ሓድሽ ዜና, ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ህጹጽ ባጀት ኣጽዲቑ
ባይቶ (ኮንግረስ) ኣመሪካ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዝርከብ ቁጠባ’ታ ሃገር ንምድጋፍ ናይ 2 ትሪልዮን ህጹጽ ባጀት ኣጽዲቑ።
እቲ ባጀት ብታሕተዋይን ላዕለዋይን ባይቶታት ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ንፌርማ ናብ ፕረዚደንት ኣምሪሑ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ሰነድ ምስ በጽሖ ክታሙ ከንብረሉ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
እቲ ገንዘብ ነቶም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ምውሻብን እገዳታትን ካብ ስራሕ ዓዲ ውዒል ኮይኖም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ንምኽፋል ዝውዕል እንኮላይ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 86000 በጺሑ’ሎ።









