ቅሉዕ ዕላል ኣቦን ጓል ኣብ ጾታዊ ጉዳያት

መግለጺ ቪድዮ, ግልጽነት ዝተመልኦ ዕላል ጾታዊ ጉዳያት ኣቦን ጓልን ኣብ ቲክቶክ
ቅሉዕ ዕላል ኣቦን ጓል ኣብ ጾታዊ ጉዳያት

ለለዳ ዮሃንስ ባራኺ ካብታ ክልተ ኣዋልድ ዘፍረየት ስድራቤት ምንኣስ ቦኽሪ እያ። እዛ ጓል 20ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ንዝኣከበቶ ፍልጠት ኮነ ተሞኩሮ ንኻልኦት ብምክፋል እትፍለጥን ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዋን ኣብነታዊት ጸላዊት እያ።

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተፈላልየ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ቪድዮታት ትዝርግሕ ለለዳ፣ ብፍላይ ምስ ኣቡኣ ኣቶ ዮሃንስ በራኺ ብዛዕባ እቶም ከም ሕንኪ ዝቝጸሩን ብዙሕ ዘይዝረበሎምን ጉዳያት ዝገብርዎ ዕላል ብዙሓት ይከታተልዎ።

ኣቡኡ ትነጥፈሉ ምኽንያት ሰባት እቲ ሓቀኛ ሂወት እንታይ ይመስል ክርእዩ ብምባል ፡ ንኹሉ እቲ ኣብ ሂወታ ዘጋጥማ ፈተናታትን ዕድሎታትን፣ ትሕጎሰሉ ኣጋጣሚታት፣ ዝኸበዳ ሽግራት ኮታስ እቲ ንማንም ወድ ሰብ ዝገጥሞ ፈተና ብምዝርጋሕ እያ ፈሊማቶ።

ለለዳ ምስ ኣቡኣ

ምንጪ ስእሊ, LELEDA