዲ ተግባር ፊቼ ጨምበላላ፡ ሰላም ማለት እዩ" ዝብሉ ኣይተ ብርሃኑ ሃንካራ፡ ፍቕርን ሓድነትን መግለፂ እዚ በዓል ከምዝኾኑ ይዛረቡ።

ዝተፃልኡ ሰባት ኣብ በዓል ፊቼ ጨምበላላ ይዕረቑ፤ ሓዚኖም ዝነበሩ ሰባት እውን ናይ ሓዘን ክዳኖም ይቕይሩ።

በዓል ፊቼ ጨምበላላ፡ ኣብዚ ዓመት ሓዳር ዝገበረት ጓልኣንስተይ፡ ምስ ካልኦት ደቂኣንስትዮ ትተሓዋወሰሉ በዓል እውን እዩ።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ዓዶም ርሒቖም ዝነበሩ ሰባት እውን፡ ንበዓል ፊቼ ጨምበላላ ናብ ዓዶም ይምለሱ።

ኣብዚ በዓል ንእንስሳትን ንከባብን ፍሉይ ትኹረት ይወሃብ
መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ በዓል ንእንስሳትን ንከባብን ፍሉይ ትኹረት ይወሃብ

ነዚ በዓል ተብሂሉ ሕርዲ ኣይፍፀምን፤ ስጋ እውን ኣይብላዕን። ንከፍቲ ምውቃዕ ክልኩል እንትኸውን፤ ኣላሕም እውን ሰዓሪ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ይውዕላ።

ኣብ በዓል ፊቼ ጨምበላላ ምሕራስ ነውሪ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ በዓል ፊቼ ጨምበላላ፡ ናይ ህዝቢ ሲዳማ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ናይ ተፈጥሮ እውን እዩ ተብሂሉ ስለዝእመን እዩ።

ፊቼ ናይቲ በዓል ድሮ እንትኸውን፤ ጨምበላላ ድማ መጀመርያ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት እዩ።

ሰብ ፀጋ ዕድመ ሁሉቃ እንትሰርሑ
መግለጺ ስእሊ, ሰብ ፀጋ ዕድመ ሁሉቃ እንትሰርሑ

ሲዳማ ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእ ዓመት ዝሰጋገረሉ ከይዲ ሁሉቃ ይበሃል። ሁሉቃ ማለት ካብ ሻምበቆን ርሑስ ሳዕርን ተሰሪሑ ደው ዝብል እዩ።

ሁሉቃ፡ ብስድራን ብማሕበረሰብን ዝስራሕ እንትኸውን፤ ሓድሽ ዓመት እንትኣትው ሰባትን ከፍትን ይሓልፍሉ።

ህዝቢ ሲዳማ ሓድሽ ዓመት እንትቕበል፡ እቲ ዓመት፡ ናይ ብልፅግና ዓመት ንክኾነሉ፡ 'ፊቼ ጄጂ' ይብሉ።