ተዓዘብቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ምርጫ ሰላምን ምርግጋእን ዝዓሰሎ ምንባሩ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, ESAF
እቲ ትማሊን ሎሚን ክካየድ ዝወዓለ ሃገራዊን ክልላውን ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ከምዝተኻየደ፡ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ተጠንቀቕ ሓይሊ ዝተባህለ ተዓዛቢ ጉጅለ ገሊጹ።
እቲ ተዓዛቢ ጉጅለ፡ 28 ኣባላቱ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ዓፋር፡ ሲዳማን ደቡብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማታት ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን ኣዋፊሩ ምንባሩ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ኣፈናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ሓደ ኣባል ፖሊስ ምቕታሉ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።
እዚ ንሓያሎ ሃገራት ዝውክል ‘ኢስተርን ኣፍሪካ ስታንድባይ ፎርስ’ ዝተባህለ ትካል፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ፖሊስን ሲቪላዊ ኣካላትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ንምውሓስ ዝተመስረተ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብድምር 190 መድመጺ ነቚጣታት ከም ዝተዓዘበን፡ 19 ካብኦም ደንጒዮም ከምዝተኸፍቱን መራሒ ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ኣምባሳደር ኣበዲላህ ኣውሌድ ተዛሪቡ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሕጽረት ኣቚሑት ከምዝነበረን፡ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታት’ውን፡ ወከልቲ ሰልፍታት ኢዶም ከእትዉ ከምዝተራእዩን ጸብጻብ ናይቲ ጉጅለ ይገልጽ።
ንውሕስነት ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝምልከት ድማ፤ ዋላ’ኳ መሸፈኒን መጽረዪ ኢድን እንተነበረ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ከምዘይነበረ ኣብሪሁ።
ዝንኣድ ናይ ኣድመጽቲ ጾታዊ ምዕሩይነት ከምዝተዓዘበ’ውን እቲ ጉጅለ ኣፍሊጡ’ሎ።















