ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሎሚ ካብ ረፋድ ሰዓት 5፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ድምጺ ዝሀዋቦም ቦታታት ከም ዘለው ኣፍሊጡ። ትማሊ፡ ካብ ክልላት ትግራይ፣ ሶማልን ሃረርን ወጻእ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እታ ሃገር መረጻ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ። ኣብዚ መረጻ ንምስታፍ ልዕሊ 37 ሚሊየን ሰባት ከም ዝተመዝገቡ ሓበሬታ ቦርድ መረጻ የረድእ። 47 ውድባት ፖለቲካ ድማ ተወዳዲረን።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ተዓዘብቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ምርጫ ሰላምን ምርግጋእን ዝዓሰሎ ምንባሩ ገሊጾም

    ተዓዘብቲ ምርጫ ምብራቕ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, ESAF

    መግለጺ ስእሊ, ተዓዘብቲ ምርጫ ምብራቕ ኣፍሪቃ

    እቲ ትማሊን ሎሚን ክካየድ ዝወዓለ ሃገራዊን ክልላውን ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ከምዝተኻየደ፡ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ተጠንቀቕ ሓይሊ ዝተባህለ ተዓዛቢ ጉጅለ ገሊጹ።

    እቲ ተዓዛቢ ጉጅለ፡ 28 ኣባላቱ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ዓፋር፡ ሲዳማን ደቡብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማታት ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን ኣዋፊሩ ምንባሩ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ኣፈናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

    ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ሓደ ኣባል ፖሊስ ምቕታሉ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

    እዚ ንሓያሎ ሃገራት ዝውክል ‘ኢስተርን ኣፍሪካ ስታንድባይ ፎርስ’ ዝተባህለ ትካል፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ፖሊስን ሲቪላዊ ኣካላትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ንምውሓስ ዝተመስረተ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ብድምር 190 መድመጺ ነቚጣታት ከም ዝተዓዘበን፡ 19 ካብኦም ደንጒዮም ከምዝተኸፍቱን መራሒ ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ኣምባሳደር ኣበዲላህ ኣውሌድ ተዛሪቡ።

    ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሕጽረት ኣቚሑት ከምዝነበረን፡ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታት’ውን፡ ወከልቲ ሰልፍታት ኢዶም ከእትዉ ከምዝተራእዩን ጸብጻብ ናይቲ ጉጅለ ይገልጽ።

    ንውሕስነት ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝምልከት ድማ፤ ዋላ’ኳ መሸፈኒን መጽረዪ ኢድን እንተነበረ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ከምዘይነበረ ኣብሪሁ።

    ዝንኣድ ናይ ኣድመጽቲ ጾታዊ ምዕሩይነት ከምዝተዓዘበ’ውን እቲ ጉጅለ ኣፍሊጡ’ሎ።

  2. ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣብ መድመጺ ነቚጣ ብዕጡቓት ተቐቲሉ

    ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ተኮላ ኣይፎክሩ
    መግለጺ ስእሊ, ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ተኮላ ኣይፎክሩ

    ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሓደ መድመጺ ነቚጣ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ተዂሲ ሓደ ኣባል ፖሊስ ከምዝተቐትለ ሰብመዚ ጸጥታ ሓቢሮም።

    እቲ መጥቅዕቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከምዝተፈጸመ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ተኮላ ኣይፎክሩ ብዛዕባ’ቲ ብሰኑይ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኩነታት ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

    ኮሚሽነር ተኮላ ከምዝበሎ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ መድመጺ ቦታ ብምኻድ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ዕጥቆም ከውርዱ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን ምልውዋጥ ተዂሲ ተኻይዱ።

    ኣብቲ ግጭት ድማ ሓደ ኣባል ፖሊስ ክቕተል እንከሎ፡ ካልእ ብጻዪ ከምዝኾሰለ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    ብዛዕባ መንነት ይኹን ቁጽሪ ናይቶም ዕጡቓት ዘይገለጸ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፡ ኣብ መጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ብዘይካ ኣብቲ ቦታ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብ ካልእ ኩነታት ጸጥታ ርጉእ ከምዝነበረ’ውን እቲ ኮሚሽነር ተዛሪቡ።

    እቲ ምርጫ ሰላማዊ ንምግባር ኣብቲ ክልል ልዕሊ 16,000 ኣባላት ጸጥታ ተዋፊሮም ምንባሮም ተፈሊጡ።

  3. ኣብታ ሓዳስ ክልል ሲዳማ መስርሕ ምድማጽ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ’ሎ

    ኣድመጽቲ

    ኣብታ መበል 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ክካየደላ ዝተወሰነት ክልል ሲዳማ መስርሕ ምድማጽ ከምዘይተዛዘመ ተፈሊጡ።

    ኣብታ ኣብ 2020 ክልል ዝኾነት ክፋል ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 2000 መድመጺ ነቚጣታት ምርጫ ከምዘለዉ፡ ሓላፊ ቦርድ ምርጫ ናይቲ ክልል ኣቶ ፍሬው በቀለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    እቲ ሎሚ ዝቐጸለ ናይ ምድማጽ መስርሕ ካብ ሰዓት 5 (11) ቅ.ቀ ጀሚሩ ክሳብ 12 (6) ናይ ምሸት ክቕጽል’ዩ ተባሂሉ።

    ኣብታ ርእሰከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነት ከተማ ሓዋሳ ግን፡ ምድማጽ ከምዝተዘዘመን ምቑጻር ድምጽታት ከምዝተጀመረን ተገሊጹ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ምድንጓያት ኣብ ገለ ከባቢታት መስርሕ ምድማጽ ንሎሚ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣብ ካልኦት ነቚጣታት እታ ሃገር ዝተዋህበ ድምጺ ናይ ምቑጻር መስርሕ ተጀሚሩ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።

    ሲዳማ፡ ኣብ 2019 ድሕሪ ዝተገብረ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) እያ ክልል ክትከውን ኪኢላ።

  4. ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምድማጽ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ምቑጻር ድምጺ ይቕጽል ኣሎ

    ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ትማሊ ሰኑይ ብዘጋጠመ ዕንቅፋታት ምድማጽ ንኻልኣይ መዓልቲ ክቕጽል እንከሎ፤ ኣብ ዝበዝሐ ክፋላት እታ ሃገር ምቑጻር ድምጺ ይካየድ ኣሎ።

    ኣደመንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብርትኳን ሚደቅሳ ከም ዝሓበረቶ፡ ገለ ክልላትን መደበራትን ምርጫ ከም ሕጽረት መድመጺ ወረቐትን “ዘይምኽንያታዊ ምትእትታውን” ብኣመሓደርቲ ከባቢታት ዝኣመሰሉ ጸገማት ኣጋጢምዎም ነይሩ።

    ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ጸገማት ብሰኑይ እቲ ምድማጽ ኣብ ብዙሕ ከባብታት እታ ሃገር ብሰለስተ ሰዓታት ተናዊሑ እዩ።

    ኣብ ገለ ከባቢታት ምብራቓዊ ኢትዮጵያን ምዕራብ ኦሮምያን መስርሕ ምድማጽ ሰሉስ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ቦርድ ሓቢሩ እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ግና እቲ ምርጫ ታሪኻዊ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ ኣብታ ሃገር “ናይ ፈለማ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ” ምንባሩ ገሊጹ።

    ንሱ ብትዊተር ኢትዮጵያውያን ድምጾም ንምሃብ ተሰሪዖም ዘርእይ ስእሊ ብምግባር ንዴሞክራስያዊ መስርሕ ዘለዎም ተገዳስነት ዘርእይ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ እቲ ኣብታ ሃገር እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ዓሌታዊ ጎንጽን ኲናት ክልል ትግራይን እዩ ተኻዪዱ።

    ካብቲ 547 ክልላት ምርጫ መላእ ትግራይ ዝርከቦም ልዕሊ 100 ዝኾኑ ክልላት ምርጫ መስርሕ ምድማጽ ኣይተኻየደን።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  5. ሎሚ ድምጺ ዝወሃበሎም ቦታታት ከም ዘለው ተገሊጹ

  6. ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን - ኣብዪ ኣሕመድ

  7. ሕጽረት መድመጺ ወረቐት ዘጋጠሞም ነቑጣታት መረጻ

    ድምጺ ዝተዋህበሉ ወረቐት

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጽረት መድመጺ ወረቐት ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ገሊጹ።

    ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላን ሲዳማን ሕጽረት ናውትታት ኣጋጢሙ ነይሩ።

    ኣብ ሲዳማ፡ እቶም ድምጺ መውሃቢ ወረቓቕቲ በዓል ሓደ ሚኢቲ ኮይኖም ክዕሸጉ እናተገብአ በዓል 50 ኮይኖም ስለ ዝተዓሸጉ ዘጋጠመ ሕጽረት ኮይኑ፡ ኣብ 19 ክልላት መረጻ 50 ሚኢታዊት ሕጽረት ተፈጢሩ።

    በዚ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ኣብ ኩሎም ክልላት መረጻ ዝነበረ መስርሕ ድምጺ ተቛሪጹ'ዩ። እዚ ጸገም ንምፍታሕ ግን ኣድላዪ ሰነድ ን19 ክልላት መረጻ ክበጽሐን ከም ዝተገብረ እቲ ቦርድ ሓቢሩ።

    እንተኾነ እዚ ናብተን ነቑጣታት መረጻ ንምብጻሕ ጸገም ትሕተ ቕርጽን ራሕቕን ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር እቲ ቦርድ ብመሰረት ኣዋጅ መረጻ 1,162 እቲ መረጻ ክቋረጽ ብምግባር ሎሚ ረፋድ ሰዓት 5፡00 ጀሚሩ ኣብቲ ክልል መረጻ ከም ዝካየድ ኣመልኪቱ።

    ኣዋጅ መረጻ 1,162፡ ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾነ ነገር እንተኣጋጢሙ እቲ መረጻ ንግዝኡ ብምቁራጽ ኩነታት ክመቻቻእ እንከሎ ግዜ ሂብካ እቲ መረጻ ክቕጽል ከም ዝክኣል ይድንግግ።

    ኣብ ክልል ጋምቤላ ድማ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት መረጻ ሕጽረት ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ኣጋጢሙ ነይሩ።

    ኣብዞም ክልላት መረጻ ብተመሳሳሊ ሕጽረት ናውትታት መረጻ ኣጋጢሙ እቲ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ከም ዝነበረን ዝቕጽል ውሳነ እቲ ቦርድ ከም ዘፍልጥን ተገሊጹ ኣሎ።

    ኣብ ጋምቤላ ዘለዋ ካልኦት ክልላት መረጻ ግን ድምጺ ምሃብ ዛዚመን ክቐጽራ ጀሚረን ተባሂሉ።

    ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተመሳሳሊ ሕጽረት ዘጋጠመ ኮይኑ እቲ መረጻ ተቛሪጹ'ዩ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣብዚ ጉዳይ ንዘጋጠሙ ጸገማት ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቱ'ዩ።

  8. ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ 'ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ' መስርሕ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ነይሩ

  9. ኣብ እዋን መረጻ ዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ ኣሎ ድዩ?

    መረጽቲ

    ትማሊ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ውዒሉ'ዩ።

    ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ክርኣዩ ዝጸንሑ ዓሌታዊ ግጭታትን ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ኣብቲ መረጻ ጸገም ጸጥታ ከየጋጥም ተሰጊኡ ነይሩ።

    ኣካቢት ቦርድ መረጻ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ግን መረጻ ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ የለን ኢላ።

    ፖሊስ ፌደራል ብወገኑ እቲ መረጻ ብሰላም ከም ዝተዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ይኹን'ምበር ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ገለ ነቑጣታት መረጻ ዘይተዓጠቑ ሰባት ንሓድሕዶም ተጋጭዮም መረጻ ዝተቛረጸሉ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረ ብርቱኳን ጠቒሳ።

    እዚ ኣብ ክልል መረጻ ጎንጪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ መረጻ ኣመሓደርቲ እቲ ኸባቢ ኣትዮም ኣይንወጽእን ምባሎም ስግኣት ፈጢሩ፡ ሓደ ፈጻሚ ቦርድ መረጻ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ክኢሉ'ዩ። እዚ ድማ ዝምልከቶ ኣካል ክፈልጦ ገይርና ኢና ክትብል ኣብሪሃ።

    ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ ፈጸምቲ መረጻ ስግኣት ሓዲሩዎም ዘይተኸፈቱ ቦታታት ከም ዝነበሩ ተዛሪባ።

    ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ዘይተኸፈቱ ነቑጣታት መረጻ ከም ዘለው ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ሸዋ ክልል መረጻ ኖኖ ኣብ ዝርከባ ክልተ ነቑጣታት መረጻ ዕጡቓት ዕግርግር ብምፍጣሮም እቲ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

    "ካብዚ ወጻእ ግን እዚ'ዩ ዝብሃል ጸገም ጸጥታ የለን" ኢላ።

  10. ሎሚ ድምጺ ዝወሃበሎም ቦታታት ከም ዘለው ተገሊጹ

    ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሎሚ ካብ ረፋድ ሰዓት 5፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ድምጺ ዝሀዋቦም ቦታታት ከም ዘለው ኣፍሊጡ።

    እቲ ቦርድ ትማሊ ምሸት ሰዓት 5፡00 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓሙሽቲኦም ኣባላት እቲ ቦርድ ተረኺቦም ነይሮም።

    ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱኳን ሚደቅሳ እቲ ትማሊ ክካየድ ዝወዓለ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ "ብኸፊል ብጣዕሚ ጽቡቕ ነይሩ" ኢላ።

    እቲ መረጻ ንምዕዛብ ልዕሊ 40 ሽሕ ካብ ውሽጢ ሃገር፡ ልዕሊ 200 ካብ ሃገር ወጻእ ዝተወጻጽኡ ተዓዘብቲ ከም ዝተሳተፉ ይግለጽ።

    ትማሊ፡ ካብ ክልላት ትግራይ፣ ሶማልን ሃረርን ወጻእ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እታ ሃገር መረጻ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

    ኣብ ክልላት ሶማልን ሃረርን 1 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] መረጻ ከም ዝካየድ ሓበሬታ እቲ ቦርድ የመልክት።

    ኣብ ትግራይ ግን ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን እቲ መረጻ ንዘይተወሰነ እዋን ኣይካየድን።

    ኣካቢት ቦርድ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ
  11. ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ምሃብ ድምጺ መረጻ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ'ዩ

    ስእሊ መረጻ

    ልዕሊ 37 ሚሊየን ህዝቢ ከድምጽ ዝተመዝገበሉ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ክሳብ ምሸት ሰዓት ሰለስተ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

    ኣብቲ መረጻ 47 ተነሓናሕቲ ውድባት ክሳተፉ እንከለው፡ 8209 ንኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልልን ዝወዳደሩ ሕጹያት ኣቕሪቦም።

    125 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ተወዳዲሮም።

    ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብብዝሒ ሕጹያት ብምቕራብ ቐዳማይ ኮይኑ፡ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሕን እናትን ዝተባህሉ ሰልፊታት ይስዕቡዎ።

    ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ መረጻ፡ መረጽቲ ን445 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጾም ክህቡ እንከለው፡ ጎና ጎኒ’ውን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እተን ክልላት ዝወዳደሩ ሕጹያት ኣድሚጾም።

    እቶም ዝተረፉ 64 መናብር ባይቶ ወከልፊ ህዝቢ ዝኸውን ድምጺ ድማ ሓደ ጳጉሜን 2013 ዓ.ም ድምጺ ክወሃብ’ዩ።

    ንትግራይ ዝተወዝዑ 38 መናብር ግን ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት መረጻ ዝካየደሉ እዋን ንግዝኡ ስለ ዘይተወሰነ ክፍቲ ኮይኖም ክጸንሑ’ዮም።

  12. ኣብ ሓደ መድመጺ ነቚጣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

    መረጽቲ ኣብ መስርዕ እናተጸበዩ

    ኣብ ክልል ኣሮሚያ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ኣብ ሓደ መድመጺ ነቚጣ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ገሊጾም።

    ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓልመዚ ምርጫ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ሰለስተ ሰባት ኣብ ሓደ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣምቦ ዝርከብ ጣብያ መረጻ’ዮም ተቐቲሎም።

    ካልእ ሓላፊ ናይቲ ከባቢ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ሞት ሲቪላውያን ጥራይ ክዛረብ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ 2 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

    እቶም ምንጭታት ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ኣብ ወረዳ ሊባን ጃዊ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ፡ ሓደ ኣባል ሚሊሻን ሓደ ብዓል ስልጣንን እዮም።

    ኣብ ዝተፈላለዩ መድመጺ ነቚጣታት ምፍርራሕን ጎነጽን ከምዝተራእየ ዝገልጽ ጥርዓናት ከምዝተቐበሉ፡ ሓላፊት ቦርድ መረጻ ወ/ሮ ብርትኳን ሚደቅሳ ተዛሪባ ነይራ።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብሄራዊ ወጥሪ ዘለዎ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ እቲ መረጻ “ናጻን ሰላማዊን” ብዝኾነ ኣገባብ ክፍጸም ተማሕጺኑ’ሎ።

    ብሰንኪ ዝተፈጥረ ምድንጓያት፡ መስርሕ ምድማጽ ክሳብ ሰዓት 9 ምሸት ክቕጽል ምውሳኑ ይዝከር።

  13. ነቚጣታት ምርጫ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ክዕጸዉ'ዮም

    ጣብያ መረጻ

    ባይቶኣውን ክልላውን መረጻታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ክዛዘም እዩ።

    ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምርጫ ዝዕጸወሉ ግዜ ብሰለስተ ሰዓታት ከምዘናውሖ ድሕሪ ምግላጹ፡ ክሳብ ሕጂ መስርሕ ምድማጽ ይቕጽል ኣሎ። በዚ መሰረት፡ መረጽቲ ክሳብ ሰዓት 9:00 ምሸት ((ሰዓት ሰለስተ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ድምጾም ክህቡ ተፈቒድሎም ኣሎ።

    ኣስታት 37 ሚልዮን ዜጋታት ከምዝተመዝገቡን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማተት ልዑል ተሳታፍነት ከምዝተራእየን እቲ ቦርድ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ 547 መናብር እኳ እንተለዉ፡ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታን ሎጂስቲካዊ ብድሆታትን ኣብ 102 ወረዳታት ምርጫ ኣይተኻየደን።

    ነቲ ምርጫ ንምክያድ ኣስታት 42,000 ነቑጣታት ምርጫ (ጣብያታት መረጻ) ከምዝተዳለዉን፡ ሓደ ጣብያ እንተበዝሐ ን1500 መረጽቲ ከምዘገልግልን ይግለጽ።

    ድምጺ ናይ ምሃብ ብመስርሕ ምስተዓጽወ፡ ምቑጻር ክጅመር ምዃኑን፡ እቲ ውጽኢት ናብ ማእከላት ምርጫ ወረዳታት ክልኣኽ ምዃኑን ተፈሊጡ።

    እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና፡ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ትጽቢት ይግበር።

    እቲ ዝቐረበ ተቐናቓኒኡ ዝኾነ ብፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ሰልፊ ማሕበራዊ ፍትሒ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈደራል፡ ክልልን ፍሉያት ምምሕዳራትን ዘለዉ መናብር ንምዕዋት 1,385 ተወዳደርቲ ኣቕሪቡ’ሎ።

    ሕረብት ኣፍሪቃን ካልኦት ወጻእተኛታት ነቲ ምርጫ ይዕዘብዎ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

    እቲ ፈለማ ብተዓዛብነት ከምዝሳተፍ ዝገለጸ ሕብረት ኣውሮጳ ግን፡ ድሕሩ ሓሳቡ ከምዝቐየረ ይዝከር።

  14. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ወጥሪ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ

    ምንጪ ስእሊ, UN Geneva

    ሓላፊት ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሚሸል ባቸለት፡ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቐላ ገሊጻ።

    ሓደ ሕምሲት ካብ መረጽቲ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ክሳተፉ ዕድል ከምዘይረኸቡ ይግለጽ።

    ሓደ ካብቶም ምርጫ ዘይካየደሎም ዘሎ ከባቢታት እቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ዝርከብ ክልል ትግራይ እዩ። ኣብ መስከረም 2020 ብማእከላይ መንግስቲ “ዘይሕጋዊ” ዝተባህለ ክልላዊ ምርጫ ምክያዱ ይዝከር።

    ኣብ መበል 47 መጋባእያ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስመዐት ባቸለት፡ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ጸዊዓ።

    ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ “ናጻን ሰላማውን” ክኸውን ተማሕጺኑ።

    ብሰንኪ ዝተፈጥረ ምድንጓያት፡ እቲ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ክዕጾ ዝነበሮ መድመጺ ነቑጣታት ሰለስተ ሰዓታት ተናዊሑ’ሎ።

  15. ቦርድ መረጻ፡ ንሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ 'ምትእትታው' ካብ ምግባር ክቑጠብ ኣጠንቂቑ

    ብርትኳን ሚደቅሳ

    ምንጪ ስእሊ, Ethiopia Election Board

    ሓላፊት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ገዛኢ ስልፊ ብልጽግና ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ “ኣድላዪ ዘይኮነ ምትእትታው” ካብ ምግባር ክቑጠብ ኣጠንቂቓ።

    “ብዘይካ ገዛኢ ሰልፊ፡ ኩሎም ኣብቲ መረጻ ዝሳተፉ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘለዎም ቅሬታታት ሰዲዶምልና ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ” ክትብል ብርትኳን ሚደቅሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ተዛሪባ።

    “ገሊኦም፡ ከምዝተሃርሙን፡ ናብቲ መድመጺ ነቑጣታት ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉን ጠሪዖም ኣለዉ” ድሕሪ ምባል፡ ሰብመዚን ሓይልታት ጸጥታን ደው ከብልዎ ተማሕጺና።

    “እዚ ጉዳይ’ዚ ብህጹጽ እንተዘይተፈቲሑ፡ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእሉ’ዩ” ድማ ኢላ።

  16. 'ሰራዊት ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ካብ ትግራይ ክወጽእ ንሰርሕ ኣለና'- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ኣብ ኣኼባ

    ምንጪ ስእሊ, Office of PM/twitter

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ንቢቢሲ ጥራይ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ክወጽእ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    "ደፊእና ኣይነውጽኦምን ኢና: ንዘለዉና ጉዳያት ብሰላማዊ መንገዲ ንምውዳእ ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

    ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንጻር ተቓወምቲ ዕጡቓት ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኤርትራ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝፈጸሙን፡ ከምኡ’ውን ረዲኤት ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ ከምዝኸልከሉን ተጣበቕቲን ትካላት ረዲኤትን ይኸሱ።

    ኤርትራ ነቲ ወተሃደራታ ኣብ ትግራይ ፈጺሞሞ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

    ሎሚ ኣብ ምርጫ ድምጹ ዝሃበ ኣብዪ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

  17. ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብ በሻሻ ድምጹ ሂቡ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መሪጹ
    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መሪጹ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ እትርከብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ዝኾነት በሻሻ ብምኻድ ድምጹ ሂቡ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝወዳደረላ ነቑጣ መረጻ ጎማ ክልተ፡ ትብሃል ኮይና ምስኡ ዝወዳደሩ ሕጹያት ኢዜማን እናት ፖለቲካዊ ውድብን እዮም።

    ሕጹይ ተወዳዳሪ ኢዜማ ኣቶ ካሊድ ጀማል ዝብሃል ኮይኑ፡ እናት ዘቕረቦ ሕጹይ ተወዳዳሪ ድማ ዳግም ወሪሶ’ዩ።

  18. ንጉጅለ ተዓዘብቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝመርሐ ኦባሳንጆ ንምርጫ ኢትዮጵያ ይዕዘብ

    ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ነቲ ክሰጋገር ዝጸንሐ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ ኣብታ ሃገር ኣትዩ ኣሎ።

    ንሱ ንጉጅለ ተዓዘብቲ ምርጫ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ጠርኒፉ እዩ ነቲ ምርጫ ዝዕዘብ ዘሎ።

    መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝዘርግሐቶ ጸብጻብ፡ ኦባሳንጆ ኣብቲ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዘድመጸትሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ነቑጣ ምርጫ ዝተስኣሎ ስእሊ ኣውጺኣ ኣላ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  19. ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ትውልዲ ዓዱ ቅድሚ ምኻዱ ዝቐረበሉ መግቢ 'ዶክተር ኣብዪ ስፔሻል'

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ትውልዲ ዓዱ በሻሻ ድምጺ ከም ዝህብ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብዚ መረጻ ዝካየደሉ ዘሎ መዓልቲ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ወጊኑ’ዩ ናብ በሻሻ ተጓዒዙ።

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሜን ማዘጋጃ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ ገዛ ሓንቲ ወላዲት ዝዳሎን ብሽሙ ዝተሰየመን ናይ መግቢ ዓይነት ናብ ዘቕርብ ገዛ ተቐልቂሉ ነይሩ።

    እዚ፡ ኣብታ ከተማ ኣዘራራቢ ገዛ’ዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ‘እማማ ፊሽካ’ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጣ ኣደ ናብ ዘመሓድርኦ ቤት ብልዒ ከይዱ ‘ዶክተር ኣብዪ ስፔሻል’ ዝተባህለ ኣርባዕተ ሰባት ክምግብ ዝኽእል መግቢ ቐሪብሉ።

    እዚ መግቢ 200 ብር እዩ ዋግኡ።

    ድሕሪኡ፡ ካብ ኣደባባይ ፑሽኪን ዝወስድ ዘሎ ሓድሽ ፕሮጀክት መገዲ ተዓዚቡ።

    ቐጺሉ’ውን ብቤት ጽሕፈት በዓልቲ ቤቱ ጽጉማት ንምሕጋዝ ዝህነጽ ዘሎ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚሊየን ሕብስቲ ከፍሪ ዓቕሚ ኣለዎ ዝተባህለ ፋብሪካ’ውን ተዓዚቡ።

    ጎና ጎኒ ገረብ'ውን ዝተኸለ ኮይኑ፡ ኣብ ትዊተር “ኩላትኩም ዜጋታት ድምጽኹም ሃቡ” ክብል ጽሒፉ።

    ቀዳማይ ሚኒስር ኣብዪ ዝቐረበሉ መግቢ 'ኣብዪ ስፔሻል'

    ምንጪ ስእሊ, PM Abiy twitter page

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስር ኣብዪ ዝቐረበሉ መግቢ 'ኣብዪ ስፔሻል'
    ኣብዪ ኣሕመድ ገረብ እናተኸለ ዘርእይ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  20. ኣብ ነቑጣታት መረጻ ዝተርኣየ ምድንጓይ

    ምክትል ከንቲባ ባህርዳር ነቑጣ መረጻ ክሳብ ዝኽፈት ን45 ደቓይቕ ተጸብዩ
    መግለጺ ስእሊ, ምክትል ከንቲባ ባህርዳር ነቑጣ መረጻ ክሳብ ዝኽፈት ን45 ደቓይቕ ተጸብዩ

    ኣብ ገለ ነቑጣታት መረጻ፡ ዝኽፈተሉ ሰዓት ምድንጓይ ተራእዩ ነይሩ።

    ኣብ ከተማ ባህርዳን ኣብ ነቑጣ መረጻ ፍኖት ከድምጽ ዝኸደ ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ደረስ ሳህለ ቐዲሞም መስርዕ ካብ ሞንጎ ዝሓዙ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ምሃብ ድምጺ ንክጅመር ግን 45 ደቓይቕ ተጸብዩ።

    ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ምኽንያት እቲ ምድንጓይ ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕጽረት መጓዓዝያ ምዃኑ ገሊጾም።

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ መረጻ’ውን ደንጉዩ'ዩ ጀሚሩ።

    ሓለፍቲ ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሰ ከም ዝነገርዎ፡ ምሃብ ድምጺ ንምጅማር ተወከልቲ ሕጹያት ይጽበዩ ምንባሮም ተዛሪቦም።

    ሕጊ መረጻ እታ ሃገር፡ ተወልከቲ ሕጹያት እቲ ምሃብ ድምጺ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ዝተወከልሉ ነቑጣ መረጻ ክርከቡ ይግባእ ይብል።

    እቶም ነቑጣታት መረጻ ሰዓት 12፡00 ናይ ንጉሆ ክጅምሩ’ኳ እንተነበሮም፡ ልዕሊ 30 ደቓይቕ ዘንጊዖም’ዮም ተኸፊቶም።