2000 ሰባት ኣብ ቤተክርስትያን ብምቕታል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, MICT
ሓደ ካብቶም ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ምስ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ብዝተኣሳሰር ክድለዩ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ጥርጡራት ዝዀነ ፉልገንስ ኬዪሸማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ኣኽበርቲ ሕጊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።
ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ምጽናት ዓሌት መስርሕ ፍርዲ ከካይድ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት፡ ፉልገንስ ኬዪሸማ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፓርል ከም ዝተተሓዘ ኣፍሊጡ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 2000 ዓሌት ቱትሲ ዝተቓጸሉሉ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ኣብ 2001 እዩ ተኸሲሱ።
ኣብቲ ምጽናት ዓሌት ኣስታት 800,000 ቱትሲን ዘይኣኽረርቲ ሁቱን ከም ዝተቐተሉ ይፍለጥ።
እቲ ዓለምለኻዊ ፍሉይ መካኒዝም ገበናዊ ቤት ፍርዲ (MICT) ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ፡ ፉልገንስ ኬዪሸማ፡ "ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብምጽናት ዓሌት ኣዝዮም ተደለይቲ ዝዀኑ" እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
ብተወሳኺ ብዙሓት ሃገራት ዝሳተፍዎ ዓለምለኻዊ ስርሒት፡ ነቲ ብርክት ዝበሉ ናይ ሓሶት ኣስማትን ሰነዳትን ክጥቀም ዝጸንሐ ሰብ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ከም ዝኸኣለ ገሊጻ።
ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ፉልገንስ ብ15 ሚያዝያ 1994 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዞባ ኪቡየ፡ ኪቩሙ ኣብ እትርከብ ቤተክርስትያን ንያንገ ተዓቝቦም ዝነበሩ ሰባት ጃምላዊ ቕትለት ብምውጣንን ምፍጻምን ብቐጥታ ተሳቲፉ’ዩ።
እቲ ክሲ፡ ፉልገንስ ካልኦትን እቶም ሰባት ኣብ ውሽጢ እንከለዉ ነቲ ቤተክርስትያን ከቃጽልዋ ከም ዝፈተኑ ይገልጽ። እዚ ምስ ፈሸለ ድማ ብቡልዶዘር ገይሮም ንዅሎም ኣብኡ ተዓቝቦም ዝነበሩ ሰባት ከም ዝቐበርዎምን ከም ዝቐተልዎምን ይሕብር።
ሬሳታት እቶም ግዳያት ድሕሪኡ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ተቐቢሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ታንዛንያ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ኣብ ልዕሊ 60 መራሕቲ ናይቲ ጃምላዊ ቅትለት ፈሪዱ’ዩ።
ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ምስ ኣብ ቤተክርስትያን ኖትረ ዳም ደ ላ ቪዚቴሽን ዝተፈጸመ ቅትለት ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ኣትናሴ ሰሮምባ ዝተበሃለ ካህን እታ ቤተክርስትያን፡ ኣብ 2008 ንዕድመ ልክዕ ክእሰር ተፈሪድዎ።
እቲ ኣብ ታንዛንያ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ 2015 ተዓጽዩ።
እቶም ዝተረፉ ክስታት ድማ ናብ ዓለምለኻዊ ፍሉይ መካኒዝም ገበናዊ ቤት ፍርዲ ከም ዝተሰጋገሩ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







