ኣከባብራ ሓድሽ ዓመት ዝተፈላለያ ሃገራት እንታይ ይመስል?

ሰቲ ዝሓዛ ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክረምቲ ተወዲኡ፡ ዛሕሊ እናነከየ፡ ብርሃን ክርአ ምስ ጀመረ፡ መሬት ብሓምላይን ዕምበባታት መከስረምን ክትደምቕ እንከላ፡ ኢትዮጵያውያን ሓድሽ ዓመቶም ሓደ ኢሎም ይጅምሩ።

መሬት፡ እቲ ብልሙድ 'ኣረጊት ዓመት' ዝበሃል ተወዲኡ ብሓድሽ ዓመት ከም ዝተተክአ ብዘበስር ዕምበባ ደሚቓ ትርአ።

ኢትዮጵያውያን ካብ ካልእ ህዝቢ ዓለም ዝተፈለየ ዝገብሮም፡ 13 ኣዋርሕ ወዲኦም፡ ሓደ መስከረም ሓድሽ ዓመት የኽብሩ።

ሓድሽ ዓመት ድማ፡ ብደርፊታት ቅዱስ ዮሃንስ፡ መልእኽቲታት ሰናይ ትምኒትን ካልኦት ምድላዋትን ደሚቑ ይበዓል።

ካብዚ ወጻኢ ደርሆ ወይ በጊዕ ምሕራድ፣ ስዋ መጽማቝን ሕብስቲ ምስንካትን ዝበሉ ከከም ዓቕሚ ስድራቤት ዝዀኑ ፍሉያት ተርእዮታት ናይቲ መዓልቲ እዮም።

ስርዓተ ጸሎት ቅዱስ የውሃንስ ኣብ ቤተክርስትይን ኤርትራውያን ካቶሊክ ናይሮቢ ኬንያ
መግለጺ ስእሊ, ስርዓተ ጸሎት በዓል ቅዱስ የውሃንስ ኣብ ቤተክርስትያን ኤርትራውያን ካቶሊክ ናይሮቢ ኬንያ

ገዛኻ ብዝተፈላለዩ ነገራት ብምውቃብ፡ ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ሰቲ-ሰምሃልን ዕምበባ መስቀል ሒዝካ ምውጻእን ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ልምዲ እዩ።

ምሸት ድማ ሽግ ወሊዕካ "ዕልል መስከረም ኣትዩ" እናተባህለ ይዝመር።

ኣከባብራ ሓድሽ ዓመት፡ ከከም ባህሊ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈላለየ ዓይነት ጽምብል ክህልዎ ይኽእል።

ኣብ ገሊኡ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ሆያ ሆየ ብምባል ክረምቲ ምዝዛሙ የበስሩ።

ኣብ ትግራይ፡ ኣሸንዳ፡ ኣብ ሰቘጣ ሻደይ፡ ኣብ ላሊበላ፡ ኣሸንድየ ተባሂሎም ዝበዓሉ በዓላት'ውን ምምጻእ ሓድሽ ዓመት ዘመልክቱ እዮም።

ኢትዮጵያውያን ተኣኪቦም ምጅማር ሓድሽ ዓመት፡ ብሓጐስን ፍቕርን "እንቋዕ ኣብጽሓኩም፡" እናበሉ እቶም ዝመጽኡ 13 ኣዋርሕ ሰናይ ንክዀኑ ነንሕድሕዶም ሰናይ ትምኒቶም ይለዋወጡ።

ካልኦት ሃገራት ከ ሓድሽ ዓመተን ብኸመይ የብዕላ?

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ሓድሽ ዓመቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን የብዕሉ።

ብዙሓት ምዕራባውያንን ምስአን ምትእስሳር ዘለወን ሃገራትን ኣብ ጥሪ ሓድሽ ዓመት ከብዕላ እንከለዋ፡ ገለ ሃገራት ኤስያ ድማ ሓድሽ ዓመት ብዝተፈላለየ መገዲ የብዕላ።

ኢራን ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ናይ ገዛእ ርእሰን ስርዓተ ኣቈጻጽራ ዘለወን ሃገራት ዓለም ኰይና፡ ሓድሽ ዓመት ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብዝተፈለየ መገዲ ተብዕሎ።

ኢራን ጸሓያዊ ሕጅሪ ክትክተል እንከላ፡ ኵሉ ግዜ ሓድሽ ዓመት ኣብ መጋቢት እያ እተብዕል።

ቻይና'ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ስርዓት ኣቈጻጽራ ኣለዋ፤ እዚ ድማ ኣቈጻጽራ ሉናር ይበሃል።

ሓድሽ ዓመት ቻይና ዝኽበረሉ ወርሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝቕየር እኳ እንተዀነ፡ ሓድሽ ዓመት ግን ኣብ ለካቲት እዩ ዝኽበር።

ካልእ ኣብ ለካቲት ሓድሽ ዓመት እተብዕል ሃገር ሰሜን ኮርያ እያ።

እዛ ናብ ምዕራባውያን እትቐርብ ሃገር፡ ሶላል ዝበሃል ናይ ገዛእ ርእሳ ኣቈጻጽራ እያ እትኽተል።

ዝትኮስ ርችት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልእ ኣብ ኤስያ እትርከብ ሃገር ህንዲ፡ ኣብ ሚያዝያ ሓድሽ ዓመታ ተብዕል።

በብዓመቱ ኣብ ጥቅምቲ ሓድሽ ዓመት እትጅምር እስራኤል፡ ኣቈጻጽራ እብራይስጢ ትኽተል።

ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ኣብ መላእ ዓለም ርችት ምውላዕ ልሙድ ትርኢት ኰይኑ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ዓበይቲ ምርኢታት ርችት ኣብ ፍርቂ ለይቲ እዮም ዝካየዱ።

ኣብ ኒውዚላንድ፡ ኦክላንድ ስካይ ታወር መብዛሕትኡ ግዜ መስተንክር ምርኢት ርችት ዝካየደሉ ቦታ እዩ።

ኣብ ኣውስትራልያ ብተመሳሳሊ ዓቢ ምርኢት ርችት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲድኒ ይካየድ።

ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ኣብ ኣደባባይ ናታን ፊሊፕስ ሰማይ ብርችት ይበርህ፤ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ብራዚል ድማ ፍሉጥ ገማግም ባሕሪ ኮፓካባና እታ ከተማ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ይበርህ።

ኣብ ዴንማርክ ኣብ እዋን ጽምብል ሓድሽ ዓመት ቢያቲ ምስባር ልሙድ እዩ።

ዴንማርካውያን ሰናይ ሓድሽ ዓመት ንምምናይ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ኣፍደገ ገዛኦም ቢያቲ ይሰብሩ።

እዚ ልምዲ ኣብ ኣፍደገ ዓርክን ዘመድን ከይድካ ሸሓነ ብምስባር ንመጻኢ 12 ኣዋርሕ ሰናይ ትምኒት ምግላጽ እውን ይከኣል እዩ።

ብርስን ምብላዕ

ዝበሰለ ብርስን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ብራዚል ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ብርስን ምብላዕ ከም ምልክት ጽቡቕ ዕድል ኰይኑ፡ ሓድሽ ዓመት ብዙሕ ገንዘብ ዝርከበሉ ክኸውን ዘለካ ሰናይ ትምኒት ንምግላጽ ይውዕል።

ኵዕሶ ምድርባይ

ኣብ ኒውዮርክ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብፍጹም ዝተፈልየን ድሙቕን ኣገባብ እዩ ዝኽበር።

11 ፓውንድ ዝምዘን ኵዕሶ ኣብ ነዊሕ ናይ ሓጺን ዓንዲ ብምንጥልጣል፡ እቲ ኣረጊት ዓመት ክውዳእ ሓደ ደቒቕ ክተርፎ እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ቀስ እናበለት ትወርድ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ተዓዘብቲ ድማ፡ ምምጻእ ሓድሽ ዓመት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ንታሕቲ ብምቝጻር የብዕሉ።

ልክዕ ፍርቂ ለይቲ፡ ሰዓት ሽዱሽተ ምሸት፡ ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ርችት ይትኰስ።

እዚ ዓቢ ጽንብል ምውዳቕ ኩዕሶ ከም መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ይቝጸር።

ኣብ ስጳኛ፡ ሰባት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝኣትወሉ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ፍረ ወይኒ ይበልዑ።

እዚ ድማ፡ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ነገር ሒዙ ክመጽእ ይገብር እዩ ተባሂሉ ይእመን።

ኣብ ከም ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ዝበላ ሃገራት ድማ፡ ሓድሽ ዓመት ንምጅማር ደወል ይድወል።

ኣብ ጃፓን፡ 108 ግዜ ደወል ይድወል።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣየድልዩን ዝበሃሉ ኣቑሑ ኣውጺእካ ብምድርባይ ብሓድሽ ኣቕሓ ሓድሽ ዓመት ምቕባል ዝተለምደ እዩ።