ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 61 ተወሰኽቲ ሰባት ረኺባ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ፤ ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተርኣየ ዝበዝሑ ሰባት ካብቲ ሕማም ከም ዝሓወዩ’ውን ተገሊጹ። ዛጊት ኣብ ኣፍሪቃ ሰለስተ ሃገራት ማለት፤ ኤርትራ፡ ሞሪሸስን ሲሸልስን ኩሎም እቶም ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ዝነበረ ሰባት ከም ዝሓወዩ ገሊጸን ኣለዋ። ኣብዚ ዕለት ንዝህልው ምዕባለታት ብቐጥታ ከነቕርበልኩም ኢና፤ ቢቢሲ ትግርኛ ምርጫኹም ጌርኩም ተኸታተሉ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ፤ ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተርኣየ ዝበዝሑ ሰባት ካብቲ ሕማም ከም ዝሓወዩ’ውን ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 3,757 ሰባት ክምርመሩ ከለው፡ 61 ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝተረኽቡ ተሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ 23 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝጸንሑ ሰባት፡ ጥዕንኦም ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።
ካብቶም ሎሚ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት: እቶም 43 ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ ከለው፡ 18 ደቂ ኣንስትዮ እየን፤ ዕድሚኦም ድማ ካብ 15 ክሳብ 70 ከም ዝዝርጋሕ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብዞም ሎሚ ዝተረኽቡ እቶም ዝበዝሑ፡ (45) ናይ ወጻኢ ሃገር መገሻ ኮነ፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ምስ ዝተረጋገጸ ሰብ ርክብ ዘይነበሮም ምዃኖም ኣሻቓሊ ከም ዝገብሮ ይግለጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ 494 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ማእከላይ ምብራቕን ዒድ ሮመዳን ጽባሕ ክበዓል እዩ

ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና፡ ዒድ ሮመዳን ንምብዓል ይሸባሸቡ ኣለው።
እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ከምቲ ልሙድ ምስ ኮልኦት ኣዝማድን ቤተ-ሰብን ተኣኪብካ ዝግበር ኣበዓዕላ ኣይክህሉን ኢዩ።
ኣብ ቐጠር ዝርከቡ ኤርትራውያን ከም ዝሓበርዎ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ሮመዳን ብሰንኪ ኮሮናቫይሰር ዘስዓቦ ማሕበራዊ ምፍንታት ምስ ኣዝማዶምን ጎቤቶምን ተጸንቢሮም ከኽብርዎ ከም ዝጽግሞም ገሊጾም።
ኣብ ኤርትራ’ውን፡ እቲ ምትእኽኻብ ንሓደጋ መልከፍቲ ስለዘቃልዕ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ ኣብ ሜዳ ይኹን ኣብ ክፋት ቦታን መሳጊድን ኣይክስገድን’ዩ ክብል ቤ/ት ጽሕፈት እስላማዊ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ክኽፈታ ጸዊዑ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ ነተን ብስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዓጽየን ዘለዋ ስፍራታት ኣምልኾ ደጊሞም ክኸፍትወን ጸዊዑ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብያት ክርስትያንን መሳጊድን “መሰረታዊ ኣገልግሎት” እየን ድሕሪ ምባል፤ “ኣብ ኣሜሪካ ዝያዳ ጸሎት እምበር ሒደት ጸሎት ኣይኮነን ዘድልየና” ኢሉ።
ነቶም ነዚ መምርሒ ዘየኽብሩ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ድማ ኣጠንቂቑ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ከተግብር ቀጥታዊ ስልጣን እኳ እንተዘይብሉ፡ ነቲ ብፌደላዊ መንግስቲ ነተን ግዝኣታት ዝወሃብ ሓገዝ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ።
ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንስርዓተ መከላኸሊ ዝሕግዝ መድሃኒት ይፍትኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብኮሮናቫይረስ ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ዝሕግዝ መድሃኒት ኣብ ምፍታን ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።
እቶም ብጽኑዕ ሓሚሞም ዘለው ሰባት፡ ኣብ ነብሶም ትሑት ቁጽሪ ናይ ተፈጥሮ መከላኸሊ ዋህዮታት (T-cell) ከምዘለዎም ተረጋጊጹ።
እዞም ናይ ተፈጥሮ መከላኸሊ ዋህዮታት፡ ዳርጋ ንመብዛሕትኦም ሕማማት ሰብነትና ኣብ ምቕላስ ይሕግዙ።
እዚ ኢንተርሉኪን 7 (interleukin 7) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓዲሽ መደሃኒት፡ ንስርዓተ መከላኸሊ ኣብ ምብርታዕን ዝሓመመ ሰብ ቀልጢፍ ካብቲ መልከፍቲ ከሓዊ ከምዝሕግዞን እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።
እዚ መድሃኒት፡ ድሮ ኣብ ውሑዳት ሰባት ተፈቲኑ፡ ውጺታዊ ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ።
ቻይና ንፈለማ እዋን 24 ሰዓታት ብዘይመልከፍቲ ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቻይና፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምጅማሩ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዝኾነ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከም ዘይመዝገበት ተገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተኣሳሰር ሞት’ውን ከም ዘይተመዝገበ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ኮሮናቫይረስ ፈለማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ውሃን ድሕሪ ምርኣዩ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ክልከፉ ከለው፤ 338 ሽሕ ሞይቶም እዮም።
ኣብ ቻይና ጥራይ፡ 84 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊጹ፡ 4,600 ድማ ሞይቶም።
ሰብ መዚ ቻይና ኣብ ከተማ ውሃን ከምኡ'ውን ኣብ ግዝኣት ሁበይ ዝኣወጅዎ ዕጽዋ፡ እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር ከይላበድ ዓጊቱ እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን ደቡብ ኣሜሪካ “ማእከል እቲ ለበዳ” ኮይና ከም ዘላ ሓቢሩ።
ቁጽሪ መልከፍቲ ኣብ ሜክሲኮን ብራዚልን ቅልጡፍ ዕብየት የርእይ ኣሎ።
ልዕሊ 330 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዘረጋገጸት ብራዚል ብብዝሒ መልከፍቲ፡ ንሩስያ ቀዲማ፡ ንኣሜሪካ ብምስዓብ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዓ ኣላ።
ኣብ ጀርመን ኣስላም ኣብ ቤተክርስትያን ክሰግዱ ተፈቒድሎም
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣብ እዋን ዕጽዋ ብምጋሹ ስልጣኑ ክለቅቕ ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ፡ ዋና ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንናይ ዕጽዋ ድንጋገ ጥሒሱ እንተኾይኑ ካብ መዝነቱ ክወርድ ጠሊቦም።
ዶሚኒክ ካሚንግስ፡ ነቲ ናይ ዕጽዋ ድንጋገ ብምጥሓስ፡ ካብ ለንደን ከባቢ 400 ኪሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ደርሃም ከም ዝገሸን ምልክታት ኮቪድ-19 ከም ዝተርኣዮን ተሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ንሱን በዓልቲቤቱን ኣብ ደርሃም ኣብ ገዛ ወለዶም ተወሺቦም ኣለው።
እንተኾነ ግና ካሚንግስ ናይ ኮሮናቫይረስ ድንጋገ ከም ዘይጠሓሰ ሓደ ናብኡ ቀረባ ዝኾነ ምንጪ ይገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣብዚ ጉዳይ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዶሚኒክ ካሚንግስ፡ ወላ'ኳ ሓሚሙ እንተነበረ፡ ናብ ስድርኡ ምጋሹ ነቲ ሕጊ ዝጥሕስ ኣይኮነን ኢሉ።
ኮሮናቫይረስ፡ ንሰባት ዝጠቕም ኣገዳሲ ጥዕናዊ ሓበሬታ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ 25 ወረዳታት ለበዳ ሕማም ዓሶ ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ
ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ 100 ሽሕ ዛዪዱ

መግለጺ ስእሊ, ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ዘርእይ ሰሌዳ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ከም ዘተለኽፉ ዝተረጋጸ ሰባት 103,875 በጺሑ። ካብዚኦም 3,184 ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይገልጽ።
ልዕሊ 20,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፍዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከላ፡ ግብጺ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮን ናይጀርያን ልዑል ቁጽሪ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዘለወን ሃገራት እየን።
ዛጊት ኣብ ኣፍሪቃ ሰለስተ ሃገራት ማለት፤ ኤርትራ፡ ሞሪሸስን ሲሸልስን ኩሎም እቶም ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ዝነበረ ሰባት ከም ዝሓወዩ ገሊጸን ኣለዋ።
ኮሮናቫይረስ "ኣብቂዑሉ'ሎ" ክብል ሰባት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ክጽምብሉ ዝጸውዐ ነባር ፖለቲከኛ ታንዛንያ ንብዙሓት ኣደንጽየ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፓወል ማኮንዳ ዝተበሃለ ፖለቲከኛን በዓልስልጣንን ታንዛንያ ዜጋታት ናብ ጽርግያታት ብምውጻእ ታሕጓሶም ክገልጹን ክሳብ 80 ሚኢታዊት ምንካይ ዋጋ ዝተገበረሎም ክዳውንቲ ዓዲጎም ብምኽዳን ኣብቲ ጸምብል ምስ ፈተውቶም ክራኸቡን'ዩ ትማሊ ሰንበት ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፈሉ እዋን ከምዝተዛዘመ'ኳ እንተገለጸ፡ ነዚ ዘረጋግጽ መረዳእታ ግን ኣየቕረበን።
ብዙሓት ድማ እዚ ዘረብኡ ሰባት ማሕበራዊ ምፍንታት ከይዕቅቡ ዝደፋፍእ ከይኸውን ብዝብል ሰጊኦም ኣለዉ።
ኣብ ታንዛንያ 509 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙን 21 ከምዝሞቱን ይግለጽ።
ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ቀጥታዊ ተሳትፎ ንዘለዎም ሰብሞያ ሕክምና መተበብዒ ክትኸፍል'ያ

ምንጪ ስእሊ, PM Office
ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ሎሚ 22 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ መበል 83 ስሩዕ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ'ሎ።
ውሳነ ካብ ዝተወሃበሎም ጉዳያት እቲ ሓደ ድማ ኣብ ምክልኻል፣ ምቁጽጻርን ሕክምናን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቀጥታዊ ተሳትፎ ንዝገብሩ ሰብሞያ ጥዕና መተባብዒ ዓስቢ ክኽፈሎም ዝብል'ዩ።
እዚ ውሳነ ዝተወሰነ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ መምርሒ መተባብዒ ክፍሊት ንስብሞያ ጥዕና ዘተ ምስተኻየደ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ንዝተፈጠረ ጽዕንቶ ንምጽዋር ከምኡ'ውን ምልባዕ እቲ ሕማም ንምክልኻል ዘድልዩ ወጻእታት ንምሽፋን ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀት ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ንኽጸድቐሉ መሪሕዎ'ሎ።
ብራዚል ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት 20 ሽሕ በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ብራዚል ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 20 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።
በዚ ድማ ብራዚል ብብዝሒ ግዳያት ኣብ ሻድሻይ ተርታ ተሰሪዓ ኣላ።
እንተኾነ ግና እቲ ለበዳ ካብዚ ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ ኣለው።
ዛጊት ኣብታ ሃገር ልዕሊ 310 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለው፡ ድሕሪ ኣሜሪካን ሩስያን ዝበዝሑ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ።
እኹል መርመራ ስለዘይተገብረ እምበር እቲ ኣሃዝ ካብዚ ክዛይድ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ጄር ቦልሶናሮ ግና በቲ ቫይረስ ክስዕብ ንዝኽእል ሓደጋ ብተደጋጋሚ ይነጽጎ።
ንሱ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ደጊሙ ምእንቲ ክበራበር፡ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ከንቲባታትን ኣንቢሮምዎ ዘለው እገዳታት ከልዕሉ ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ፕረዚደንት ንክኢላታት ኮቪድ-19 ዝህቦ ርእይቶታት ብምቅዋም ክልተ ሚኒስተራት ጥዕና ካብ መዝነቶም ወሪዶም እዮም።
መማህራን ዚምባብወ፡ ኣብያተ ትምህርቲ እንተተኸፊተን፡ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ኣጠንቂቖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
መማህራን ዚምባብወ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት እኹል ምድላዋት ከም ዘይተገብረ ብምግላጽ፡ ኣብያተ ትምህርቲ በብቅሩብ ናይ ምኽፋት ሓሳብ ከም ዝተቓወምዎ ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ ሄራልድ ኣቃሊሓ።
መንግስቲ ነቲ መደብ እንተ ፈጺምዎ መማህራን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ኣቦ መንበር ማሕበር መማህራን ሲፊሶ ንዶሎቩ ነታ ጋዜጣ ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ዚምባብወ፡ በቶም ኣብ ሃገራዊ መርመራ ዝሳተፉ ተማሃሮ ብምጅማር በብደረጅኡ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ናይ ምኽፋት ውጥን ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኣቦ መንበር ማሕበር መማህራን ግና፡ ተማሃሮ ንፈተና ስነኣእምሮኣዊ ምድላዋት ከም ዘይገበሩ ብምሕባር፡ እቲ መርመራታት ክስረዝ ጠሊቡ።
ታንዛንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከብወን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ንምኽፋት ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።
ኣብ ትግራይ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ
ሎሚ መዓልቲ ካብቲ ክልል ዝወጽአ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ሰለስተ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ዛጊት ኣብ ትግራይ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 23 በጺሖም ኣለዉ።
ነቲ ናይ ትግራይ ሓዊሱ ብሓፈሻ ብደረጃ ኢትዮጵይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓትት 30 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ኩሎም እቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም 26 ደቂተባዕትዮ ምዃኖም ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ስለምንታይ'ዩ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና?
ኢትዮጵያ፡ 30 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Health
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ዘካየደቶ 3,645 ናይ ላቦራቶሪ መርመራ 30 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ።
ካብቶም ሎሚ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት እቶም 18 ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ 4 ካብ ክልል ኦሮሚያ፡ 3 ካብ ክልል ትግራይ፡ 3 ካብ ክልል ዓፋር ክኾኑ ከለው 2 ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመላለሱ መራሕቲ መካይን ምዃኖም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልጽ።
እቶም 13% ናብ ወጻኢ ሃገራት ዘይገሹን፡ እቲ ሕማም ከም ዘለዎ ምስ ዝተረጋገጸ ሰብ ርክብ ዘይጸንሖምን ምዃኖም’ውን ተገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ትማሊ ሓሙሽተ ሰባት ኩነታት ጥዕንኦም ናብ ንቡር ብምምላሱ ኣብታ ሃገር ብድምር 128 ሰባት ካብ ኮቪድ-19 ሓውዮም ኣለው።
ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት 429 በጺሑ ኣሎ።
ህጻናትን ኣረጋውያንን ኣብ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 ክሳተፉ’ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝካየድ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ከምዝሳተፉ ተገሊጹ።
ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝተሳተፍሉ ቐዳማይ ዙርያ ፈተነ ክታበት ኣካይዱ ነይሩ።
ሕጂ ድማ ዕድሚኦም ልዕሊ 70 ዓመት ዝርከቡም ልዕሊ 10 ሽሕን 200 ዓበይቲ ሰባትን፡ ካብ 5-2 ዓመት ዘለው ህጻናትን ብምስታፍ፡ ኣብ ስርዓት ሕማም ምክልኻል ኣካላቶም ዘምጽኦ ለውጢ ክርኣይ ክግበር እዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ዝኾነ ዓይነት ክታበት ኣብ እንስሳት እዩ ዝካየድ ነይሩ። ተመራመርቲ ድማ፡ ክሳብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ነዚ ቫይረስ ዝኸውን ክታበት ክረኽቡ ተስፋ ይገብሩ።
ይኹን’ምበር፡ ክታበት ካብ ዓመት ክሳብ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክወስድ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ።
ሓድሽ ዜና, ዓሰርተ ሚኒስተራት ደቡብ ሱዳን፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ደቡብ ሱዳን፡ ዓሰርተ ሚኒስተራት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተረጋጊጹ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ሚካኤል ማክዌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዘይካ ሚኒስተር ጥዕና፡ ኩሎም ኣባላት ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኮሮናቫይረስ፡ በቲ ሕማም ከም ዝተታሕዙ ኣረጋጊጹ።
እንተኾነ ግና፡ ኣባል እቲ ሓይሊ ዕማም ዝኾነ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር'ውን በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ምህላው ዝገልጽ ሓበሬታ ነጺግዎ።
ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ምስ በዓልቲቤቱን (ሚኒስተር ምክልኻል) በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ሓቢሩ ነይሩ።
ኩሎም እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ዘሎ ሚኒስተራት፡ ርእሶም ገሊሎም፡ ኣብ ደሓን ኩነታት ጥዕና ከም ዘለው እቲ መንግስቲ ይገልጽ።
ብርክት ዝበሉ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሓለውቶምን መሳርሕቶምን እውን ተወሺቦም ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብቕልጡፍ ብምውሳኽ ልዕሊ 300 ክበጽሕ ከሎ፡ ሽዱሽተ ሞይቶም ኣለው።
