እስራኤል ኣብ ቓዛ "ናይ ትሕቲ መሬት ዒላማታት" ከምዘጥቀዐት ኣፍሊጣ

እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ክልተ ናይ ትሕቲ-መሬት ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ። ሓላፊ ብርጌድ ሮኬት ሓማስን ብርጌድ ሰሜናዊ ቓዛን ከምዝርከብዎም ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ’ሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብሓማስ ተዓጊቱ ዝነበረ ታንዛንያዊ ከም ዝሞተ ተገሊፁ

    ክሌመንስ ፌሊክ ምቴንጋ

    ምንጪ ስእሊ, Mashav Israel

    መንግስቲ ታንዛኒያ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ዜግኡ ከም ዝሞተ ኣፍሊጡ።

    እቲ ክሌመንስ ፌሊክ ምቴንጋ ዝተብሃለ ወዲ 22 ዓመት፡ ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን፡ ምስ ካልእ ወዲ ዓዱ ጅሆ ተታሒዙ ነይሩ።

    ኣብ እስራኤል ትምህርቲ ሕርሻ ክመሃር ዝፀንሐ ክሌመንስ፡ ብኸመይ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ዝተገለፀ ነገር የለን።

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታንዛኒያ፡ ኣብ ዕጫ ናይቲ ካልእ ጅሆ ዝተትሓዘ ታንዛንያዊን ሬሳ ክሌመንስ ፌሊክ ምቴንጋ ናብ ዓዲ ኣብ ምምፃእን ዝምልከት፡ ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    ኣብ እስራኤል ኣስታት 260 ትምህርቲ ሕርሻ ዝከታተሉ ታንዛኒያውያን ኣለዉ።

    ሓማስ ልዕሊ 230 ሰባት ካብ እስራኤል ጨውዩ ከም ዝወሰደ ይዝከር።

  2. ብሰንኪ ምቁራፅ ኤሌክትሪክ 40 ሰባት ሞይቶም

    ተሓከምቲ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ተሓከምቲ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ

    ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ብሰንኪ ዝተቛረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣርባዕተ ቅድሚ መዓልቶም ዝተወለዱ ሕንጦታት ሓዊሱ፡ 40 ተሓከምቲ ከም ዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

    ሆስፒታል ኣል-ሺፋ፡ ብሰራዊት እስራኤል ብተደጋጋሚ ዝተደብደበ እንትኾን ሕዚ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት እስራኤል ይርከብ።

    ኣመሓደርቲ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 44 ከም ዝበፅሐ ገሊፆም።

    ኣተሓባባሪ ቤት-ፅሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጋዛ ኣብ ዘውፀኦ መዓልታዊ ፀብፃብ፡ መሰረታዊ ቀረባት ኣብ ዝነፀፉላ ጋዛ፡ ብፅምኢ ማይን ሕፅረት ምግብን ዝተጐድኡ ሰባት ከም ዘለዉ ፀብፃብ ይበፅሐና ኣሎ ኢሉ።

  3. ፍልስጤማውያን ካብ ኻን ዩኒስ ለቒቖም ክወፅኡ እስራኤል ኣጠንቂቓ

    ኣብ ኻን ዩኒስ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝዓነወ ህንፃ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኻን ዩኒስ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝዓነወ ህንፃ

    እስራኤል፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ካብ ዝርከብ ከባቢ ኻን ዩኒስ ለቒቖም ክወፅኡ ኣጠንቂቓ።

    ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ዝኾነ ማርክ ሬጌቭ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ለቒቖም ክወፅኡ ከም ዝተነገሮም ንተሌቬዥን ኤምኤስኤንቢሲ ተዛሪቡ።

    ወተሃደራት እስራኤል ናብታ ከተማ ብምእታው ገለርያታትን ዕርድታትን ሓማስ ንምዕናው ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ኣብ ኻን ዩኒስ ዝርከብ ህዝቢ ንኣንፈት ምዕራብ ክግዕዝ ይኽእል’ዩ። ኣብኡ ቴንዳታትን ግዝያዊ ሆስፒታልን ክህሉ ተስፋ ንገብር” ኢሉ።

    ኵናት እስራኤል-ጋዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ ፍልስጤማውያን ካብ ሰሜናዊ ጋዛ ንክወፅኡ ምስ ተነገሮም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ናብ ደቡባዊ ጋዛ ምግዓዞም ይፍለጥ። ደቡባዊ ጋዛ እንተኾነ’ውን ግና፡ ኣብ ዓንኬል ከቢድ መጥቃዕቲ እስራኤል እዩ ፀኒሑ።

    ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ካብ ዝርከባ ከተማታት እታ ዝዓበየት ኻን ዩኒስ፡ ካብ መጥቃዕቲ እስራኤል ንዝሃደሙ ኣማኢት ኣሽሓት ኣዕቑባ ትርከብ።

  4. እስራኤል ኣብ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ሓደጋ ኣብ ምውሓድ ‘ከምዘይተዓወተት’ ናታንያሁ ተኣሚኑ

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታናያሁ መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝኾነ ማእከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ሓይልታቱ ኣብ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ሓደጋ ኣብ ምውሓድ ‘ዕውታት ከምዘይነበሩ’ ተኣሚኑ።

    ሓይልታቱ ኣብ ቓዛ ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ስርሒት ሞትን መቍሰልትን ሲቪላውያን ንምውሓድ ዝገበርዎ ጻዕርታት “ዕውት ኣይነበረን” እኳ እንተበለ ንሓማስ እዩ ነቒፉ።

    ሰራዊት እስራኤል ንሓማስ ክድምስስ ይሰርሕ ኣሎ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ጉጅለ ሲቪላውያን ከም “ሰብኣዊ ዋልታ” ይጥቀም ምህላው ተዛሪቡ።

    ወሲኹ'ውን ሓማስ “ንፍልስጤማውያን ግዲ የብሉን፡” ኢሉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ
  5. ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ምንባሮም ዘረድኡ "ወሰንቲ ምልክታት" ከምዘለዉ ናታንያሁ ተዛሪቡ

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ

    ምንጪ ስእሊ, CBS

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ኣመሪካ ምስ ‘ሲቢኤስ ኢቨኒንግ ኒውስ’ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ተታሒዞም ምንባሮም ዘርእዩ "ወሰንቲ ምልክታት" ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።

    እዚ ድማ “ሓደ ካብቲ [ናብቲ ሆስፒታል] ዝኣተናሉ ምኽንያት ነይሩ" ክብል ኣረዲኡ።

    ትማሊ ረቡዕ ሓይልታት ሃገሩ ናብቲ ሆስፒታል ክኣትዉ ከለዉ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብኡ ከምዘይነበሩ ዝገለጸ ኔታንያሁ፡ “[ጅሆ ዝተታሕዙ] ኣብኡ እንተነይሮም፤ ተወሲዶም ኣለዉ” ክብል ሓቢሩ።

    እስራኤል ብዛዕባ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ተወሳኺ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዘለዋ እኳ እንተገለጸት፡ ናታንያሁ ግን "ብዛዕባኡ ብዙሕ እንተዘይበልኩ እዩ ዝሓይሽ" ኢሉ።

    እስራኤል ንሓማስ ኣብ ትሕቲ ሆስፒታል ኣልሺፋ ዓቢ ወተሃደራዊ መደበር ከምዘለዎ ብምግላጽ ብተደጋጋሚ ክትከሶ ጸኒሓ'ላ፤ ሓማስ ብወገኑ ነዚ ክሲ ይነጽጎ።

    ኔታንያሁ፡ እስራኤል እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ኣል-ሺፋ ጅሆ ከምዝነበሩ ክትገልጽ ዝደረኻ ሓበሬታ ብዝርዝር ካብ ምግላጽ ተዓቂቡ'ሎ።

  6. እስራኤል ሬሳታት ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ዝሕግዝ ዘሎ ዑፍ

  7. ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሬሳ ጅሆ ናይ ዝተታሕዘት ወተሃደሩ ከምዝረኸበ ሓቢሩ

    ኖኣ ማርሲያኖ

    ምንጪ ስእሊ, IDF

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ሬሳ ጓል 19 ዓመት ወተሃደር ኖኣ ማርሲያኖ ኣብቲ "ምስ ሆስፒታል ሽፋ ዝራኸብ ህንፃ" ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

    እዚ መግለፂ ተዋሂቡ ዘሎ ድማ ሞት እታ ወተሃደር ካብ ዝረጋገጽ ድሕሪ ሒደት መዓልታት’ዩ።

    ኮርፖራል ማርሲያኖ ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ብዕጡቓት ሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ኣስታት 240 ሰባት ነይራ።

    ሬሳኣ ናብ እስራኤል ዝተመለሰ ኮይኑ ምሉእ መንነታ ዘረጋግጽ መርመራታት ተኻይዱ'ሎ።

    እስራኤል ትማሊ ሓሙስ'ውን ሬሳ ናይ ካልእ ጅሆ ተታሒዛ ዝነበረት የሁዲት ዋይስ ዝተብሃለት ሰበይቲ ኣብ ጎኒ ሆስፒታል ኣልሺፋ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ከምዝተረኽበ ከምዘፍለጠት ይዝከር።

  8. ሰራዊት እስራኤል 'ኣብ ትሕቲ ሆስፒታላት ዝተሃነጹ ገለርያታት' ዘርእዩ ስእልታት ዘርጊሑ

    ገለርያታት ዘርእይ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, IDF

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሒደት ሰዓታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (ብትዊተር ዝፍለጥ ዝነበረ) ምስልታትን ቪድዮታትን ብምልጣፍ፡ ኣብ ትሕቲ ሆስፒታላት ቓዛ ዝርከቡ ገለርያታት ሓማስ ዘርእዩ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

    እስራኤል ነቶም ቦታታት ከም ዝረኸበት ኣቐዲማ ኣፍሊጣ ነይራ። ቢቢሲ ነዞም ምስልታት ዛጊት ከረጋግጾም ኣይከኣለን።

    ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ከተማ ቓዛ ዝርከብ መእተዊ ትሕተ-ምድራዊ መተሓላለፊ ዘርእይ ምዃኑ ብዝገለጾ ቪድዮ ኣብ ዝተሰነየ ኣብ ኤክስ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ኣብ ውሽጢ ህንፃ ሆስፒታል ሽፋ ገለርያ ግብረሽበራውያን ሓማስ ተረኺቡ" ክብል ጽሒፉ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ውሽጢ ‘ኣልራንቲሲ’ ዝተብሃለ ዓብዪ ሆስፒታል ህጻናት ቓዛ፡ ዝርከብ ዝበሎ "ካልእ ናይ ግብረሽበራዊ ገለርያ" ዘርእዩ ስእልታት'ውን ዘርጊሑ’ሎ።

    እቲ ሰራዊት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን’ውን ኣብቲ ማእከል ሕክምና ተረኺቡ ዝበሎም ኣጽዋርን ነተጕትን ዘርእይ ቪድዮ ካብ ተመሳሳሊ ሆስፒታል ኣውጺኡ ነይሩ።

    ኣብዚ ዳሕረዋይ መግለጺኡ ከኣ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ቁድስ ዝተረኽበ "ብዙሕ ኣጽዋርን ተተኮስትን" ዘርእይ ስእሊ ዘርጊሑ ኣሎ።

    እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታላትን ትሕቲኦምን ይንቀሳቐስ ከምዘለሎ ክትገልጽ እንከላ ኣሜሪካ ድማ ነቲ እስራኤል እትብሎ ዝድግፍ ስለያዊ ሓበሬታታት ከምዘለዋ ትሕብር።

    ሓማስን ሰብመዚ እቶም ሆስፒታላትን ግን ነዚ ክስታት ብቐጻሊ ይነጽግዎ ኣለዉ።

  9. እስራኤል ኣብ ቓዛ "ናይ ትሕቲ መሬት ዒላማታት" ከምዘጥቀዐት ኣፍሊጣ

    ብርሃን ሓዊ ዝፈጠሩ ተተኮስቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ክልተ ናይ ትሕቲ-መሬት ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ።

    ሓላፊ ብርጌድ ሮኬት ሓማስን ብርጌድ ሰሜናዊ ቓዛን ከምዝርከብዎም ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ’ሎ።

    ብተወሳኺ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ወተሃደራት፡ ሬሳ ናይታ ጅሆ ዝተታሕዘት የሁዲት ዋይስ ዝተብሃለት ውልቀሰብ ኣብ "ምስ ሆስፒታል ሽፋ ዝራኸብ ቦታ" ከምዝረኸብዎ እቲ ሰራዊት ሓቢሩ።

    ኣብኡ ድማ ወተሃደራቱ "ዕላማ ዘነጸረ ንጥፈታት" ይቕጽሉ ኣለዉ ኢሉ።

  10. እስራኤል-ቓዛ፡ ካብ ዘሕዝን ፍጻመታት ዝኸስቡ ዘለዉ ጸለውቲ

  11. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክትምርመር ኣመልኪታ

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ እስራኤል ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ኣይሲሲ) ክምርመር ከምዘመልከተት ፕረዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎዛ ኣፍሊጡ።

    እቲ ፕረዚደንት “ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዃን ኩሉ ተግባራት መንግስቲ እስራኤል ንዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ምውካስ ዝበቅዕ ምዃኑ ርእይና ኣለና። ገበናት ኲናት ይፍጸም ኣሎ ኢልና ስለእንኣምን ኣቕሪብናዮ ኣለና” ኢሉ።

    ኣብቲ እስራኤል ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ዝተሳተፋ ዝርዝር ሃገራት ግን ኣይገለጸን።

    ነቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሸለል ከምዘይበልዎ ዝገለጸ ራማፎዛ እስራኤል እትፍጽሞ ዘላ ተግባር ግን “ካብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ትእዛዝ ምርመራ የድሊ ኢሎም ከምዝኣምኑ” ተዛሪቡ።

    ኣይሲሲ ኣብ ከም ገበናት ኲናትን ገበናት ምጽናት ዓሌትን ዝኣመሰሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘገድሱ ገበናት ዝተሳተፉ ውልቀ ሰባት ዝምርምርን ዝፈርድን ቤት ፍርዲ እዩ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ካብተን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ ንፍልጤማውያን ብምሕጋዝ ድምጺ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ እያ።

    ብዙሓት መራሕቲ እታ ሃገር ንፍልስጤማውያን ዘለዎም ደገፍ ብግልጺ ዝተዛረቡ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር እውን ንፍልስጤም ዝድግፉ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም።

    ሰሪል ራማፎዛ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ኣፍሪቃ ካብተን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ንፍልጤማውያን ብምሕጋዝ ድምጺ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ እያ
  12. ባይቶ ጸጥታ ‘ዝተናውሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ንሰብኣዊ ሓገዝ’ ክግበር ንዝቐረበ እማመ ደጊፉ

    ባይታ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብማልታ ንዝቐረበ ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ “ንእኹል መዓልቲታት” “ህጹጽን ዝተናውሐን ምቁራጽ ተጻብኦ ንሰብኣዊ ሓገዝን መተሓላለፊ መንገድታትን” ክግበር ዝጽውዕ እማመ ደጊፉ።

    12 ኣባል ሃገራት ነቲ እማመ ክድግፋ እንከለዋ ሰለስተ ሃገራት ማለት ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ሩስያን ድምጸን ዓቂበን።

    እቲ እማመ ብሓማስን ካልኦት ጉጅለታትን ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኩሎም ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክፍትሑ እውን ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክቆጻጽርን ኣብ ኣተገባብራ ጸብጻብ ከቕርብን ጸዊዑ።

    ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ባይቶ ኣርባዕተ ግዘ ምቁራጽ ተጻብኦ ወይ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ክግበር ዝጽውዕ እማመ ንምሕላፍ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

    እስራኤል ብወገና ነቲ እማም ተቓዊማ።

    ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊላድ ኢርዳን፡ እቲ እማመ “ምስ ወድዓዊ ሓቂ ዝተባተኸን ትርጉም ዘይብሉን” ክብል ነጺግዎ።

    እስራኤል “ብሰመረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ስጉምቲ ምውሳድ ክትቅጽል እያ” ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፡ እቲ እማመ ነቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዘይምጥቃሱ ኮኒኑ።

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ብወገና “ውሑዳት ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክኹንና ዘይምኽኣለን ሓዚነ” ብምባል ንክሲ ኣማባሳደር ጊላድ ደጊፋ።

    ሊንዳ “እንታይ እየን ዝፈርሓ ዘለዋ?” ክትብል እውን ተሰሚዓ።

    ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  13. እስራኤል መንበሪ ገዝኡ ደብዲበ እትብሎ መራሒ ሓማስ መን እዩ?

    ከምቲ ዝጸብጸብናዮ፡ ሓይልታት እስራኤል፡ ነፋሪት ውግእ ተጠቒሞም ናይቲ ብሰፊሑ ከም መራሒ ሓማስ ኮይኑ ዝቑጸር እስማዒል ሃኒየ መንበሪ ገዛ ከምዘጥቅዑ ሎሚ ንግሆ ኣፍሊጦም።

    እስማዒል ኣብ 2017 ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ሓማስ ኮይኑ ተመሪጹ'ኳ እንተነበረ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቀጠር ክነብር ጸኒሑ'ዩ።

    ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ፍሉጥ ኣባል ሓማስ ኮይኑ ብእስራኤል ንሰለስተ ዓመት ተኣሲሩ።

    ብድሕሪኡ ናብ ቓዛ ቅድሚ ምምላሱ ንሓደ ዓመት ኣብ ስደት ኣሕሊፉ።

    ኣብ 1997 ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንፈሳዊ መራሒ ሓማስ ኮይኑ ተመዚዙ፡ ስልጣኑ ኣደልዲሉ።

    እስማዒል ኣብ 2006 ብፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልስጤም ኮይኑ ተመዚዙ፤ ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን እቲ ጉጅለ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብዝመረሖ ሰፊሕ ተቓውሞ ንሰልፊ ፋታሕ ድሕሪ ምእላዩ ካብ ስርሑ ተባሪሩ።

    ሃኒየህ ካብ ስልጣኑ ምእላዩ "ዘይሕጋዊ" ብምባል ነጺግዎ። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ካብ ዝነበሮ ሃገራዊ ሓላፍነት ከልዕሎ ከምዘይክእል ብምሕባር ኣብ ቓዛ ምሕደራኡ ቀጺሉ።

    ሓላፊ ሓማስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  14. እስራኤል-ሓማስ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

    • ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ እቶም ብሓማስ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ክፍትሑ “ገለ ተስፋ” ከምዘለዎ ተዛሪቡ።
    • ንሱ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣሜሪካ ካብ’ታ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንዝካየድ ዘሎ ዝርርብ እትመርሕ ዘላ ቐጠር “ጽቡቕ ምትሕብባር” ከምዝረኣየት ገሊጹ።
    • ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ብታንክ ዝተሓገዘ ስርሒት ምክያዱ ኣፍሊጡ። ሓማስ ነቲ ሆስፒታል ንወተሃደራዊ እዚ ከምዝጥቀመሉ እስራኤል ትኸስስ። ሓማስ ኮነ ሓለፍቲ እቲ ሆስፒታል ግና ነዚ ብትሪ ይቃወምዎ።
    • ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከብ ሓደ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ወተሃደራት እስራኤል ካብቲ ሆስፒታል ምውጽኦም እኳ እንተጠቐሰ፡ ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
    • ወተሃደራት እስራኤል ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት እቲ ሆስፒታል ብምእታው ንተሓከምቲ ምምርማሮም እቲ ጋዜጠኛ ተዛሪቡ።
    • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ናይ ሓማስ ምዃኑ ዝገለጾ ብረትን ወተሃደራዊ ንዋትን ዘርእዩ ምስልታትን ቪድዮታትን ዘርጊሓ።
    • ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ እትርከብ ኻን ዩኒስ ከቢድ ዝናብ ክሃርም እንከሎ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ንደሓር ንፈለማ እዋን 25,000 ሊትር ነዳዲ በታ ምስ ግብጺ እተዳውብ ራፋሕ ኣትዩ ኣሎ።
  15. እስራኤል ንመንበሪ ገዛ መራሒ ሓማስ ወቒዓ

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።

    ምክልኻል እስራኤል ኣብ ኤክስ (ትዊተር) ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ነፈርቲ ውግእ ተጠቒሞም ንመንበሪ ገዛ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ከምዝወቕዑ ሓቢሩ።

    ገዝኡ "ከም ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን ይጥቀመሉ" ከምዝነበረን "ከምኡ'ውን መኣከቢ ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ጉጅለ" ከምዝነበረ ይገልጹ።

  16. ኣብ ሆስፒታል ቓዛ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

  17. ኣመሪካ፡ ሓማስ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ማእከል እዚ ከምዘለዎ ገሊጻ

  18. ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ዘካየዶ ስርሒት 'ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት እዩ' ክብል ሓማስ ከሲሱ

    ተሓከምቲ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቤት ጽሕፈት ሚድያ ሓማስ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣልሺፋ ቓዛ ዘካየደቶ ዘመተ "ገበን ኲናት"፤ "ሞራላዊ ገበንን" "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት"ን ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።

    እቲ ዘመተ ብለይቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን 9 ሽሕ ሕሙማት፣ ሰራሕተኛታት ሕክምናን ተመዛበልቲ ሲቪላትን ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

    ማእኸል ሓበሬታ ፍልስጤም ኣብ ኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ መራሒ ሓማስ ኢዛት ኣል ሪሽቅ፡ እስራኤል ንወተሃደራዊ ትካል ዘይኮነስ ንሲቪላዊ መሳለጥያ ከምዘጥቅዐት ገሊጹ።

    ሓማስ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንዋሽንግተንን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን በቲ ዘመተ ተሓተትቲ ገይሩ'ሎ።

  19. ሓይልታት እስራኤል ናብቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ኣል-ሺፋ ኣትዮም

    ሓደሽቲ ዝተወለዱ ቆልዑ

    እስራኤል ሰራዊታ ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣንጻር ሓማስ ስርሒት የካይድ ከምዘሎ ገሊጻ።

    እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ኣል-ሺፋ "ዳርጋ ናብ መቓብር" ከምዝተቐየረ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣብ ውሽጥን ብደገን ሬሳታት ይእከቡ ከምዘለዉ 'ውን ተሓቢሩ'ሎ.

    ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር ታንክታትን ወተሃደራት ኮማንዶን ናብ ቀንዲ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤታ ክኣትዉ ከምዝረኣየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    ኣሜሪካ ድማ ሕሙማት ግድን ክሕለዉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ "ኣብ ሆስፒታልተኹሲ ክንርኢ ኣይንደልን ኢና" ክትብል ኣጠንቂቓ።

    መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ማእከል እዚ ኣለዎ ንዝብል ክሲ እስራኤል ዝድግፍ ሓበሬታ ስለያ ከምዘለዎ ይገልጽ፤ ሓማስ ግን ነዚ ይኽሕዶ።

  20. ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ድሕሪ 7 ዓመት ናብ ፖለቲካ ተመሊሱ