ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ክጅምር እዩ ዝበሃል 'ክረዲት ካርድ' እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባንክ ኣዋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ክረዲት ካርድ ዝህብ ፈላማይ ባንኪ ክኸውን ከምዝተቓረበ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ባንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝገለጾ፡ ብዘይካ ኣገልግሎት ‘ደቢት ካርድ’፡ ኣገልግሎት 'ክረዲት ካርድ' ምሃብ ክጅምር እዩ።
ባንክታት ኢትዮጵያ ብዘይካ ኣገልግሎት ደቢት ካርድ፡ ንዓማዊለን ካልእ ኣገልግሎት ካርድ ኣይህባን እየን።
ቅድሚ ሕጂ ባንኪ ዳሸን ባጤራ ወጻኢ ዝጥቀሙ ዓማዊል ኢንተርናሽናል ደቢት ካርድ ዝበሃል ካርድ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ካርድ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ዓበይቲ ባንክታት ንዓማዊለን ዝህባኦ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ባንክታት ወጻኢ ናብ ዕዳጋ ዓዲ ክኣትዋ ከምዘፍቅድ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
መብዛሕትአን ዓለምለኻውያን ባንክታት ንዓማዊለን ክረዲት ካርድ ከምኡ'ውን ካልእ ኣገልግሎት ካርድ እንተላይ ደቢት ካርድ ይህባ።
ብዝዀነ ክረዲት ካርድ እንታይ እዩ? ተጠቃሚ ክረዲት ካርድ ክትከውን ትኽእል ዲኻ? እቲ ረብሓኡን ጉድኣቱንከ?
ክረዲት ካርድ እንታይ እዩ?
ኣባል ማሕበር ቻርተርድ ኣካውንታንት ዓባይ ብሪጣንያ ጥላሁን ግርማ፡ ባንክታት ብልምዲ ክልተ ዓይነት ኣገልግሎት ካርድ ከም ዝህባ ይገልጽ።
ብመሰረት እቲ በዓል ሞያ ምምኽኻርን ኦዲቲንን፡ ደቢት፡ ዓሚል ካብ ውሽጢ እቲ ዝተቐመጠ መጠን ገንዘብ ካብ ኤቲኤም ምውጻእ ዝፈቅድ፤ ኣብ ማሽን ክፍሊት ክትጥቀመሉ እትኽእል ካርድ እውን እዩ።
"ክረዲት ካርድ ግን እቲ ባንክ 'እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐመጠ ገንዘብካ፡ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ' ዝብለሉ ግዝያዊ ልቓሕ'ዩ።"
ባንክታት ነዚ ናይ ካርድ ኣገልግሎት ንዓማዊለን ዝፈቕዳሉ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ኣጠቓቕማ ሕሳብን ምንጪ ኣታዊን መጠንን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።
ብተወሳኺ ዓቕሚ ዘለዎም ዓማዊል ካብቲ ዝተቐመጠ ገንዘብ ንላዕሊ ወጻኢታት ክገብሩ ክፍቀደሎም ከምዝኽእል ይገልጹ።
እቲ ክኢላ ኣብ መንጐ ክረዲትን ደቢትን ካርድ ዘሎ ፍልልይ ብኣብነታት ይገልጽ።
ንኣብነት ይብል፣ ". . ንኣብነት 20 ሽሕ ብር እንተሃልዩካ፡ ካብ ኤቲኤም ከተወጽእ ወይ ትራንዛክሽን ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ካብቲ ዘለካ ንላዕሊ ከተውጽእ ግን ኣይትኽእልን ኢኻ።"
ክረዲት ካርድ ግን፡ ባንክታት ዓሚል ናይ ምምላስ ዓቕሙ ኣብ ግምት ብምእታው ዝህብዎ ዓይነት ናይ ሓጺር ግዜ ልቓሕ እዩ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ክረዲት ካርድ ልቓሕ ወለድ ይኽፈል። ኣብ ገለ ሃገራት ግን ዓማዊል ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ እንተዘይከፊሎም ጥራይ እዮም ወለድ ዝኸፍሉ።
“ንኣብነት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ እንተዘይከፊልካ ወለድ ክህሉ እዩ። ፖሊሲ ባንኪ ኣዋሽ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ግን ንቕድሚት ዝረአ እዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክረዲት ካርድ ንምርካብ እንታይ የድሊ?
ዓማዊል ኣገልግሎት ክረዲት ካርድ ንምርካብ ነዚ መጠን ልቓሕ ናብ ባንኪ መመልከቲ ከቕርቡ ኣለዎም።
ብመሰረት እቲ ባንኪ ዘቐመጦ መዐቀኒታት ዓቕሚ ዓማዊልን ምስ ባንኪ ዘለዎም ርክብን ኣብ ግምት ብምእታው ፍቓድ ይህብ።
“ደሞዝካ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ምስቲ ባንኪ ዘለካ ርክብ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ነጋዳይ እንተዄንካ ናይ ንግዲ ኵነታትካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደሓደ ግዜ እቲ ባንክ ክሳራኡ እናፈለጠ'ውን፡ ክፈቅድ ይኽእል እዩ።”
እቲ ክኢላ፡ ተጠቀምቲ ባንኪ፡ ዕላማ ክረዲት ካርድ ብንጹር ክርድኡ ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ይመክር።
“ክረዲት ካርድ ንሓጺር ግዜ ንዘድልየካ ናይ ልቓሕ ድሌታት እዩ። ቀዋሚ ንብረት [መኪና፡ ገዛ] ክትገዝእ ግና ኣይኰነን።”
ቀንዲ ዕላማ ክረዲት ካርድ ካብ ህጹጽ ፋይናንሳዊ ኵነታት ንምውጻእ እዩ። "ስለዚ ድማ እዩ እቲ ንመምለሲ ዝኸውን ናይ ግዜ ገደብ ዝተወሰነ" ይብል እቲ ምሁር ስነ-ቑጠባ።
"ባንኪ ኣዋሽ ነቲ ብልቓሕ እትጥቀመሉ ገንዘብ ኣብ ክንደይ ግዜ ከም እትመልሶ ብዝምልከት ናይ ባዕሉ ፖሊሲ ከስፍር እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን እዚ ብምንጪ ኣታዊ እቲ ዓሚል እዩ ዝውሰን።”
ንኣብነት ሰራሕተኛ እንተዄንካ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ደሞዝ ምስ ተቐበልካ ክትከፍል ክትሰማማዕ ትኽእል ኢኻ፤ ኣብ ንግዲ እንተሃሊኻ ምናልባት ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ክትከፍል ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
ባንኪ ኣዋሽ ነዚ ኣገልግሎት ንዅሎም ተጠቀምቲ እቲ ባንኪ ከም ዝህብ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ብልጫታትን ጕድለታትን ክረዲት ካርድ
ዳረን ዝተባህለ ወዲ 44 ዓመት እንግሊዛዊ፡ 32 ሽሕ ዩሮ ዕዳ ምስ ኣጋጠሞ፡ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣይፈለጠን።
ዳረን ነቲ ካብ ባንኪ ዝወሰዶ ክረዲት ካርድ ድሌታቱ ንምምላእ ይጥቀመሉ'ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ዕዳ ኣብ ግዚኡ ክኸፍል ግን ዓቕሚ ኣይነበሮን።
“ኣብ ልዕሊ ዕዳ ዕዳ ክውስኽ ከለኹ እናተዀመረ መጺኡ። ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ዓመት ዓመት ዕዳይ እናወሰኸ ከይዱ። ኣዝየ ተጨኒቐ ነይረ።”
ዳረን ሕጂ ዕዳኡ'ኳ እንተኸፈለ፡ ብዙሓት ብሪጣንያውያን ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዕዳ ክረዲት ካርድ ይርከቡ።
ጥላሁን ከም ዝብሎ፡ ክረዲት ካርድ ብግቡእ እንተዘይተጠቒምካሉ፡ ኣብ ተጠቃሚን ባንክታትን ክሳራ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ነዚ እዩ ድማ ቀንዲ ዕላማ ክረዲት ካርድ ንሓደ ጸገም ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ።
"ንኣብነት፡ ሓደ ኣባል ስድራቤትካ ዝሓመመ እንተሃልዩካ፡ ወይ ሕጂ ንብረት ክትገዝእ እንተ ኣድልዩካ፡ ክረዲት ካርድ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።"
እቲ ክኢላ፡ ክረዲት ካርድ "ከም 'ቴለማኒ' እዩ"ይብል። “ቴለማኒ ገንዘብ ኣብ ዘይብልካ እዋን ልቓሕ ይህበካ። ኣብ ዝቕጽል እዋን ክትመልእ ከለኻ ካብ ኣካውንትኻ ዝውሰድ እዩ።”
ኣብ ገለ ሃገራት 'ክረዲት ስኮር' ዝበሃል ኣምር ኣሎ። መዐቀኒ ነጥቢ ልቓሕ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ልቓሕ ታሪኹ እዩ።
ልቓሕ ወሲዶም ኣብ ግዚኡ ዝኸፍሉ ሰባት ጽቡቕ 'ክረዲት ስኮር' ከምዘለዎም ይንገር። ጽቡቕ ናይ ልቓሕ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ብባንክታት ይኽበሩ። እቲ ዝደልይዎ ቀልጢፉ ይፍጸመሎም።
ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ወለድ ክረዲት ካርድ፡ ካብቲ ባንክታት ንዓማዊለን ዘኽፍላኦ ወለድ ካልኦት ካርድታት ዝለዓለ እዩ።
“ልቓሕ ስለዝኰነ ወለድ ኣለዎ። ወለድ ብሰንኪ ሓደጋ ይውስኽ። ንብረት ዝልቃሕን ንብረት ዘይብሉ ልቓሕ ዝወስድ ሰብን ማዕረ ስለዘይኰኑ፡ ወለድ ብምውሳኽ ነቲ ሓደጋ ይቕንሱ።
ተወሳኺ ዛዕባ ክረዲትን ደቢትን ካርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቢት ካርድ ክትጥቀም ከለኻ፡ ኣብ ውልቃዊ ማሽን [ኤቲኤም፡ ትራንዛክሽን ማሽን] ክፍሊት ዝሓትት እንተዘይኰይኑ ተወሳኺ ኣይትኸፍልን ኢኻ። ብተወሳኺ ነቲ ዝተጠቐምካሉ ክፍሊት እንተሃልዩ ኣቐዲሙ ከፍልጠካ እዩ።
ብዛዕባ ክረዲት ካርድ ግን ካብ ኤቲኤም ማሽን ገንዘብ ምስ ኣውጻእካ ክፍሊት ትኸፍል። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ካርድ ዝሃበካ ባንክ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ይሓትት።
ብኢንተርነት ኣቝሑትን ኣገልግሎታትን ዝሸጣ ኩባንያታት ካብ ደቢት ካርድ ንላዕሊ ብክረዲት ካርድ ይመርጻ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ብክረዲት ካርድ ነቲ ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ባንክ ክትረኽቦ ስለ እትኽእል እዩ።
ክኢላታት ብክረዲት ካርድ ተጠቒምካ ካብ ኤቲኤም ገንዘብ ምውጻእ ኣይመኽሩን እዮም። ኣብ ከክንድኡ፡ ዕዳጋ ክትገብር ከለኻ፡ 'ክረዲት ካርድካ ተጠቐም' ይብሉ።
ቪዛ፡ ማስተርካርድ፡ ኣሜሪካን ኤክስፕረስን ዲስከቨርን ኔትወርክታት ክረዲት ካርድ እዮም። ባንክታት ነዞም መርበባት እዚኦም ንዓማዊለን ክረዲት ካርድ ንምሃብ ይጥቀማሎም።
መብዛሕትአን ኣህጉራውያን ባንክታት ነቶም ክረዲት ካርድ ዝጥቀሙ ዓማዊለን ንምትብባዕ ይህባ።
ንኣብነት፡ ካብቶም ብክረዲት ካርድ ንናይ መንገዲ ኣየር ትኬት፡ ክፍሊት ሆቴልን ብኢንተርነት ዕዳጋን ዝጥቀሙ ዓማዊሎም ይህቡ። እቲ ምትብባዕ ብመልክዕ ማይልስ መንገዲ ኣየር፡ ተወሳኺ ክፍሊት ሆቴልን ናይ ህያብ ካርድን ክወሃብ ይኽእል።
ባንክታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 'መግለጺታት' [ሓበሬታ ሕሳብ ባንክ] ናብ ዓማዊለን ይልእኻ። እዚ መግለጺ እዚ፡ እቲ ዓሚል ብክረዲት ካርዱ ተጠቒሙ ክንደይ ከም ዝኸፈለ፡ ወለድን ዝዀነ ተወሳኺ ክፍሊትን የጠቓልል።
ወሲኹ፡ ኣብ ክረዲት ካርዶም ክንደይ ገንዘብ ተሪፉ፤ ክትመልሶ ዘለካ ዝተሓተ መጠን ገንዘብን ብኸመይ ክትመልሶ ከም እትኽእልን የጠቓልል።
ኣካውንታንት ጥላሁን፡ ድሕሪ ውሳነ ባንኪ ኣዋሽ "ካልኦት ባንክታት ኣይክድቅሳን እየን" ይብል።
"እዚ ኣገልግሎት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምጅማሩ ዘገርም'ዩ። ካልኦት ባንክታት ድማ ድሕሪ ባንኪ ኣዋሽ ክጅምራ ይሸባሸባ ኣለዋ ወይ ክጅምራ ተኽእሎ ኣሎ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







