ኢትዮጵያ፡ ፈረስ ንጽዕነት ምጥቃም 60 ሽሕ ብር እትቐጽዕ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምምሕዳር ከተማ ፊቼ ፈረስ ንኣገልግሎት ጽዕነት ምጥቃም ብገንዘብ ዘቕፅዕ ተግባር ክኸውን እዩ ተባሂሉ።
ነቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ግብሪ ዝውዕል መምርሒ ጥሒሱ ፈረስ ከም ጎታቲ ዓረብያ ዝጥቀም ሰብ 60 ሽሕ ብር ከምዝቕጻዕ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ’ሎ።
እዚ ውሳነ ዝተወሰደ ድማ ፈረስ ኣብ ባህሊ ኦሮሞ ንዘለዎ ክብርን ደረጃን ብዘውርድ ኵነታት ስቓይ ይወርዶ ስለዘሎ እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ናይ እትርከብ ከተማ ፊቼ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ዝዀነ ኣቶ ኣበራ ደጀኔ "ፈረስ፡ ዓረብያ ክጐትት የብሉን። ፈረስ ክብሪ ኣለዎ፤ ኣብ ባህሊ ኦሮሞ ዓቢይ ቦታ ኣለዎ። ኣብ ዘይግባእ ቦታ ክርከብ የብሉን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣቶ ኣበራ ወሲኹ፡ "[ህዝቢ] ኦሮሞ ንፈረስ ልክዕ ከም ቈልዓ ውላድ፤ ብሌን ዓይኑ ብምርኣይ እናተኸናኸነ ክጥቀም እዩ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋን ግን ከምቲ ንርእዮ ዘለና ንዘይግቡእ ንጥፈታት ይውዕል ስለዘሎ ዝተፈላለየ መጕዳእቲ ይወርዶ ኣሎ" ኢሉ።
ንሱ ከምዝበሎ እቲ ፈረስ ዓረብያ ክጐትት የብሉን ዝብል ሕጊ ዝተዳለወ፡ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን እቲ ዞባ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ኣቦ ገዳታት (ባህላዊ መራሕቲን ዓበይቲ ዓዲን ኦሮሞ) ከምኡ’ውን ሃደ ስንቄታትን (ኣደታት ኦሮሞ) ሽማግለታትን ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ምምሕዳር እታ ከተማ ነዚ መምርሒ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ግብራዊ ክገብር እዩ። ብመሰረት እዚ ኣብ ፈረስ ዓረብያ ኣሲሩ ዝተረኽበ ሰብ 60 ሽሕ ብር ክቕጻዕ እዩ።
ንኣፍራስ ጽዕነት እናጸዓኑ መነባብሮኦም ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት ነቶም እንስሳት ዝገብሩሎም ክንክን "ኣዝዩ ዝወረደ እዩ" ይብል ኣቶ ኣበራ።
“ተጠቒሞምሉ ምስ ኣረገን ዓቕሚ ምስ ሰኣነን ኣውጺኦም ይድርብይዎ። እዚ ድማ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ፈረስ ዘለዎ ክብርን ስርዓትን ዘጥፍእ እዩ" ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።
ዕጫ ሰብ ዓረብያ (ጋሪ) እንታይ እዩ?
ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ፊቼ ኣስታት 234 ብፈረስ ዝስሓባ ዓረብያታት ኣለዋ።
ኣቶ ኣበራ ምምሕዳር እታ ከተማ ብዛዕባ እቲ ኣፍራስ ንኣገልግሎት ዓረብያ ምጥቃም ዝኽልክል መምርሒ ምስ ወሃብቲ ኣገልግሎት ከምዝተዘራረበ ይገልጽ።
“ኣገልግሎት ዓረብያ ፈረስ ንዝህቡ ሰባት ኣኪብና ግንዛበ ክህልዎም ሰሪሕና ኢና። ኣብቲ ጉዳይ እውን ተሰማሚዕና ኣለና” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ከምዝበሎ ኣብ ስራሕ ዓረብያ ፈረስ ዝተዋፈሩ ሰባት እቲ መምርሒ ቅድሚ ግብራዊ ምዃኑ ኣብ ዘለዋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘፈር ስራሖም ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም።
"እቲ ሓደ ኣማራጺኦም ነታ ብፈረስ እትስሓብ ዓረብያ ናብ ብኣድጊ እትስሓብ ዓረብያ ምቕያር'ዩ" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ነቶም ወነንቲ ዓረብያታት ብምውዳብን ቀረብ ገንዘብ ብምምችቻእን ናብ ዘመናዊ ወሃቢ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምስግጋር ካልእ ኣማራጺ ምዃኑ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







