መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገርነት ፍልስጤም ዘለዎ መርገጺ እንታይ'ዩ?

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

ኣብዚ ቅንያት ዝካየድ ዘሎ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ፍልስጤም ተዓብሊሉ ይርከብ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃበን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ክስዕባ ትጽቢት ይግበር።

ዛጊት 150 ሃገራት ዓለም ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ።

ካብ 1980ታት ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መራሒ ፍልስጤም ያሲር ዓራፋት ኣብ ኣልጀርስ ናጽነት ምስ ኣወጀ፡ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሃገርነት ሂበን እየን።

ከም ቶማስ ሳንካራን ኔልሰን ማንዴላን ዝበሉ መራሕቲ ናጽነት ኣፍሪቃ፡ ቃልሶም ምስ ቃልሲ ፍልስጤም ማዕረ እዮም ዝርእዩዎ ነይሮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ንሃገረ ፍልስጤም ወግዓዊ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ኣብ ዋዕላታቱ ናይ "ተዓዛብነት ቦታ" ከምዝህብ ይፍለጥ።

ይዅን'ምበር፡ ኤርትራን ካሜሩንን ካብዚ ዝተፈልየ መርገጺ ብምሓዝ ዛጊት ኣፍልጦ ኣይሃባን ዘለዋ። ስለምንታይ እዘን ሃገራት ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ዘይሃባ?

ኣቦ መንበር ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ያሲር ዓራፋት ኣብ 1990 ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኔልሰን ማንዴላ ሓቚፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 1990፡ ኣቦ መንበር ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ያሲር ዓራፋትን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኔልሰን ማንዴላን

መርገጺ ኤርትራ እንታይ'ዩ?

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ 9 መስከረም 2011

ምንጪ ስእሊ, UN

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መስከረም 2011 ንወዳእታ ግዜ ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ኢሳይያሰ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገርነት ፍልስጤም ተጋራጫዊን ዘይንጹርን መርገጺ ዘለዎ'ዩ ዝመስል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ነሓሰ 2011ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "መንግስቲ ኤርትራ ንፍታሕ-ክልተ-ሃገራት ኣይድግፎን'ዩ፡ ውሁብ ኩነት ዝብል ሓሳብ'ውን ኣይቅበሎን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት ዝተኻየደ መበል 66 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ ድማ ሃገረ ፍልስጤም ከምዝድግፍ ተዛሪቡ።

"ኤርትራ፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ፍልስጤም፡ ከምኡ'ውን ምምስራት ናጻን ልኡላዊትን ሃገረ [ፍልስጤም] ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓ ደገፍ ደጊማ ተረጋግጽ" ክብል ተሰሚዑ።

ኣብ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት ብጋዜጠኛታት ማዕከናት ዜና መንግስቲ፡ "እዚ ክልተ መግለጺታታት ብኸመይ ክተዓረቕ ይኽእል? ናጻን ልኡላዊትን ፍልስጤም ብዘይ ፍታሕ-ክልተ-ሃገራት እንታይ ማለት'ዩ?" ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ትንተና፡ ኣብ ብቕዓትን ኣካይዳን ውድባት ፍልስጤም ዘለዎ ዕቃበታት ብምእማት፡ እቲ ክልተ-ሃገራት ክህልዋ ዝብል ዓለምለኻዊ እማመ ዕንቅፋት ከምዝኾነን፡ ዝተበታተኸ ዞባታት ፍልስጤም ሃገር ከቕውም ከምዘይክእል ኣመልኪቱ።

ብፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ (ኣቡ-ማዘን) ዝምራሕ ምምሕዳር ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣባልነት ይኹን ኣፍልጦ ሃገርነት ንምርካብ ዝግበር ጎስጓስ'ውን ካብ "ህዝባዊ ርክባት" ዝሓለፍ ኣይኮነን ክብል ኣቆናጺብዎ ነይሩ።

ኣብ 2010 ምስዚ ዛዕባ ዝዛመድ ካብ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዶናልድ ቦስቶም ሕቶ ቀሪቡሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

እቲ ቃለመሕትት፡ ንሃለዋትን ኵነታትን እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ከምዘሎ ዝግለጽ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንምፍላጥ ዝነቐለ ምንባሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ 'ኣፍቶንብላደት' ተመልኪቱ ኣሎ።

እቲ ጋዜጠኛ፡ ኤርትራ ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ እንታይ'ዩ? ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ፍጹም ንቡር እዩ፡" ክብል ድሕሪ ምምላሱ፡ እንተዀነ "እስራኤል ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዘለዋ ይግለጽ?" ዝብል ሕቶ ዶናልድ ሰዓበ።

ኢሳይያስ፡ "ኣይፋልን እዚ ሓቂ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ግን ኤምባሲ ኣለዎም፣ ንበዓል መዚ ፍልስጤም ድማ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና። እስራኤል ሃገር የድልያ፤ ነዚ ከነኽብሮ ይግባእ። ፍልስጤማውያን እውን ክብሪ ዘለዎ ናብራ ክህልዎም ኣለዎ፡ እዚ ግን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ይዅን ኣብ ቓዛ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ክልተ ሃገራት ዝብል መፍትሒ ሓሳብ ፈጺሙ ኣይሰርሕን እዩ። ኣይሰርሕን እዩ። እዚ ሰባት ንምዕሻው ጥራይ'ዩ።

እቲ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ኣብ ሓደ ሃገር ክነብሩ ዝብል ሓሳብውን ንብዙሕ ምኽንያታት ፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል ኣይኰነን። ሓደ ክሰርሕ ዝኽእል ኣማራጺ ስግር-ዮርዳኖስ እዩ። እስራኤል ንበይና ክትነብር ትኽእል እያ። ህዝብታት ፍልስጤምን ዮርዳኖስን ድማ ተኣኪቦም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክፈጥሩ ይኽእሉ፡" ዝብል ዝሃቦ ምላሽ ሰፊሩ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት "ቓዛ ንግብጺ: ምዕራባዊ ገማግም ናብ ዮርዳኖስ ምሕዋስ ዝሓሸ ኣማራጺ'ዩ" ኢሉ ከምዝሓስብ ገለጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘንጸባረቖ ሓሳባት፡ ወድባት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ቃልሲን መሰል-ርእሰ ወሳነ ህዝቢ ፍልስጤምን ምስ ዝነበረን ተደናጋጺ መርገጺ ዝጥዓዓም ኣይመስልን።

ስምምዕ ኦስሎ ኣብ ዝተፈረመሉ ዝተረኽቡ ኢሳቕ ራቢን፡ ቢል ክሊንተንን ያሲር ዓራፋትን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ ጕዳይ ዘሎ መርገጺ ኤርትራ ግን ኣብ ታሪኽ ብዝተፈለየ ኵነታት ንናጽነት ምስ ዝገበረቶ ቃልሲ ዝዛመድ እዩ።

ብ1988፡ ያሲር ዓራፋት ፍልስጤም ልኡላዊት ሃገር ምዃና ኣዊጁ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ድጋፍ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ይጠልብ ነይሩ። ካብዚአን እታ ሓንቲ ኢትዮጵያ እያ።

ኤርትራዊ ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ "ሽዑ ድሒሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል ሓድነት ኣፍሪቃ መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

"ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ደጋፊ ሕብረት ሶቭየት ስለ ዝነበረ፡ ንመሰላትን ቃልስን ፍልስጤም ይድግፍ ነይሩ።"

ኣብቲ እዋን ድማ ኤርትራ ናጽነታ ንምርካብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ እያ ነይራ።

"ኣብቲ እዋን፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ እያ ነይራ። ኤርትራውያን ድማ ካብ ወራር ኢትዮጵያ ናጻ ንምውጻእ ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይዱ ነይሮም፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "ንፍልስጤማውያን ምስ ኢትዮጵያ ዝዀነ ዓይነት ዝምድና ንምምስራት፡ ገዛእ ርእሶም ካብ ኤርትራውያን ከርሕቑ ይግብኦም ነይሩ። ያሲር ዓረፋት ከምኡ ዝገበረ እዩ ዝመስለኒ። ሽዑ ድማ ኤርትራውያንን እቲ ፕረዚደንትን [ኢሳይያስ]፡ ብጽቡቕ ኣይርኣዩዎን፡" ኢሉ።

ይዅን'ምበር፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሕቶ ፍልስጤማውያን ብቕኑዕ ኣረኣእያ ብምርኣይ ብ2012፡ ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ተራ "ኣባል ዘይኰነት ተዓዛቢት ሃገር፡" ንኽህልዋ ድምጺ ሂቡ።

ከም ኦስሎ ኣኮርድ ዝበለ ንርእሰ ምሕደራ ፍልስጤም ድሩት ዕድል ዝሃበ፡ ምብራቓዊ ገማግምን ቓዛን ንኸመሓድሩን ንምስረታ ናጻ ሃገርን መሰረት ዘንጸፈ ስምምዕ ሰላም ግን ነጺጉዎ።

"ብ1993፡ ስምምዕ ኦስሎ፡ ዘይጠቅም፡ ምኽንያት እቲ ጐንጺ ካብ መሰረቱ ዘይፈትሕ ወይ ሕቶ ርእሰ ምሕደራ ፍልስጤማውያን ዘይምልስ'ዩ ብምባል ካብ መንጎ ዝነጸጉ መራሕቲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ብቐዳምነት ይርቋሕ፡" ይብል ዓብዱራሕማን ሰይድ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መፍትሒ ክልተ ሃገር'ውን ከም ዘይድግፎ ብግልጺ ተዛሪቡ እዩ።

ግን ድማ 55 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ተኸታሊ እምነት እስልምና ብምዃኑ፡ ጸቕጢ ክበጽሖ ይኸውን እዩ።

"ኤርትራ ናጽነታ ንምርካብ ተቓሊሳ እያ። ስለዚ፡ ቃልሲ ናጽነት ንዝመርሐ ወይ ኣካል ቃልሲ ናጽነት ንዝነበረ ካልእ ህዝቢ፡ ናጽነቱ ዘይምድጋፍ ብመንጽር ሞራል ልክዕ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ልዑል ጸቕጢ ክገጥሞ'ዩ፡" ይብል እቲ ተንታኒ።

ካሜሩን

ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካሜሩን ምስ እስራኤል ጥቡቕ ዝምድና ኣለዋ።

ኣብ ጀነቫ፡ መጽናዕቲ ድሕነትን ስትራተጅን ዳይረክተር መጽናዕቲ ምክልኻል ዝዀነ ዳቪድ ኦቶ፡ እስራኤል ንካሜሮን ኣብ ኣፍሪቃ ኣላትኒ እትብላ ጽንዕቲ መሓዛ እያ ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ "ካሜሩን ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ፡ ብዲፕሎማሲ ደረጃ ክዝረግ ኣይትደልን፡" ኢሉ።

ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ድልዱል እዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ጉዳያት ድሕነት'ውን ዝተሞርኰሰ እዩ።

"እስራኤል ንመንግስቲ ካሜሩን ኣብ ምክልኻል ትሳተፍ፤ ሕጂ'ውን ትከላኸለሉ እያ ዘላ፡" ይብል።

እስራኤል፡ ሓይልታት ህጹጽ ረድኤት ካሜሩን ከምኡ'ውን ድሕነት እቲ ፕረዚደንት ንዝሕሉ ፍሉይ ሓይሊ ኣሰልጢናን ኣምሂራን እያ።

"ካሜሩን ምስ እስራኤል ብዝሃነጸቶ ርክብ፡ ብዅሉ ሸነኽ ማእገር እስራኤል ዝዀነት ኣመሪካ'ውን ክትሕግዛ መንገዲ ረኺባ እያ።"

ካሜሩን፡ ኣብ ዙርያ ፍልስጤም ዘለዋ መርገጺ፡ ኣብታ ሃገር ተዛረብቲ እንግሊዘኛ ዝዀኑ ተገንጸልቲ ጕጅለታት ዘለዋ ወጥሪ ዝዛመድ እዩ።

"ንፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ንዘሎ ምንቅስቓስ ተገንጸልቲ ኣፍልጦ ንምሃብ ጸቕጢ ክፈጥር እዩ። መንግስቲ ድማ ካሜሮን ሓንትን ዘይትነጻጸልን ከም ዝዀነት ግልጺ ገይሩ'ዩ፡" ይብል ኦቶ።

መርገጺ ካሜሩን ብብዝሒ፡ ስቕታን ጥንቃቐን ዝተመልኦ እዩ።

ቢቢሲ፡ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።