ኣብ ኢድ ሊቨርፑል ክትኣቱ ሓንቲ ቅላዕ ዝተረፈታ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ

ደገፍቲ ሊቨርፑል

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ ክሪስታል ፓላስ ብክለተ ሸቶታት ማዕረ ዝወጸት ኣርሰናል ነታ ክትምነያን ሃረር ክትብላን ዝጸንሐት ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ዳርጋ ጠቕሊላ ክትቀብጻ'ዩ ገይሩዋ።

መዳፍዕ ኣርሰናል ናብ ልዳት ካብ ምትኳስ ዓዲ ምውዓሎም ድማ ነታ ብ79 ነጥቢን ተወሳኺ ሓደ ግጥምን ነቲ ሊግ ትመርሖ ዘላ ሊቨርፑል ዓቢ ዕድል ፈጢሩላ ኣሎ።

ጽባሕ ሰንበት ኣብ ሜዳኣ (ኣንፍፊልድ) ምስ ቶተንሃም (ሆትስፐርስ) ክትራኸብ ትዳሎ ዘላ ሊቨርፑል፡ ንዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ኣብታ ምሸት ንክትዓትራ ክትስዕር'ውን ኣየድልያን'ዩ።

ማዕረ ብምውጻእ ሓንቲ ጥቢ ጥራይ እንተረኺባ ኣኸለ- ቀያሕቲ ሊቨርፑል ኣብቲ ፍሉይ ስታድዩም ምስ ፍሉያት ደገፍቶም ዝተጓናጸፍዎ ዓወት ክጽንብሉ እዮም።

እታ ካብ 34 ግጥማት 67 ነጥቢ ጥራይ ኣዋህሊላ ዘላ ኣርሰናል፡ ዝተረፋ ኣርባዕተ ግጥማት ኣብ ኩለን ዋላ ትስዓር ንሊቨርፑል ከተርክባ ኣይትኽእልን'ያ- 79 ነጥቢ ጥራይ'ያ ከተዋህል ትኽል።

ደጊም ኣርሰናል ንፕሪምየር ሊግ 'ቻው' ኢላ ናብቲ ዝጽበያ ዘሎ ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ ምስ ፒ-ኤስ-ጂ ዝካየድ ሓያል ቀዳማይ እግሪ ግጥም ፍርቂ-ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ጥራይ'ያ ከተቋምት ዘለዋ። ኣብዚ ውድድር'ዚ ተዓዊታ እንተወጺኣ'ኳ ደገፍታ ነቲ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዘጋጠማ ፍሽለት ዘይክዝክርዎ ይኽእሉ'ዮም።

ሊቨርፑል ነዛ ዋንጫ ብምዕታር ማዕረነታ ንምርግጋጽ ኣብ ቅድሚ'ታ 20 ዋንጫታት ናይቲ ሊግ ብምውናን ትመርሕ ዘላ ማንቸስተር ዩናይትድ ክትግተር እያ ትጽበ ዘላ። ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ዩናይትድ ዝነበረ ሰር ኣሌክስ ፈርግሰን ፈለማ ናብ ኦልድትራፈርድ ምስ መጸ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ነታ ሽዑ ብብዚ ዋናጩ ፕረምየር ሊግ ትመርሕ ዝነበረት ሊቨርፑል 'ካብቲ ዝተኾደመቶ ምዕላዋ'ዩ' ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ዘይርሳዕ'ዩ።

ናይ ሕጂ ዓወት ሊቨርፑል ፍሉይ ዝገብሮ ግን፡ ንሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ሆላንዳዊ ኣርነ ስሎት ኣብ ፈላሚ ዓመቱ ዝጓናጸፎ ምዃኑ'ዩ። ስሎት፡ ነቲ ናይ ፕሪምየር ሊግን ቻምፕዮንስ ሊግን ዝርከቦ ሓያለ ዋንጫታት ዓቲሩ ብፍቓዱ ዝተሰናበተ ህቡብ ኣሰልጣኒ ነበር የርገን ክሎፕ ተኪኡ ነዚ ዓወት'ዚ ምብቅዑ ልዑል ኣድናቖትን ናእዳን ኣትሪፉ'ዩ።

ሊቨርፑል ነታ ኣብ ዓመተ-ውድድር 2019-2020 ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ነዊሕ ትጽቢት ዝወሰደታ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ብሰንኪ ዕጽዋታትን እገዳታትን ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝግባእ ክትጽንብላ ኣይክኣለትን። ኣብ ጥርሑ ስታድዮም'ያ ነታ ዋንጫ ተቐቢላታ ነይራ።

ስለዚ ድማ'ዩ ኣንፊልድ፡ ከምኡ'ውን ከተማ ሊቨርፑል ብዓባያ ሰንበት በቲ ሓያል ድምጺ ደገፍቲ ሊቨርፑል ክትናወጽን ሰማያታ ብጽዑቕ ቀይሕ ትኪ ክዕብሎኽን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ።

ኣርነ ስሎት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋላ'ኳ ነቲ ሊግ ንሓያለ ዓመታት ዓብሊላቶ ዝጸንሐት ብፐፕ ጓርድዮላ ትምራሕ ማንቸስተር ሲቲ ደስኪላ፡ ኣርሰናል'ውን ዛሕቲላ፡ ንሊቨርፑል ዕድል እንተተኸፍተላ፡ ሰፊሕ ናይ ሸቶታት ጋግ ምፍጣራ መርኣያ ብቕዓታ እዩ። ምስተን ቀንዲ መቐናቕንታ ዝኾና ጋንታታት ክትነጻጸር እንከላ'ውን ውሑዳት ተጻወትታ ጥራይ'ዮም ብሰንኪ መጉዳእቲ ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም።

ንፈለማ እዋን ጥቓ ዓወት ምቕራቡ ዝተኣመነ ኣሰልጣኒ ኣርነ ስሎት፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ጋንትኡ እንተወሓደ ነታ ተድልያ ሓንቲ ነጥቢ ብምውሓስ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ብዓወት ኣብ ሜዳኣ ክትዛዝሞ "ዓቢ ሓላፍነት" ከምዘለዋ ተዛሪቡ'ሎ።

"ፈለማ ዓቢ ሓላፍነት'ዩ፡ ምኽንያቱ፡ እታ ክለብ ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ሊግ ኣብ ዝወሰደትሉ እዋን ኮቪድ'ዩ ነይሩ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ናብ ሰንበት'ዩ ዝጥምት ዘሎ። ግና፡ እንተወሓደ ሓንቲ ነጥቢ ንምርካብ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ" ኢሉ።

ንሓደ ዓመት ጥራይ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዝሰርሐ ስሎት፡ ብዛዕባ ብቕዓት ናይቲ ሊግን ጋንታታቱን ዘለዎ ናእዳ'ውን ገሊጹ'ሎ።

እታ ካብ 2011 ጀሚራ ካብ ኣንፊልድ ተዓዊታ ዘይተመልሰት ቶተንሃም ነቲ ብዙሓት ዝጽበይዎ ዘለዉ ጽንብል ከተናውሖን ናብ ካልእ ቦታ ከተሰጋግሮን ትኽእልዶ ይኸውን? ሜዳ ኣንፊልድ፡ መሓመድ ሳላሕ፡ ቪርጂል ቫን ዳይክን ወይ ድማ ትረንት ኣለክሳንደር-ኣርኖለድን ዝፈርዱዎ'ዩ ክኸውን።

ዝኾነ ክኸውን ግን፡ ተንታኒ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ክሪስ ሳተን፡ ተልእኾኣ ኣብ ሜዳኣ ንምፍጻም ሊቨርፑል 4 ብ 1 ስዒራ ክትወጽእ ምዃና ግምቱ ሂቡ'ሎ። ንስኹምከ እንታይ ትብሉ?