ዳግማይ ስግኣት ሕማም ዓሶ

ጣንጡ

ምንጪ ስእሊ, SCIENCE PHOTO LIB

ሕማም ዓሶ ቐዛፊ ሕማም ኮይኑ፡ ብዝተበከለት ኣናፎለስ ዝተባህለት ኣንስተይቲ ጣንጡ ናብ ደቂ ሰባት ይመሓላለፍ።

እዚ ሕማም እዚ ክሓውን ክግታእን ካብ ዝኽእሉ ሕማማት ኮይኑ፡ ብ2016 ኣብ 91 ሃገራት ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 216 ሚልዮን ሕሙማት ተመዝጊሞም።

እዚ ኣሃዝ እዚ ከኣ ካብቲ ናይ 2015 ብ5 ሚልዮን ይዓቢ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዞባ ኣፍሪቓ ሓላፍነት ናይ ዝለዓለ ጉንዖ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ሕማም ዓሶ ዝተሰከመ ኮይኑ፡ ኣብ 2016 ጥራሕ 90% ሕሙማትን 91% ግዳያት ዓሶን ኣመዝጊቡ።

ነዚ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ሕማም ንምቁጽጻርን ንምጥፋእን ድማ ኣስታት $2.7 ቢልዮን ኣመሪካ ተሰሊዑ።

ኣበርክቶ መንግስትታት ናይተን ብሕማም ዓሶ ዝሳቐያ ናብ $800 ዶላር ኣመሪካ ክብ ከምዝበለን 31% ናይቲ ኣበርክቶ ከምዝሽፍንን ተፈሊጡ።

ደጊሙ እቲ ውድብ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ሕማም ዓሶ፡ ትርጉም ክህልዎ እንተኾይኑ፡ እተን ብዝያዳ ግዳይ ናይ'ዚ ሕማም ዝኾና ሃገራት ኣብ ምክልኻሉን ምሕብሓብን ዝገብርኦ ጻዕርታት ከሓድሳ ጸዊዑ።

ኣብ 2016 ጥራሕ ዝበዝሑ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ኮይኖም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ ይፍለጥ።

ንሕማም ዓሶ ንምግታእ ከኣ፡ ኣብ ምክልኻሉን ምሕካሙን ዝውዕል፡ ዝያዳ ወፍርን መሃዝነትን የድሊ።

መን ተጠቃዒ ይኸውን

ኣብ ዝተገብሩ ጻዕርታት መጠነ ሞት ሕማም ዓሶ ብ48% እኳ እንተነከየ፡ ኣብ 2016 ግን ጣንጡ ናይ'ቲ መሓኒት ተጻዋርነት ስለዘጥረያን፡ ዕቱብነት ኣብቲ ሕማም ስለዝጎደለን፡ ድኽመታት ኣገልግሎት ጥዕናንን፡ ሕጽረት ባጀትን ዝጠንቁ ውጽኢት ናይ'ቲ ቃልሲ ኣንቆልቊሉ።

ህጻናትን፣ ትሕቲ 5 ዝዕድሚኦም ቆልዑትን፡ ነብሰ-ጾራትን፡ ሕሙማት ኤች ኣይ ቪ ኤድስን (HIV/AIDS)፡ ዘይተኸትቡ ስደተይናታትን፡ ሰበኽ ሳግምን ካልኦትን ኣብ ሐደጋ ይርከቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 200 ሚልዮን ሕሙማት ዓሶ ከምዘሎዉን፡ ንስድራ ቤታትን፡ ቁጠባን ዓድታትን፡ ዓቢ ክሳራ ከምዘስዕብን ብምሕባር፡ ሸለል ከምዘይብሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ሕማም ዓሶ ዘጽንዕ ዘሎ ዶ/ር መኮነን ዮሓንስ፡ እዚ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ ብመጥኑ ከም ዝጎደለ፡ እንተኾነ ግን ናይ ምድህላል ባህሪ ከምዘሎዎ ኣብ ዝሃበና ሓበሬታ ገሊጹ።

ዓሶ መጠን ዝጎደለ፡ መጠን ናይ ምክልኻል ዓቅሚ እውን ስለዝጎድል፡ በዚ ምኽንያት ድማ ዓብይ ለበዳ ሕማም ዓሶ ክስዕብ ስለዝኽእል ጥንቃቀ ክግበር ኣለዎ ይብሉ ዶ/ር መኮነን ዮሓንስ።

ብሕማም ዓሶ ዝተጠቕዐት

ምንጪ ስእሊ, ROBERTO SCHMIDT/AFP/Getty Images

ዶ/ር መኮነን ዮሓንስ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ኣገባብ ኣነጻጽጋ መድሓኒት ብኸመይን መዓስን ክኸውን ከምዘለዎን፣ እቲ ከሚካላት ድማ ይሰርሕን ዘይሰርሕን ምዃኑ ኣብ ሑሞራን ራያ ዓዘቦን መጽናዕቲ ይካየድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ሳልሳይ ዲግሪኡ ዘጽንዕ ዘሎ በዓል ሞያ ሕክምና ኣይተ ዑቁባጽዮን ተኸስተ፡ ኣብ ዓለምና ኣስታት 400 ዝኾና ዓይነት ጣንጡ ከምዘለዋን፡ ካብዚአን እተን ቀንዲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኣያ ድማ ፋልሲፓረምን፡ ፕላዝሞድየምን ከምዝበሃላ ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ መድሓኒት ሕማም ዓሶ ድማ ምክልኻሉ ኢዩ ይብል።

ኣብ ምህናጽ ብዙሕ ሓጽብታት ስእንርከብን፡ ንጣንጡ ከኣ ምቹእ ስለዝኾነን ጣንጡ ጠቅሊልና ከንጥፍአን ኣይከኣልን፡ ብፍጥረተን ብዙሕ ግዜ ሰብ ምስደቀሰ ስለዝነኽሳ ግን፡ ብግቡእ ዝተሰበነ ላምስያ ክንጥቀም ከምዘለና ኣስሚርሉ።

እቶም ኣብ ዓሳው ቦታ ዝነብሩ ናይ ምክልኻል ዓቅሞም ልዑል ስለዝኾነ፡ ካብ ከበሳታትን ካልእ ቦታን ዝገሹ ግን መከላኸሊ ክወሃቦም ብምሕባር፡ ብፍላይ ቆልዑትን ነብሰ-ጾራትን ግዳይ ስለዝኾኑ፡ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ቆላሕታ ተገይርሉ፡ ዓቢ ባጀት ክስልዓሉን ክታበት ኣብ ኩሉ ክባጻሕን ኣይተ ዑቁባጽዮን ተኸስተ ተላብዩ።

ብተመሳሳሊ ዶ/ር መኮነን ዮሓንስ እውን ኣብ ኣጠቃቅማ ላምስያ (ዛንዜራ) ብምጽቓጥ ጣንጡ ውሒደን ኢልና ሸለል ክንብል ከምዘይብልና ኣስሚርሉ።

ምክልኻል ዓሶ

ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ብብዙሕ መንገድታት ክንከላኸሎ ንኽእል። ንኣብነት ብዝተሰበነ ላሙስያ፡ ማለት ብግቡእ መድሓኒት ዝተሰበ ላሙስያ ብምጥቃም ጉድኣት ሕማም ዓሶ ክንኪ ከምዝኽእል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመልክት።

ኣብ ገዛውትና መድሓኒት'ውን ሕማም ዓሶ ክንኪ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገዛውትና መድሕኒት ዓሶ ምንስናስ ካብ 3-6 ኣዋርሕ ከገልግል ከምዝኽእል ክምልከት እንከሎ፡ ኣብቲ ዓይነቱን ዝተነስነሰሉ ኣከባብን ድማ ይምርኮስ።

መድሓኒት ጸረ-ሕማም ዓሶ እውን ሓደ ካብቶም ንሕማም ዓሶ መከላኸሊ እንጥቀመሎም ኣገባባት ኢዩ። ንኣብነት ንካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዝንቀሳቀሱ፡ ነቲ ናይ ብሕማም ዓሶ ክብከሉሉ ዝኽእሉ ደረጃ ትሕት ንምባል መድሓኒት ይወሃቦም። እቲ ኣወሃህባ መድሓኒት ከኣ ብሰብ ሞያ ኮይኑ፡ ንሕጻናትን ንነብሰ-ጾራትን ዝወሃብ ዝተፈላለየ ኢዩ።

ግብረ-መልሲ ውድብ ጥዕና ዓለም

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2015 ዝተኻየደ ኣኼባኡ፡ ንሕማም ዓሶ ብሓድሽ ኣገባብ ንምቅላስ፡ ነተን ብፍላይ በዚ ሕማም ንዝሳቀያ ሃገራት ሓድሽ ትልሚ ሓንጺጹ።

ገለ ካብቲ ትልምታት ከኣ ብ2030 ሕሙማት ዓሶ ብ90 ሚኢታዊ ምጉዳልን፡ ብውሑዱ ኣብ 35 ሃገራት ሕማም ዓሶን ምጉዳልን፡ ካልኦትን የጠቃልል።

እዚ ተበግሶ 3 ኣዕኑድ ዝጠቃላለ ኮይኑ፡ ንሳቶም ከኣ

1.ናይ ሕማም ዓሶ ክንክንን፡ መርመራን፡ ሕክምናን ኣብ ኩሉ ዓለም ክባጻሕ

2.ንሕማም ዓሶ ወዲእኻ ናይ ምጥፋእ ጻዕሪ ብተዓጻጻፊ ክዓቢ

3. ቁጽጽር ሕማም ዓሶ ክብ ንምባልን ዝብሉ ኢዮም።