ብሓማስ ተዓጊቱ ዝነበረ ታንዛንያዊ ከም ዝሞተ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Mashav Israel
መንግስቲ ታንዛኒያ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ዜግኡ ከም ዝሞተ ኣፍሊጡ።
እቲ ክሌመንስ ፌሊክ ምቴንጋ ዝተብሃለ ወዲ 22 ዓመት፡ ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን፡ ምስ ካልእ ወዲ ዓዱ ጅሆ ተታሒዙ ነይሩ።
ኣብ እስራኤል ትምህርቲ ሕርሻ ክመሃር ዝፀንሐ ክሌመንስ፡ ብኸመይ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ዝተገለፀ ነገር የለን።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታንዛኒያ፡ ኣብ ዕጫ ናይቲ ካልእ ጅሆ ዝተትሓዘ ታንዛንያዊን ሬሳ ክሌመንስ ፌሊክ ምቴንጋ ናብ ዓዲ ኣብ ምምፃእን ዝምልከት፡ ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ እስራኤል ኣስታት 260 ትምህርቲ ሕርሻ ዝከታተሉ ታንዛኒያውያን ኣለዉ።
ሓማስ ልዕሊ 230 ሰባት ካብ እስራኤል ጨውዩ ከም ዝወሰደ ይዝከር።












