መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ብቕልጡፍ ክኸፍል ተሓቲቱ

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, @FLYETHIOPIAN

ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር (IATA)፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ናይ ካልኦት መንገዲ ኣየራት 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ብቕልጡፍ ክኸፍል ሓቲቱ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ልዕሊ 180 ሚልዮን ዶላር ዘይተለቐቐ ገንዘብ ከምዘለዎ ሓቢሩ ኣሎ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣይተ መስፍን ጣሰው፡ "ክሳብ ሎሚ ክነንቀሳቕሶ ዘይከኣልና ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተዋህለለ 180 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ኣለና። ነቲ ውዙፍ ገንዘብ ምንቅስቓስ ነቲ መንገዲ ኣየር ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ" ክብል ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከብ ገንዘቡ ክልቀቐሉ ምግባር ከምዘይከኣለ ዝገልጽ ሰፊሕ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ክቐርብ ፀኒሑ’ሎ።

ውህሉል ገንዘቡ ኣብ ከም ናይጀርያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ዝርከብ ዝተገለፀ ኮይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ግን፡ ኣብ ኣየኖት መንገዲ ኣየራት ገንዘቡ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣይተነፀረን።

ኣስታት 300 መንገዲ ኣየራት ዘጠቓለለ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ዓለም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ናይ ኣየር መጓዓዝያ ዘለዋ ምትእስሳር ኣብ ሓደጋ ንከይወድቕ ዘለዋ 95 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ብቕልጡፍ ክትከፍል ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቡ።

ገንዘብ ካብ ካልኦት መንገዲ ኣየራት ብእዋኑ ምፍናው ብዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝተረጋገፀ ምዃኑ ዘዘኻኸረ እቲ ማህበር፡ “ንዓለም ብመጓዓዝያ ኣየር ንምትእስሳር እዚ ስምምዕ ክኽበር ኣለዎ” ኢሉ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ዊሊ ዋልሽ “መንግስቲ ኢትዮጵያን ማእኸላይ ባንክን ንኢንዱስትሪ ኣቬሽን ዝወሓደ ዶላር ምምዳቦም እቲ 95 ሚልዮን ዶላር ካብ ሃገር ንኸይወፅእ ዝኽልክል እዩ” ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

"እዚ ልክዕ ዘይኮነ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ" ዝበለ ዊል ዋልሽ፤ እዚ ድማ እቲ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዝድግፍ ዘሎ መንገዲ ኣየር ዘምፅኦ ዘሎ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ዝገብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ስለዚ ኢትዮጵያ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ተገዛኢት ብምዃን ነቲ ፀገም ብቕልጡፍ ክትፈትሕ ከም ዝግባእ ሓቢሩ።

እቲ ማሕበር፡ ኢትዮጵያ ዕዳኣ ክትከፍል ካብ ምሕታት ወፃእ ብዛዕባ እታ ሃገር “ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘይተቐበልክዎ ውህሉል ገንዘብ ኣለኒ” ትብሎ ዘላ ዋላ ሓደ ኣይጠቐሰን።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣይተ መስፍን ጣሰው፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ርኡይ ዕብየት እናመዝገበ ከምዝመፅአ ይዛረብ።

“ኣብ መወዳእታ እዚ በጀት ዓመት 1.6 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክንረክብ ትፅቢት ኣለና። እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣፈፃፅማና እንትነፃፀር ብ20 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣለዎ” ይብል እቲ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ መንገዲ ኣየር ካብ ዝፍትኑ ነገራት እቲ ሓደ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተዋህለለ ገንዘብ ክልቀቕ ዘይምኽኣሉ ምዃኑ ይግለጽ።