380 ሚልዮን ዓመታት ዝገበረ ልቢ ዓሳ ተረኺቡ

ተመሲሉ ዝተሰኣለ ጎጎ ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, PALEOZOO

መግለጺ ስእሊ, ተመሲሉ ዝተሰኣለ ጎጎ ዓሳ

ተመራመርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቅድመ-ታሪኽ ዝነበረ ቅሪተ-ኣካላት ዝተዓቀበ 380 ሚልዮን ዓመታት ዝዕድመኡ ልቢ ዓሳ ረኺቦም።

እቲ መርመራ፡ ኣብ ፍልቀት ናይቲ ደም ዝጭንጉዕ ኣካል፡ ኣብ ኵሎም ዓጽሚ ሕቘ ዘለዎም እንስሳታት፡ እንተላይ ኣብ ደቂ ሰባት ዝርከብ ወሳኒ ህሞት ከም ዝሓዘ ይዛረቡ።

እቲ ልቢ ናይ ሓደ ጎጎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓሳ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን እቲ ዓሳ ጸኒቱ እዩ።

እዚ ኣብ መጽሔት ሳይንስ ዝተሓትመ "ዘደንጹ" ርኽበት፡ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ'ዩ ኣጋጢሙ።

እታ መሪሕ ሳይንቲስት፡ ፕሮፌሰር ኬት ትሪናጅስቲክ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፐርዝ፡ ንሳን መሳርሕታን ኣብ ህይወቶም ዝዓበየ ርኽበት ከም ዝገበሩ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ልቢ ከምዝረኸብና ምስፈለጥና ዳርጋ ክንኣምኖ ኣይከኣልናን! ንምእማኑ ዘጸግም መሳጢ እዩ ነይሩ" ትብል።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ናብ ቅሪተ-ኣካላት ዝቕየሩ ልስሉሳት ቲሹታት ዘይኰነስ ኣዕጽምቲ እዮም። ኣብዚ ቅርጺ ኻውሕ ጎጎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ግን ማዕድናት ንብዙሓት ውሽጣዊ ኣካላት ዓሳ፡ እንተላይ ጸላም ከብዲ፡ ከብዲ፡ መዓንጣን ልብን ዓቂቦም ይርከቡ።

ኣብ ኣውስትራልያ ተዓቂቡ ዝተረኸበ

ምንጪ ስእሊ, JOHN LONG

ፕሮፌሰር ትሪናጅስቲክ፡ "እዚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ፍልቀት ወሳኒ ህሞት'ዩ" ኢላ።

"ኣዝዩ ብኣግኡ ከም ዝማዕበልና ዘርኢ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብዞም ቅሪተ-ኣካላት ንመጀመርታ ግዜ ኢና ንርእዮ ዘለና።"

ተሓባባሪኣ ፕሮፌሰር ጆን ሎንግ፡ ነቲ ርኽበት "ኣእምሮኻ ዝምስጥ፡ ኣፍካ ዘኽፍት" ክብል ገሊጽዎ።

"ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ክንድዚ ነዊሕ ዝጸንሐ ልስሉስ ኣካላት እንስሳታት ዝፈለጥናዮ ነገር ኣይነበረን" ኢሉ።

ዓሳ ጎጎ ካብቶም ቅድመ ታሪኽ ዝነበሩ ፕላኮደርምስ ዝበሃሉ ደርቢ ዓሳታት እቲ ቀዳማይ እዩ። እዚኦም እቶም ናይ መጀመርታ መንጋጋን ኣስናንን ዝነበሮም ዓሳታት እዮም። ቅድሚኦም ዓሳታት ካብ 30 ሴንቲ ሜተር ዘይነውሑ እኳ እንተነበሩ፡ ፕላኮደርም ግን ክሳብ ትሽዓተ ሜትሮ ንውሓት ክዓቢ ዝኽእል ነይሩ።

ፕላኮደርምስ ን60 ሚልዮን ዓመታት ዓብላሊ ህይወት እታ ፕላኔት ኰይኑ፡ ቅድሚ እቶም ቀዳሞት ዳይኖሰራት ኣብ ምድሪ ምጕዓዞም ልዕሊ 100 ሚልዮን ዓመታት ዝጸንሑ እዮም።

ስካን ናይቲ ቅሪተ-ኣካላት ዓሳ ጎጎ ከምዘርእዮ፡ ልቡ ካብቲ ካብ ቀዳሞት ዓሳታት ትጽቢት ዝግበረሉ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ እዩ። ብኣቃውማ ምስ ልቢ ወዲ ሰብ ዝመሳሰል ክልተ ዝተደራረበ ክፍልታት ነይርዎ።

እዚ ንልቢ ናይቲ እንስሳ ዝያዳ ውጽኢታዊ ከም ዝገብሮን ካብ ቀስ ኢሉ ዝንቀሳቐስ ዓሳ ናብ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ዝገብር ሃዳኒ ዝቐየሮ ወሳኒ ስጕምቲ ምዃኑን እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

"እዚ ልዑል ሃዳኒ ክኸውን ዝኽእለሉ መገዲ እዩ ነይሩ" ይብል ፕሮፌሰር ሎንግ።

እቲ ካልእ ኣገዳሲ ትዕዝብቲ ድማ፡ እቲ ልቢ ካብቶም ዝያዳ ቀዳሞት ዓሳታት ኣዝዩ ዝቐደመ እዩ ነይሩ።

እዚ ኣቀማምጣ እዚ ምስ ምምዕባል ክሳድ ዓሳ ጎጎ ዝተኣሳሰርን ኣብቲ መስመር ፍልቀት ንምምዕባል ሳንቡእ ቦታ ከምዝፈጠረን ይግመት።

ቅሪተ ኣካል ዓሳ ጎጎ

ብፕላኮደርምስ መራሒ ዓለም ዝዀነት ካብ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ለንደን ዶክተር ዘሪና ጆሃንሰን፡ ነቲ መጽናዕቲ፡ ኣካላት ወዲ ሰብ ስለምንታይ ከምቲ ሕጂ ዘለዎ ከምዝኾነ ንምግላጽ ዝሕግዝ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ርኽበት" ክትብል ገሊጻቶ።

"መብዛሕትኦም ትርእይዎ ዘለኹም ነገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣካላት ኣለዉ፤ ንኣብነት መንጋጋን ኣስናንን። ናይ ቅድሚት ክንፊ ናይ ድሕሪት ክንፊ፣ ኣብ መወዳእታ ናብ ቅልጽምን እግርን ዝማዕበለ እዩ።"

"ኣብዞም ፕላኮደርምስ፡ ከም ክሳድ፡ ቅርጽን ኣቀማምጣን ልብን ዝበሉ ናብ ገዛእ ርእስና ዝማዕበሉ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ።"

እዚ ርኽበት ኣብ ፍልቀት ህይወት ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሕቶታት ዝምልስ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ካብቲ ኣውስትራልያዊ ጕጅለ ምርምር ነጻ ዝዀነ ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ዝሰርሕ ክኢላ ፕላኮደርም ዶክተር ማርቲን ብራዞው ይዛረብ።

"እዚ ውጽኢት ምርኣይ ናይ ብሓቂ ዘሐጕስ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ኣነን መሳርሕተይን እነጽንዖም ዘለና ዓሳታት ኣካል ፍልቀትና እዮም። እዚ ኣካል ናይቲ ሎሚ ኣብ መሬት ዝነብሩ ደቂ ሰባትን ካልኦት እንስሳታትን ከምኡ’ውን ኣብ ባሕሪ ዝነብሩ ዓሳታትን ፍልቀት'ዩ።"