ኣልሸባብ ኣብ ናይሮቢ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ ሓላፍነት ወሲዱ

ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዘበናዊ ሆቴል መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ ተፈፂሙ፤ እታ ከተማ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ውጥረት ዓሲልዋ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

ኣልሸባብ ኣብ ናይሮቢ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ ሓላፍነት ወሲዱ, ኣልሸባብ ኣብ ናይሮቢ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ ሓላፍነት ወሲዱ

ኣብቲ ሆቴል ዝነበራ መኻይን እናተባርዓ ዘርእይ ምስሊ

በዚ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተገሊፁ።

ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ-ራዕዲ፡ ኣልሸባብ ሓላፍነት ወሲዱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ፡ "ኣብናይሮቢ 'ኦፕሬሽን ነካይድ ኣለና" ኢሉ።

በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቖሰሉን ካብ ሆስፒታል ዝተረኸቡ መረዳእታታት ሓቢሮም።