ኣገረምቲ ኣገባባት ኣከባብራ በዓል ልደት

ሰራሕተኛታት ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ስጋ ስሚዝፊልድ ኣብ ዝካየድ ባህላዊ ሓራጅ ዋዜማ ልደት ዝተቖርጸ ስጋ ይሸጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ስጋ ስሚዝፊልድ ኣብ ዝካየድ ባህላዊ ሓራጅ ዋዜማ ልደት ዝተቖርጸ ስጋ ይሸጡ

ብዙሓት ኣህዛብ፡ ዓመት መጽአ 25 ታሕሳስ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ፍሉጣት በዓላት ሓደ ዝዀነ በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ይጽንብሉ።

እዚ በዓል፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 150 ሃገራት ይበኽር፤ ኣብ ዓመታዊ ኣቈጻጽራ ንሰዓብቲ ክርስትናን ካልኦት እምነታትን እውን ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ።

ስድራቤታት ኣብ ሓደ መኣዲ ተኣኪቦም ይቋደሱን ስድራቤታዊ ዝምድናታቶም ዘደልድልሉን በዓል እውን እዩ።

እቲ በዓል ብደረጃ ስድራ ጥራይ ዘይኰነስ ብደረጃ ሃገር እውን ዝተፈላለዩ መደባት ብምውዳብ ክኽበር ንዕዘብ።

ኣብ ምዕራባውያን ዝተለምዱ ምስቲ በዓል ዝተኣሳሰሩ ነገራት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ካልኦት ማሕበረሰባት'ውን ዝተለምዱ እናዀኑ መጺኦም ኣለው።

እዚ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ፡ ጎደናታት ብመብራህቲ፡ ኣግራብ ልደትን ሰልፊ 'ሳንታ ክላውስን' ይደምቁ።

ዕዳጋታት፡ ምርኢታት፡ ከምኡ'ውን መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ንኣግራብ ልደት ሰሊሞም የዳልው።

መብዛሕትኦም ክርስትያናት በዓል ልደት ብ25 ታሕሳስ ከብዕሉ እንከለዉ፡ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያናት ግን 7 ጥሪ እዮም ዘብዕሉ።

ዓመታዊ ህያብ እትልእኽን መዀስተር እትሓብእን ኖርወይ

ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ የሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ተባሂሉ ዝሕሰብ ቤተልሄም ኣብ ኣደባባይ ዝተተኽለ ኦም ልደት ስእሊ እናተሳእላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም፡ የሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ተባሂሉ ዝሕሰብ ቤተልሄም ኣብ ኣደባባይ ዝተተኽለ ኦም ልደት ስእሊ እናተሳእላ

ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ትራፋልጋር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ታሕሳስ ዓቢ ኦም ልደት ይዳሎ።

ኖርወይ ኦም ልደት ከም ህያብ እትሰድድ ሃገር ኰይና፡ ኣብ ጽምብል ልደት ብሪጣንያ ዓቢ ተራ ትጻወት።

ብሪጣንያ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓያል መሓዛ መንግስትን ንጉስን ኖርወይ እያ ነይራ።

ኣብቲ እዋን ኖርወይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ናዚ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ውግእ ምስ ተዛዘመ፡ ኖርወይ ነታ ሕማቕ ዕድል ዘጋጠማ መሓዛኣ ዘለዋ ምስጋና ንምግላጽ ዓመት ዓመት ኦም ልደት ከም ህያብ ናብ ለንደን ክትሰድድ ጀመረት።

እዚ ትውፊት ካብ 1947 ጀሚሩ ዝተለምደ ኰይኑ፡ ንውሓት ኣብዚ ዓመት ዝሰደደቶ ኦም ልደት፡ 25 ሜትሮ ይበጽሕ።

ኖርወይ ናብ ለንደን ህያባት ክትሰድድ ከላ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ገዛውቲ ኣብ ድሮ በዓል ልደት መኾስተር ይሓብኣ።

እዚ፡ እኩያት መናፍስቲ መጺኦም ክሰርቅዎ እዮም ኢሎም ስለ ዝኣመኑ እዩ።

ኣብ ባህሊ ኖርወይ፡ እኩያት መናፍስቲ ኣብ ድሮ ልደት ናብ ገዛ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይበጽሑ፤ ኣብኡ ድማ ዝጋልቡዎ መኾስተር ይደልዩ ዝብል ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እምነት ኣሎ።

ነዚ ንምክልኻል ድማ ሰባት ኣብ ድሮ ልደት ቅድሚ ምድቃሶም ኣብ ገዛ ንዘሎ ዅሉ መኾስተር ይሓብእዎ።

ድሕሪ ድራር ታሪኽ ዘንብቡ ኣይስላንዳውያን

ኣብ ኣይስላንድ፡ ኣሕተምቲ መጻሕፍቲ ኣብ እዋን ልደት ሓደስቲ መጻሕፍቲ ይዝርግሑ።

እዚ "ማይ ኣይሂ መጽሓፍ ልደት" ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ እቲ ትውፊት ድማ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከም ዝጀመረ ይእመን።

ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ነገራት ይዕቀብን ይወሃብን እኳ እንተነበረ፡ ወረቐት ግን ብብዝሒ ይቐርብ ነይሩ። ስለዚ ንህያባት ልደት መጻሕፍቲ ጥራይ እዩ ዝወሃብ ነይሩ።

እዚ ንኢንዱስትሪ ሕትመት ኣይስላንድ ኣዝዩ ዝሓገዘ ልምዲ፡ ሕጂ ስድራቤታት ኣብ በዓል ልደት ተኣኪቦም ህያባት ኣብ ዝለዋወጡሉን መግቢ ኣብ ዝበልዑሉን ምሸት ብብርሃን ሽምዓ መጽሓፍቲ እናንበቡ ዘሕልፍዎ ልምዲ ኰይኑ ኣሎ።

ቸኮሌትን ወይንን እውን ክህልዎም ይኽእል እዩ። መጽሓፍቲ ግን እቲ ዘይተርፍ ህያብ እዩ።

በዓል ልደት ዘይሕጋዊ ዝነበረላ ዓመት

ብ1647 ልደት ኣብ ብሪጣንያ ተኣገደ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መዓልቲ ልደት፡ ፋሲካን ዊትሱንን (Whitsun ) ንዅሉ ጽምብላት ኣጊዱ ነበረ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ መንጐ ዝነበሩ ተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ፡ በዓል ልደት ምኽባሮም ዝቃወሙ ሃይማኖታውን ሞራላውን ክብሪታቶም ዝፈልዩ ፕዩሪታን (Puritan) ይዕብለሉ ነይሮም።

ስለዚ 25 ታሕሳስ ኣብ ክንዲ ጽምብል ናይ ጾም ግዜ ክኸውን ከም ዘለዎ ወሲኖም።

ጽምብል በዓል ልደት ክልኩል ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከብዕሉ ዝረኸብዎም ሰባት ንምብታንን ንምእሳርን ወተሃደራት ተዋፊሮም እዮም።

ኣብ ለንደን፡ ወተሃደራት ክጾሙ ኣብ ዝግበኦም እዋን፡ ንበዓል ልደት ዝኸውን መግቢ ዝሰርሑ ሰባት ንምድላይ ኣብ ጎደናታት ይዘሩ ነበሩ።

መዝሙር ልደት ተኣጊዱ፣ ኣባይትን ኣደባባያትን ድማ ንበዓል ምስላም ተኸልኪሉ ነይሩ።

መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ነቲ እገዳ ተቓዊሙዎ፤ በዓል ልደት ድማ ብ1660 ኣብ ኤውሮጳ ዳግማይ ክኽበር ጀሚሩ።

ጳጳስ ሊዮ ኣብ ቅዳሴ በዓል ልደት ኣብ ቫቲካን ጣልያን ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዳሴ ህጻን የሱስ ሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጳጳስ ሊዮ ኣብ ቅዳሴ በዓል ልደት ኣብ ቫቲካን ጣልያን ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዳሴ ህጻን የሱስ ሒዞም

በዓል ልደት ተዛንዮም ዘብዕሉ ጃፓናውያን

ኣብታ ብዙሓት ክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት ዝነብሩላ ጃፓን፡ በዓል ልደት ብኻልእ መገዲ እዩ ዝበዓል።

መጻምድቲ ኣብ ክንዲ ምስ ስድራቤቶም በዓል ልደት ንበይኖም ከብዕሉ ይመርጹ።

ጎደናታት ጃፓን ብመብራህቲ ልደት ይደምቁ፣ ኣብያተ መግብን ሆቴላትን ድማ ዓማዊለን ንምቕባል ፍሉይ መግቢ የዳልዋ።

መግቢ እውን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተፈልየ ኰይኑ፡ ጃፓናውያን ኩሪሱማሱ ኬኪ ዝበሃል ምቁር መግቢ ብምብላዕ እዮም ዘብዕሉ።

ኣብ ብሪጣንያ ተርኪ ኣብ በዓል ልደት ዝበዝሐ ተፈታዊ መግቢ እዩ።

ጥብሲ ደርሆ ኣብ ጃፓን ህቡብ መግቢ ኰይኑ፡ 3.6 ሚልዮን ስድራቤታት ናብ ድኳናት ኬኤፍሲ ብምኻድ ይምገቡዎ።

እዚ ዝተጠበሰ ደርሆ ዘቕርብ ትካል ኣብ ሰብዓታት ካብ ዝኽፈት ጀሚሩ፡ ህዝቢ ጃፓን ንበዓል ልደት ዝኸውን መግቦም ቅድሚ ሓደ ሰሙን ክእዝዙ ጸኒሖም ኣለው።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብያተ ቤት መግቢ ኣብ መዓልቲ ልደት ካብቲ ንቡር መዓልቲ ዕዳጋ ብ10 ዕጽፊ ዝያዳ ተጨናኒቐን ይርኣያ።

ኣብ ፓኪስታን፡ ኣመንቲ ክርስትና ፍርቂ ለይቲ ኣብ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ስርዓተ ቅዳሴ ይሳተፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓኪስታን፡ ኣመንቲ ክርስትና ፍርቂ ለይቲ ኣብ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ስርዓተ ቅዳሴ ይሳተፉ
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ቅዳሴ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ዝሳተፋሉ እዋን ሽምዓ ይዘዛ
መግለጺ ስእሊ, ደቀንስትዮ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ቅዳሴ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ዝሳተፋሉ እዋን ሽምዓ ይሕዛ
ካቴድራል ኖትረዳም ብድሙቕ ሕብሪ መብራህቲ ማዕሪጉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካቴድራል ኖትረዳም ብድሙቕ ሕብሪ መብራህቲ ማዕሪጉ