ኣብ ኢጣልያ ሎሚ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ምውታት ተመዝጊቡ

ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዘሎ ምዕባለታትን ሓደሽቲ ዜናታትን ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብና ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሓድሽ ዜና, ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ህጹጽ ባጀት ኣጽዲቑ

    ባይቶ (ኮንግረስ) ኣመሪካ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዝርከብ ቁጠባ’ታ ሃገር ንምድጋፍ ናይ 2 ትሪልዮን ህጹጽ ባጀት ኣጽዲቑ።

    እቲ ባጀት ብታሕተዋይን ላዕለዋይን ባይቶታት ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ንፌርማ ናብ ፕረዚደንት ኣምሪሑ’ሎ።

    ማሕበራዊ ምፍንታት

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ሰነድ ምስ በጽሖ ክታሙ ከንብረሉ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

    እቲ ገንዘብ ነቶም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ምውሻብን እገዳታትን ካብ ስራሕ ዓዲ ውዒል ኮይኖም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ንምኽፋል ዝውዕል እንኮላይ ምዃኑ ተፈሊጡ።

    ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 86000 በጺሑ’ሎ።

  2. ኣብ ኢጣልያ ሎሚ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ምውታት ተመዝጊቡ

    ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ 969 ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

    ዛጊት ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝሞቱ ግዳያት ኮሮናቫይረስ 9134 በጺሑ’ሎ።

    ቁጽሪ ዝተለኽፉ ድማ ብ4401 ድሕሪ ምውሳኹ፡ ናብ 66414 ክብ ኢሉ።

    እዚ ድማ ኣብ ዝኾነት ሃገር ካብ ዝተራእየ መዓልታዊ መጠን ሞት ዝበረኸ ምዃኑ ተፈሊጡ።

    ሬሳ ዘጓዓዕዛ መካያን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  3. ኣብ ስጳኛ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ

    ኣብ ስጳኛ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ’ኳ ብናህሪ እናወሰኸ እንከሎ፡ መጠን መልከፍቲ ግን ይረጋጋእ ከምዘሎ ሰብስልጣን’ታ ሃገር ሓቢሮም።

    ሎሚ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ናብ 64059 ብምጽሑን፡ እዚ ማለት ድማ ካብቲ ብረቡዕ ዝተራእየ ናይ 18 ሚእታዊ ወሰኽ ናብ 14 ሚእታዊ ወሪዱ’ሎ።

    ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ 769 ከምዝሞቱን፡ ብድምር ቁጽሪ ዝሞቱ 4858 በጺሑ ይርከብ።

    ካብቶም ዝሞቱ፡ ዝብዝሑ ተነቀፍቲ ዝነበሩ ምዃኖምን፡ ብፍላይ ኣብ መእለዪ ዓበይቲ ዝርከቡ ግዳያት ከምዝኾኑን ተፈሊጡ።

    ስጳኛ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  4. ኣብ ኬንያ ተወሺባ ዝነበረት ርእሰ-ቅትለት ፈጺማ

    ኣብ ኬንያ ሓንቲ ኮሮናቫይረስ ከይህልዋ ዝተጠርጠረት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብቲ ተወሺባትሉ ዝነበረት ቦታ ርእሰ-ቅትለት ከም ዝፈጸመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

    ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ፡ ከተማ ናኩሩ፡ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ኢንዱስትርያዊ ስልጠና ኬንያ፡ ሞይታ ከምዝረኸቡዋ መራኸቢ ብዙሃን ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም።

    ሰብመዚ ናይቲ ከባቢ ከምዝበልዎ፡ እታ ሰብ “ርእሰ-ቅትለት” ከምዝፈጸመት መርመራታት ኣሚቶም ኣለዉ ክብሉ ተዛሪቦም።

    እታ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት እትርከብ ጓል፡ ብረቡዕ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝመጸት ሰብመዚ ናኩሩ ኣረጋጊጾም።

    ቤተሰባ ክሳብ ብወግዒ ዝንገሩ ስማ ከምዘይግለጽ’ውን እቶም ሰብስልጣን ኣፍሊጦም።

    መራኸቢ ብዙሃን ናይቲ ከባቢ ከምዝሓበርዎ፡ እታ ሰብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዛ ከምዘላ ክትጠርዕ ከም ዝቐነየትን፡ ናብ ካልእ ዝሓሸ መጽንሒ ክትወሰድን ሓቲታ ነይራ ኢሎም።

    ኬንያ፡ ካብ ደገ ንዝመጹ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክወሸቡ መምርሒ ምውጻኣ ይዝከር።

  5. ሓድሽ ዜና, ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ

    ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብኮሮናቫይረስ ስለ ዝተትሓዘ ኣብ ዳውኒን ስትሪት በይኑ ተወሺቡ ኣሎ።

    እቲ ቀዳማይ ሚስተር ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ከምዘማዕበለ ተፈሊጡ።

    ንሱ፡ ነቲ ሕማም ብሓንሳብ ኮይና ክንስዕሮ ኢና ክብልን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ'ሎ።

    ኣቀዲም ኣቢለ'ውን፡ ኣባል ካቢንኡ ዝኾነት መኒስተር ጥዕና በቲ ቫይረስ ተለኺፋ ከምዝነበረት ይዝከር

    ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 11,600 ሰባት በዚ ሕማም ተለኺፎም ከምዘለውን፡ ከባቢ 576 ድማ ሞይቶም ኣለው።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  6. ኣብ መርከብ ወግእ ኣመሪካ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም

    ኣብ ደርማስ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ተሓቢሩ።

    ኣብታ መርከብ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተኸፉ ሰባት ብቕጽበት ይዓቢ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ንሓለፍቲ ሓይሊ ባህሪ ብምጥቃስ ገሊጸን።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ መጀመርያ ሰለስተ ባሕረኛታት ጥራሕ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዝነበሩን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን 25 በጺሑ ከምዘሎን እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

    መርከብ ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ግን “ኣብ ውሽጢ እታ ‘ዩኤስኤስ ቲዮዶር ሩዝቨልት’ ዝተሰምየት ነፈርቲ ውግእ እትጸዉር ደርማስ መርከብ ተወሰኽቲ ሕሙማት ኮቪድ-19 ተረኺቦም ክብል ገሊጹ።

    እቶም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ክውሸቡ እንከለዉ፡ እታ መርከብ ግን ኣብ ትሕቲ ጽርየት ከምዘላ ተገሊጹ።

    እቲ መርከብ ንጉዋም እትጎዓዝ ኮይና፡ እቶም ባሕረኛታት ግን ካብታ መርከብ ክወርዱ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

  7. ፖሊስ ኢትዮጵያ መምርሒታት ምልክኻል ኮሮናቫይረስ ዘይትግብሩ ክኣስር'ዩ

    ፖሊስ ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Federal Police Commission

    ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ንዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወጽኡ መምርሒታት ዘይትግብሩ ዜጋታት ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ።

    ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል እንደሻው ጣሰው ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቫይረስ ዝምልከት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝዝርግሑ ኣካላት'ውን ስጉምቲ ንወስድ ኣለና ኢሉ።

    ብተወሳኺ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት፡ ሰባት ኢድ ንኢድ ምጭብባጥ ደው ከብሉ፣ ኣካለዊ ርሕቐቶም ክሕልውን ምትእኽካባት ደው ከብሉን ንዝብል መምርሒ ብኣገባብ ኣይትገብርን'ዩ ዘሎ ክብል ገሊጹ።

    ፖሊስ ፌደራል፡ ነዚ ዝተዋህበ መምርሒታት ከየተግበረ ንዝረኸቦ ሰብ ከቢድ ስጉምቲ ክወስደሉ ምዃኑ ኣጢቒቑ'ሎ

  8. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 4 ብኮሮናቫይ ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም

    ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 4 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርካቦም፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ናብ 16 ሓፍ ኢሉ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ከም ዝበሎ፡ እቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት እቲ ሓደ ወዲ 72 ዓመት ሞሪሽየሳዊ ኮይኑ ብ5 መጋቢት 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ካብ ኮንጎ ብራዛቪል ንኢትዮጵያ ኣትዩ።

    እቲ ካልእ ድማ ነባሪ ኣዳማ ወዲ 61 ዓመት ኢትዮጵያዊ ኮይኑ፡ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዘይተጓዕዘን ምስ ዜጋታት ወጻኢ ርክብ ዝነበሮን እዩ ተባሂሉ።

    እታ ሳልሰይቲ በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈት ጓል 28 ዓመት ኢትዮጵያት ኮይና፡ ኣብ ቀረባ ካብ እስራኤል ዝተመልሰት እያ ይብል እቲ መግለጺ።

    እታ ራብዐይቲ ድማ ናይ ወጻኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይነበራ ጓል 24 ዓመት ኢትዮጵያዊት እያ።

  9. ሓድሽ ዜና, ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክልተ ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፈላሞት ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ከም ዘለው ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ምዕራብ ኬፕ ኣብ ናይ ግልን መንግስትን ሆስፒታላት ክሕከሙ ዝጸንሑ ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።

    ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 1000 ከም ዝበጽሑ ብምሕባር፡ ዝርዝር መብርሂ ክንህብ ኢና ኢሉ።

    ኣብዚ ሰዓት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ኣዊጃ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ትርከብ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  10. ፕረዚደንት ላይቤሪያ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ሙዚቃ ሰሪሑ

    ፕረዚደንት ላይቤርያ ጆርጅ ዊያ፡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ግንዛበ ንምዕባይ ሓንቲ ሙዚቃ ሰሪሑ።

    ኾኸብ ተጻወታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ዊያ፡ ኣብ ከተማ ፍሪታውን ናይ ባዕሉ ስቱዲዮ ኣለዎ።

    እቲ ፕረዚደንት ዝዘርግሖ ነጸላ ዜማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ቅድሚ ምእታው ይሰርሓላ ከምዝነበረ ወሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

    Skip YouTube post
    ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን። ትሕዝቶ YouTube መወዓውዒታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

    End of YouTube post

    ኣብ ላይቤሪያ ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ሰባት ጥራሕ እዮም በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለው።

    ኣብዚ ሙዚቃ ፕረዚደንት ዊያ ኣብ ክንዲ ዝደርፍ ዝዛረብ ኮይኑ፡ ግጥሚ እቲ ሙዚቃ ግን ብዛዕባ ምክልኻልን ምልክታትን ኮሮናቫይረስ ዝገልጽ መልእኽቲ ዝሓዘት እያ።

    ቀንዲ መከላኸሊ መገዲ እዚ ሕማም ድማ ኢድካ ምሕጻብ ከም ዝኾነ ይምዕድ። ሙዚቃ እዚ ፕረዚደንት ሽዱሽተ ደቓይቕ ዝጽጋዕ ኮይኑ፡ ጉጅለ መንፈሳዊ መዝሙር ዓጂቦምዎ’ዮም።

  11. ኢትዮጵያ፡ ኣውቶቡስ ብምግምጣላ ክልተ ሰባት ሞይቶም

    ካብ ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ ናብ ደቡብ ጎንደር ተመሃሮ ሒዛ ትጐዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብምግምጣላ ክልተ ሰባት ሞይቶም።

    መራኸቢ ብዙሃን ኣምሓራ ከም ዝጸብጸቦ፡ እዛ ምሸት እትጎዓዝ ዝነበረት መኪና ብዘስዓቦ ሓደጋ፡ ካልኦት 22 ተመሃሮ ቀሊልን ከቢድን ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሑዎም።

    እቲ ሓደጋ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ጢቕ እዩ ኣጋጢሙ። ጉድኣት ዝበጽሖም ተመሃሮ ድማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ደጀንን ሪፈራል ሆስፒታል ደብረማርቆስን ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።

    ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ዝርጋሓ ኮኖናቫይረስ ንምግታእ ኩለን ተዓጽየን እየን።

  12. ተመራመርቲ፡ ንኮሮናቫይረስ ቀልጢፉ ዝምርምር መሳርሒ ይሰርሑ ኣለው

    ቀልጢፉ ኮቪድ-19 መርሚሩ ውጽኢት ክሕብር ዝኽእል መገዲ ንምፍላጥ ዓብዪ ጻዕሪ ይግብር ምህላው ተገሊጹ።

    ኣብ ሲንጋፖር ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ሓደ ሰብ ብኮቪድ-19 እንተተታሒዙ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ምፍላጥ ዘኽእል መሳርሒ ሰሪሕና ይብሉ።

    እዚ ናይ ምርምር ውጽኢት ንምርግጋጽ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንዝምልከቶ ኣካል ከም ዘፈልጡ ድማ ተዛሪቦም።

    ይኹን’ምበር፡ እዚ ፈተነ ካብ ብሪጣንያ ዓብዪ ውድድር ገጢሙዎ ኣሎ። እዚ ኣብ ብሪጣንያ ዝስራሕ ዘሎ ናይ መመርመሪ መሳርሒ ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቓ ምፍላጥ ዘኽእል እዩ።

    ብተወሳኺ ዋጋ ሓንቲ መመርመሪት መሳርሒ ሓደ ዶላር ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ንዕዳጋ ክቐርብ ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ።

    ኩባኒያ ጀርመን ዝኾነ ቦሽ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ክምርምር ዝኽእል መሳርሒ ሰሪሐ እየ ይብል። እዚ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

    መመርመሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  13. ተቓወምቲ ሓይልታት ካሜሩን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተኹሲ ደው ኣቢሎም

    ካሜሩን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ካሜሩን ዝርከቡ ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ንኽገብሩ ብዝብል ንኽልተ ሳምንቲ ዕጥቆም ከውርዱ ተሰማሚዖም።

    ኣብ ምዕራብ ካሜሩን ዓሪዱ ዘሎ ሰራወቲ ካሜሩን ከምዝሓበሮ፡ ካብ ሰንበት ጀሚሩ እቲ ተኹሲ ደው ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ድማ “መርኣያ ሰናይ ተግባር እዩ” ክብል ገሊጹዎ።

    ኣብ ካሜሩን ብምኽንያት ኲናት ሓድሕድ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት፡ ንመርመራ ኮቪድ-19 ኣይረክቡን ዝብል ብዙሕ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

    ኣብ ካሜሩን ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣብ ዘለውዎ ከባቢ ካብ ዝንቀሳቐሱ ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ሓደ ጉጅለ ጥራሕ እዩ ተኹሲ ደው ከብል ፍቓደኛ ኮይኑ ዘሎ።

    መንግስቲ ካሜሩን ኣብ ዝሓለፈ ተኸታተልቲ ዓመታት፡ ኣብ ዞባ ኣንግሎፎን ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ከምዝርከብን፡ እቲ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝለከመን ይሕበር።

    ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ዞባ ኣንግሎፎን፡ ርእሰ-ምምሕዳር ክፍቀደሉ ንዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዘቕረቦ ጠለብ፡ ነታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሽመም ገይሩዋ እዩ።

    መንግስቲ ካሜሩን ግን፡ ነዚ ንነዊሕ እዋን ተዓቢጡ ክኸይድ ዝጸንሐ ሕቶ ርእስ-ምምሕዳር ከም ዘይቅበሎ'ዩ ዝገልጽ።

  14. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኣወጀ እገዳ ምንቅስቓስ ተግባራዊ ክኽውን ጀሚሩ

    ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ንሰለስተ ሰሙን ኣብ መላእ ሃገር ዝተኣወጀ እገዳ ምንቅስቓስ ተግባራዊ ክገብሩ ጀሚሮም።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣገደስቲ ካብ ዝኾኑ ነገራተ ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን እታ ሃገርን ነቲ ድንጋገ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ተዋፊሮም ኣለው።

    ትማሊ ፍርቂ ለይቲ፡ እቲ እገዳ ተግባራዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ዘድልዮም ነገራት ኣብ ምሽማት ብዙሕ ሪጋ ሒዞም ተራእዮም።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ሕጂ 927 ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዝረኸበት፡ እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ እዩ። ክሳብ ሕጂ ግን በዚ ሕማም ዝሞተ ሰብ የለን።

    ፕረዚደንት ስሪል ራማቮፋ ትማሊ ነቶም ሓይልታት ጸጥታ፡ “ህዝብኹምን ሃገርኩምን ክትከላኸሉ ኢኹም ትዋፈሩ ዘለኹም” ኢልዎም።

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  15. ኣውስራልያ ንሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታታ ኣብ ሆቴላት ትውሽብ

    ኣውስራልያ ንሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታታ ንምሉኦም ኣብ ሆቴላት ክትውሽቦም ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ሓቢሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን ንኹሉም ናብ ኣውስራልያ ዝምለሱ ዜጋታት ብቀጥታ ናብ ገዝኦም ኣብ ክንዲ ዝኸዱ፡ ን14 መዓልትታት ኣብ ሆቴላትን ካልኦት ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታትን ተወሺቦም ክጸንሑ ምዃኖም ኣዊጁ።

    እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ይብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መብዛሕትኡ ማለት ክልተ ሲሶ ናይዚ ለበዳታት ኣብቶም ካብ መገሻ ዝምለሱ ዜጋታት ስለዝርአ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

    ኣብ ኣውስትራልያ ቁጽሪ ሕሙማት ናይዚ ለበዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ካብ 700 ናብ 3000 ዓብዩ።