መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝገብሮም በረራታት ኣቋሪጹ

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ኮቪድ-19 ክሳብ ሎሚ፡ እቲ ሕማም ኣብ ዝተራእየለን ሃገራት ብሓፈሻ 600 ዝተለኽፉ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ክቡራት ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ ናይ ሎሚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ኣብዚ ወዲእና ኣለና፡ ስለዝተኸታተልኩምና ነመስግነኩም።

  2. መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝገብሮም በረራታት ኣቋሪጹ

    መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝገብሮም በረራታት ኣቋሪጹ

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝገብሮም በረራታት ኣቋሪጹ።

    ካብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ገያሾ ን14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ (መፍለዪ ቦታ) ክጽንሑ ከምዝግብር ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ግሊጹ።

    እቶም ዝውሸቡ ሰባት ኣብ ጸንሒቶም ንዝህሉ ወጻእታት ኩሉ ባዕሎም ከምዝሽፍኑ’ውን ኣፍሊጡ።

    ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እንተኣትዩ ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን ህጻናት ዝሓዙ/ዛ እሱራት፣ ግዜ ኣመክርኦም ዝበጽሐን ቀሊል ክሲ ዘለዎምን ክፍትሑ ተወሲኑ’ሎ።

    ትካላት ሃይማኖት፡ ንዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምቹኣት ክኾና ስለዝኽእል ቅልጡፍ ውሳነ ከሕልፋ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሓ’ውን ንቀዳማይ ሚንስትር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ለይታዊ ትልሂታት (ናይት ክለብ) ካብ ሎሚ ጀሚረን ከምዝዕጸዋ'ውን ሓቢሩ ኣሎ።

    ምስ ኮሮናቫይረስ ተታሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ብምኹናን ሰባት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከቋርጹ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሩ።

    ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ውጥን ተታሒዙሉ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣተሓሒዙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ምርጫ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘህልዎ ብምግላጽ "ምርጫ ቦርድ ናይ ገዛእ ርእሱ ገምጋም ኣብ ምግባር ይርከብ፡ ኣብ ዝገብሮ ገምጋም ተሞርኲሲ ኸኣ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ክነግረና እዩ" ኢሉ።

    መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  3. ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲሞም ዝመጽኡ 35 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲሞም ዝመጽኡ 35 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተታሓዙ ተገሊጹ።

    እቲ መርዓ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣብ ግዝኣት ኣውስትራልያ ዝኾነት ኒው ሳውዝ ዌልስ ከምዝተኻየደ ነዚ ዜና ዘቃልሐ ኤቢሲ ሓቢሩ።

    ኣብ ሞንጎ እቶም ዕዱማት ሓደ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኣውስተራልያ ዝመጽአ ሰብ ምኽንያት እዚ ዝርገሐ ከምዝኾነ እውን ተገሊጹ።

    ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣብቲ መርዓ ተሳቲፎም ክንሶም መርመራ ዘይተገበረሎም ሰባት ስለዘለዉ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ክብ ክብል ከምዝኽእል ገሊጾም።

    ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ካብ ኣውሮጳ ናብ ኡራጓይ ንመርዓ ተዓዲማ ዝኸደት ውለቀሰብ እውን 44 ሳባት ብኾሮናቫይረስ ክተሓዙ ምኽንያት ከምዝኾነት ተገሊጹ።

    ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከብ 'ቸርች ኦፍ ኢንግላንድ' ዝተብሃለ ቤተክርስትያን ኣብ መርዓ ዝሳተፉ ሰባት ካብ ሓሙሽተ ከይበዝሑ ሓቢሪ ኣሎ።

    እዞም ሓምሽተ ኸኣ ክልተ መጻምድቲ፡ ክልተ ምስክርን ሓደ መራሒ ሃይማኖት ጥራይ እዮም ክኾኑ።

    ነዚ ተኸቲሉ ብዙሓት ኣብዚ እዋን ክምርዓዉ ወጢኖም ዝነበሩ መጻምድቲ መርዐኦም ናብ ካልእ መዓልቲ ከሳጋግርዎ ተገዲዶም ይርከቡ።

    ካብዚኦም እንግለዛውያን ጆዲን ፍሊፕን ይርከብዎም፡ እዞም መጻምድቲ " ሰባት ኣብ መርዓና ንኽሳተፉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ኣይንደልንይን ኢና" ኢሎም።

    እንግለዛውያን ጆዲን ፍሊፕን ካብቶም መርዐኦም ዘናውሑ እዮም

    ምንጪ ስእሊ, Jodie Crane

  4. ኬንያ ኣብ ልዕሊ ለይታዊ ትልሂታት ናይ ሰዓት ገደብ ገይራ

    ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ጎዶናታት ናይሮቢ መድሃቢት ይንጸግ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መንግስቲ ኬንያ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ካብ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት ኣብያተ ትልሂታት ክሳብ ሰዓት ሸውዓትን ፈረቓን ናይ ምሸት ጥራይ ክሰርሓ ውሳነ ኣሕሊፉ።

    እዚ ኣዋጅ ሎሚ ዝወጽአ ኮይኑ ኣቐድም ኣቢሉ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ምሸት ክሰርሓ ፈቂድለን ምንባሩ ይዝከር።

    ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓበይቲ ዱኳናት (ሞላት) ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ድኳን ክህልዉ ዘለዎም ሰባት'ውን ምቁጽጻር ክግበረሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ኬንያ ሸውዓተ ሰባት ብኾሮናቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።

    ሚኒስተር ጥዕና ኬንያ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ እዘን ዝመጽአ ክልተ ሳምንታት ወሰንቲ ምዃነን ብምሕባር፡ ሕዝቢ ካብ መንግስቲ ዝውሃብ ዘሎ መግለጺታት ሰሚዑ ኣብ ተግባራውነቱ ንጡፍ ተራ ክጻወት ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።

  5. ቱኒዝያ ንፈለማ እዋን ሓንቲ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞተት ሓቢራ, ሃገረ ኒጀር'ውን ኮሮናቫይረስ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ሓቢራ ኣላ

    ሃገረ ቱኒዝያ ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘለዋ ሓቢራ።

    ኒጀር'ውን ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዘ ሰብ ከምዝረኸበት ብወግዒ ሓቢራ'ላ።

    እዛ ኣብ ቱኒዝያ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተት ሰብ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታተ ካብ ቱርኪ ዝመጽአት ጓል 72 ዓመት ምዃና እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

    ኒጀር ብወገና ካብ ቶጎ ዝመጽአ ወዲ 36 ዓመት ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዘ ዜጋ ከምዘለዋ ገሊጻ ኣላ።

    እዚ ውልቀሰብ ቅድሚ ናብ ኒጀር ምምጽኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታተ ኣብ ቶጎ፡ ጋና፡ ኣይቮሪኮስትን ቡርኪናፋሶን ተንቀሳቒሱ ከምዝነበረ'ውን ገሊጻ።

    ኒጀር ቅድሚ 18 መዓልታት እያ ኮሮናቫይረስ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ሓቢራ። ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኣብታ ሃገር 36 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ 7 ሰባት ኣብ ግብጺ፡ 9 ኣብ ኣልጀርያ፡ 2 ኣብ ሞሮኮ ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን፡ ቡርኪናፋሶን ቱኒዝያን ሓሓደ ሰባት ሞይቶሞም አለዉ።

    ቱኒዝያ ንፈለማ እዋን ሓንቲ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞተት ሓቢራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  6. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ዝተረኸቡ 150 ሰባት ብፖሊስ ተታሒዞም

    ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ሓደ ጸቢብ ቦታ ሺሻ ክስሕቡ (ከትኽኹ) ረኪበዮም ዝበሎም 150 ሰባት ከምዝሓዘ ገሊጹ።

    "እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኪኖ እቲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ፡ ነቲ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዕንቅፋት'ዩ" ክብል ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ከበደ ኣስፋው ተዛሪቡ።

    ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ እዞም ኣብ ጎማ ተራ ኣብ ዝብሃል ቦታ ጫትን ሽሻን ሒዞም ዝተረኸቡ 150 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝአትዎም እውን ገሊጹ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ ዝወሰኖ ውሳኔታት፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ከይእከብ ዝብል ይርከቦ።

    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ዝተረኸቡ 150 ሰባት ብፖሊስ ተታሒዞም

    ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa Police Commission

  7. ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ

    ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ።

    እቲ ዘሕዝን ግን ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ በዚ ሕማም ህወቶም ምስኣኖም እም።

    እታ ብዝያዳ ተሃስያ ዘላ ሃገር ዓዲ ጣልያን ክትከውን ከላ፡ ቁጽሪ ምውታት ካብ ናይ ቻይና ዛይዱ ይርከብ።

    ኣብ ስጳና፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 1000 ከምዝበጽሓ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። በዚ ሕማም ከባቢ 20,000 ክልከፉ እንከለው፡ 1,588 ድማ ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ሰበ-ስልጣን ስጳና ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም

    ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ን40 ሚልዮን ህዝቢ እታ ክፍለ ሃገር ኣብ ገዝኦም ክዕጸዉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ሎ።

    ኣብ ዓዲ እንግሊዝ'ውን፡ መንግስቲ ጥሮታ ንዝወጽኡ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ናብ ስራሕ ክምለሱ ይሓትት ኣሎ።

    ሓቂ ዝመስል ግን ከኣ ካብ ሓቅነት ዝረሓቀ ኣበሃህላ ናይ ኮሮናቫይረስ ብጣንጡ ክመሓላለፍ ይኽእሉ እዩ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ።

    መርመራ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  8. ምኒስተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዝ ይኽእሉ'ዮም ክብል ኣጠንቂቁ

    ምኒስተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ይኽእሉ'ዮም ክብል ኣጠንቒቁ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ምኒስተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ይኽእሉ'ዮም ክብል ኣጠንቂቁ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 205 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተተሓዙ ሰበ ሰልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

    ሚንስተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዌል ማክሁዚ፡ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ተባሂሉ ዘሎ ክዛይድ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ 60 ሚእታዊት ህዝቢ ናይታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ክተሓዝ ከምዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ ንኮሮናቫይረስ 'ሃገራዊ ስግኣት' ኢሉ ምእዋጁ ይዝከር።

    ደቡብ ኣፍሪቃ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ንምንካይ ኣብ ዝቅጽል 40 መዓልታት፡ ካብ ዚምባብዌ ናብ ሃገራ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምክልኻል፡ 20 ኪ.ሜ ዝዝርጋሕን 1.8 ሜትሮ ቁመቱን መንደቕ ኣብ ዶባት እዘን ክልተ ሃገራት ክትሃንጽ ወሲና ኣላ።

  9. ኣርጀንቲና ብሃገር ደረጃ ዜጋታታ ትዓጹ

    ኣርጀንቲና፡ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ እታ ናይ መጀመርያ ህዝባ ካብ ገዝኡ ክዕጸእ ኣዋጅ ዘመሓላለፈት ሃገር ኮይና ኣላ።

    ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኩሎም ዜጋታት መግብን መድሃኒትን ክገዝኡ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዝኦም ከይወጹ ተኸልኪሎም ኣለው።

    ቁጽሪ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ፡ ክንዲ መጠን ዝግጋሐ ኮሮናቫይረስ ናይ ኤውሮጳ ኣይበጽሐን ዘሎ።

    ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ፡ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ጀሚረን፡ ንዝርገሐ ኮሮናቫይረሰ ኣብ ምግታእ ዝኾነ ሃጓፍ ኣየርእያን እየን ዘለዋ።

  10. ኮሮናቫይረስ ይህልወኩም’ዶ ይኸውን? ነዚ ምልክታት ርአዩ

    ሽሕ’ኳ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም እንተለዉ፡ ኣቀዲሞም ወጺኦም ኣብ ዝነበሩሉ በዚ ቫይረስ ኣይተለኽፉን ማለት ኣይኮኑን።

    እቶም ክሳዕ ሕጂ ደገ ኣብ ምውጻእ ዝርከቡ ዘለዉ ከኣ ነቲ ሓደጋ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣዝዮም ዝተቃልዑ እዮም።

    ስለዚ እዚ ቫይረስ ከም ዘለኩም ብኸመይ ክትፈልጡ ትኽእሉ? ምልክታቱ’ኸ እንታይ እዮም? ኮቪድ-19 ካብቲ ካልእ ተራ ሰዓል ብምንታይ ይፍለ?

    እቲ ምልክታት ብረስኒ ጀሚሩ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዘኸትል ደረቅ ዝኾነ ሰዓል የስዕብ።

    ብገምጋም እዚ ምልክታት ክረአ ክሳብ ሓምሽተ መዓልታት ዝወስድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገሊኦም ግን ካብዚ ዝተባህለ መዓልትታት ድሒሩ ክረአ ይኽእል።

    ብመሰረት ሓበሬታ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እቲ ምጭጫሕ ናይቲ ቫይረስ ክሳብ 14 መዓልታት ከም ዝወስድ ክንገር እንከሎ፡ ገለ ገለ ተመራመርቲ ግን ክሳብ 24 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።

    ምልክታት ኮሮናቫይረስ
  11. ኣብያተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል መልእኽተን ኣሕሊፈን

    ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ እምነት፡ ምእመናን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ክገብሩዎ ዝግባእ መልእኽቲ ጥንቃቐ ኣሕሊፈን።

    ቤተክርስቲያን ቃለ-ህይወት ኢትዮጵያን፡ መካነ እየሱስ ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን፡ ንኽልተ ሳምንቲ ሰንበት ዝፍጸም ስነ ስርዓት ኣምልኾ ከም ዘይህሉ ኣፍሊጠን።

    ቤተክርስቲያን ቃለ-ህይወት ኢትዮጵያ ብወገና፡ ጉባኤታት ኣምልኾ ዕለተ ሰንበት፣ ኣኼባታት፣ ስልጠናታትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ፕሮግራማትን ክሳብ 21 መጋቢት 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከይካየዱ ኣዚዛ።

    መካነ እየሱስ ብወገና፡ እታ ቤተክርስቲያን ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ክተካይዶ መደብ ሒዛትሉ ዝነበረት መበል 60 ዓመት ክብረ በዓል ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፍ ገይራ።

    ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን እውን፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ክጽልዩ ንዝደልዩ ኣመንቲ እቲ ቤተክርስቲያን ከም ዘይዕጾ ብምግላጽ፡ ኣገልግሎት ቅዳሰ ውሑድ ቁጽሪ ብዘለዎም ምእመናን ክካየድ’ዩ ኢሎም።

    ኢትዮጵያን ምእመናን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  12. ካሊፎርንያ፡ ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፈ

    ኮሮናቫይረስ ናብተን ብዙሕ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለወን ከተማታት ብናህሪ ኣብ ዝላባዓሉ ዘሎ እዋን፡ ካሊፎርንያ ንህዝባ ኣብ ገዝኦም ናይ ምውሻብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ።

    ህዝቢ ካሊፎርንያ ኣብዚ ግዜ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ኮሮናቫይረስ ምልባዕ፡ ናይ ግድን ኣድላዩ ኣብ ዝኾነ እዋን ጥራሕ ክወጹ ከም ዘለዎም ኣመሓዳሪ ናይታ ግዝኣት ጋቪን ኒውሶም ሓቢሩ።

    ንሱ ኣቀዲሙ ኣብ ዝሃቦ ገምጋም፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ግዝኣት ጥራሕ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ 40 ሚልዮን ህዝባ ብኮቪድ-19 ናይ ምትሓዝ ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ 250 ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ከኣ ልዕሊ 14,000 በጹሑ'ሎ።

    ኣብ ምሉእ ዓለም ብዝሒ ሕሙማት ናይዚ ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ዝኽትል ሕማም፡ ኣስታት 250,000 ክኸውን እንከሎ፡ ዛጊት ልዕሊ 10,000 ድማ ህወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

    ግዝኣት ካሊፎንያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  13. ከተማ ሌጎስ፡ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ኣጊዳ

    ሰብ መዚ ምምሕዳር ከተማ ሌጎስ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ልዕሊ 50 ሰብ ዝርከብዎ ምትእኽኻብ ኣጊዳ።

    “ኣብ ሞንጎ ሰባት ክህሉ ዝግብኦ ማሕበራዊ ርሕቐት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝኾነ ዓይነት ምትእኽኻብ ሰባት ካብ 50 ንላዕሊ ከይዛይድ ኣጊድና ኣለና” ኢሉ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ።

    ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ምዃነን ሓቢሩ።

    ለጎስ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት ከተማ ኮይና 20 ሚልዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ኣለዋ።

    መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ከተማ ውፉያት ሃይማኖተኛታት ብምዃኖም፡ ዓርብን ሰንበትን ኣብ መሳጊድን ኣብያተ-ክርስቲያንን ዓብዪ ምትእኽኻብ እዩ ዝግበር።

    ኣብ ናይጄሪያ ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 12 በጺሑ ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    ትማሊ ኣብ ሌጎስ ኣርባዕተ ሐደሽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ እቶም ክልተ ካብ ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝመጽኡ ኮይኖም፡ እቲ ሓደ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ርክብ ነይሩዎ ዝተብሃለ እዩ።

    እቲ ራብዓይ ግን፡ ስግኣት እዚ ቫይረስ ናብ ዘለወን ሃገራት ዝገበሮ ጉዕዞ ከም ዘየለ ተገሊጹ።

    ከተማ ለጎስ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  14. ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዙምባብዌ ዘዋስና ዶብ ብሓጹር ክትዓጹ’ያ

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ኮሮናቫይረስን ንምክልኻል ምስ ዙምባብዌ ዘዋስና ዶብ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ብሓጹር ከምትዓጽዎ ምዃና ኣፍሊጣ።

    እዚ ውሳነ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት እቲ ቫይረስ ሃገራዊ ቅልውላው’ዩ ኢሉ ምስ ኣወጀ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።

    ንዙምባብዌን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዘራኽብ ዶብ፡ 2 ሜትሮ ዝንውሓቱ፡ 20 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ሓጹር ከም ዝሕነጽ ድማ ተገሊጹ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ሰብ ከምዝተረኽበን፡ ኣብዚ እዋን በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 150 በጺሑ ኣሎ።

    ዙምባብወ ክሳብ ሕጂ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ኣይረኸበትን።

    ደብ ዙምባብዌን ደቡብ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  15. ስዑዲ ዓረብ ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራታት ኣጊዳ

    ስዑዲ ዓረብ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኩሎም ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራታት ክድእግደ ምዃናን፡ ኣገልግሎት ኣውቶብሳት፣ ታክስን ባቡርን'ውን ንኽልተ ሰሙን ክቋረጽ እዩ።

    እዚ ውሳነ ካብ ቀዳም ንጉሆ ጀሚሩ ግብራዊ ክኸውን እዩ። እዚ ውሳነ፡ ኣድለይቲ ዝኾነ ሰብኣዊ ድጋፍ፣ ሕክምና ዝተተሓሓዙ በረራታትን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ግን ኣይኣገደን።

    ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ 270 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ይግለጽ።

    ስዑዲ ዓረብ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  16. ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ትሸዓተ በጺሑ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብሰለስተ ብምውሳኹ፡ ጠቕላላ ትሸዓተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒም ከምዘለው ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    ካብዞም ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰለስተ ሰባት፡ እቲ ሓደ ወዲ 44 ዓመት ጃፓናዊ ኮይኑ፡ ካልኦት ወዲ 39 ዓመት ኣውስትርያዊ፡ ጓል 85 ዓመት ኢትዮጵያዊትን እዮም።

    እቲ ጃፓናዊ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተለኽፈ ጃፓናዊ ምትንኻፍ ዝነበሮ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ እተን ጓል 85 ዓመት ኢትዮጵያዊት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሳ እየን።