ቶልቻ ማሞ፡ ኣብ ጎደናታት ናይሮቢ ማስቲካ ካብ ምሻጥ ናብ ወናኒ ቤት መግቢ ሓበሻ

መግለጺ ቪድዮ, "ጥራሕ ኢደይ እየ መጺኤ" ቶልቻ ማሞ

ኣቶ ቶልቻ ማሞ፡ ኣብ ኣምቦ ተወሊዱ ኣብ ወሊሶ ድማ ዓብዩ። ቅድሚ 43 ዓመታት ናብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ መጺኡ ድማ ተዘዋዊሩ ማስቲካ ሽጋራ ምሻጥ ጀሚሩ። ሎሚ ኣብታ ከተማ ናይ ሓበሻ ምግቢ ዝሽየጦ ዓብይ ቤት ምግቢ ይውንን ኣሎ።