ኣይኤምኤፍ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ከምዝውንጨፍ ዝገልጽ ትካል ገንዘብ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸብጻብ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ) ከም ዘመልክቶ ኣንጎላ፣ ናይጄርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኬንያን ኢትዮጵያን፡ ልዑል ቁጠባዊ ምዕባለ ንምምዝጋብ ዝሕምበባ ዘለዋ ሃገራት እየን።
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ናይጄርያ ቀጺላ ዝለዓለት ኣፍራዪት ነዳዲ ዝኾነት ኣንጎላ፡ ኣብዚ ዝተጀመረ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ጥቕሉል ሃገራዊ ምህርታ (ጂዲፒ) ብ 8.6 ምኢታዊት ከምዝዓቢ ትንበያ እቲ ትካል የረድእ።
ጥቕሉል ሃገራዊ ምህርታ 422 ቢልዮን ከም ዝበጽሕ ዝተገመተ ናይጄርያ እውን ዓቢ ቁጠባዊ ምዕባለ ከምእተመዝግብ ኣይኤምኤፍ ገሊጹ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ንኬንያ ብምትካእ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት፡ ራብዓይቲ ዝለዓለ ጥቕሉል ሃገራዊ ፍርያት ዘለዋ ሃገር ከምእትኸውን ኣይኤምኤፍ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ዓመት ጥቕሉል ሃገራዊ ምህርቲ ኢትዮጵያ ብ 13.5 ምኢታዊት ብምስሳን 126.2 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ እዩ።
ኰይኑ ግና ንኢትዮጵያ ዝምልከት ግምት ኣይኤምኤፍ ኣብ ብዙሓት ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።
ዋላኳ እታ ሃገር ካብ ኲናት ሓድሕድ ትወጽእ እንተሃለወት፡ ሕዚ እውን ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ብዘጋጥሙ ጎንጺታት ትሕመስ ብምህላዋ፡ ቁጠባኣ ብኸመይ ክዓቢ ይኽእል ዝብል ናይ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ።
ንምዃኑ ኣይኤምኤፍ መን እዩ? መረዳእታ ካበይ እዩ ዝረክብ? ነዚ ትንበያ ኸ ሰብ ሞያ ከመይ ይርእይዎ?
ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይኤምኤፍ) መን እዩ?
ትካል ገንዘብ ዓለም፡ 190 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ እተን ኣባላት፡ ቁጠባ ዓለም ንምርግጋዕ ሓቢረን ዝሰርሓ እየን።
ውሑዳት ጠለባት እቲ ትካል እተማልእ፡ ዝኾነት ሃገር ብኣባልነት ዝቕበል ኮይኑ፡ ብኣባልነት ንምምዝጋብ ከም መጠን ቁጠባዊ ሃብተን ዝኸፍልኦ ክፍሊትን ኣሎ። ሃብታም ሃገራት ዝኸፍልኦ ገንዘብ ክብ ዝበለ እዩ።
እቲ ትካል ሰለስተ ዓበይቲ ዕላማታት ኣለዎ፤ ቁጠባውን ገንዘባውን ኩነታት ሃገራት ምክትታል፣ ሃገራት ከመይ ቁጠባዊ ዓቕመን ክዕብያ ከምዝኽእላ ምኽሪ ምሃብን ጸገም ንዘጋጠመን ሃገራት ልቓሕን ሓገዝን ምሃብን እዮም።
ትካል ገንዘብ ዓለም፡ ሃገራት ብዘዋጽእኦ ገንዘብ መሰረት እዩ ልቓሕ ዝህበን። ኣብ 2018 ኣርጀንቲና ካብ ኣይኤምኤፍ ዝረኸበቶ 57 ቢልየን ዶላር፡ ኣብ ታሪኽ፡ እቲ ትካል ዝሃቦ ዝለዓለ መጠን ልቓሕ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ናይ መወዳእታ ናይ ልቓሕ መቐነት ተገይሩ ዝቑጸር ትካል ገንዘብ ዓለም፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘጋጠመን ሃገራት ኣእዳወን ዝዝርግሓሉ ትካል እዩ።
በዓል ሞያ ቁጠባ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝኾነ ቤንጃሚን ፍሬድማን፡ ውጽኢታውነት እቲ ትካል ንምፍላጥ ቀሊል ከምዘይኮነ ይሕብር።
ነዚ ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ኢድ ኣእታውነት እቲ ትካል፡ 'ነገራት ኣመሓይሹ ድዩ ወይስ ኣጋዲዱ ዝብል ንምፍላጥ ከቢድ ምዃኑ እዩ' ይብል።
ኮይኑ ግና ገለ ምሁራት፡ እቲ ትካል ኣብ 1980ታት ንሜክሲኮ ከምኡ ድማ ኣብ 2002 ንብራዚል ዝገበሮ ድጋፍ፡ ፍቱን ምንባሩ ይጠቕሱ።
ኣይኤምኤፍ ልቓሕ ንምሃብ፡ ሃገራት ከማልእኦም ዘቕርቦም ጠለባት "ኣጸገምቲ" ተባሂሎም ክግለጹ ይስማዕ።
መንግስታት፡ ግብሪ ኮርፖሬት ከቕንሱ ከምኡ እውን ቁጠባኦም ንኣውፈርቲ ወጻኢ ክፉት ክገብሩ የገድድ እዩ ተባሂሉ እውን ይውቀስ።
እቲ ትካል ካብ መን እዩ ሓበሬታ ዝረክብ?
ጥቕሉል ሃገራዊ ምህርቲ (ጂዲፒ) ከም ሓደ ኣመላኻቲ ቁጠባዊ ዕብየት ከም ዝውሰድ ዝገልጽ በዓል ሞያ ቁጠባ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ፡ ንበይኑ ግን ሙሉእ ምስሊ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ከምዘየርእይ ይጠቅስ።
ከምቲ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ "ጸቕጢ ደም ጥራሕ ለኪዕና ጥዑይ እዩ ወይ ኣይኮነን" ዘይንብሎ "ጂዲፒ ንበይኑ ከም መለክዒ ክንወስዶ ኣይግባእን" ይብል።
ፋይናንሳዊ ኩነታት እታ ሃገር፣ ናይ ውልቂ ዘፈር ሃብቱ ብነጻነት ናይ ምውፋር ዓቕሙ፣ ውሕስነት ምግቢ፣ ብቑዕ መሰረተ ልምዓትን ብነጻነት ዝዓዩ ትካላትን ምህላዎም ምግምጋም ከምዘድሊ እውን ይጠቅስ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ መጽናዕቲ ብሰብ ሞያ ከምዝካየድ ዝገልጽ ዶክተር ኣማኑኤል፡ በቶም ትካላት ገንዘብ ዝወሃቡ ገምጋማት ግን ዘይሻራውነቶም ኣጠራጣሪ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።
"ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ሰብ ሞያ እምበር ፖለቲከኛታት ኣይኮኑን። ኮይኑ ግና ከም ባንኪ ዓለምን ኣይኤምኤፍን ዝበሉ ትካላት ካብ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ነጻ እዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ሓያላት ምዕራባውያን ሃገራት ጸቕጢ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ኣለወን።"
ዶክተር ኣማኑኤል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ኣብ ዝነበረሉ ካብ ምዕራባውያንን ትካላት ገንዘብን ዘጋጠሞ ጽዕንቶ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ቁጠባዊ ጉዳያት ብምትንታን ዝፍለጥ ተመራማሪ ትካል መጽናዕቲ ሳይንስ ኩዌት ዶክተር ኣየለ ገላን፡ ንጸብጻብ ኣይኤምኤፍ ብጥርጣረ ካብ ዝርእዩ ሓደ እዩ።
እቲ ምሁር ከምዝሕብሮ፡ ትካል ገንዘብ ዓለም ነቲ ሓበሬታ ካብ ኣባል ሃገራት ዝረኽቦ ኮይኑ፡ ነዚ መረዳእታ መርሚሩ እዩ ትንበያ ዘውጽእ።
ኣይኤምኤፍ ኮነ ባንኪ ዓለም፡ ኢትዮጵያ እትልእኾ ሓበሬታ ብዝምልከት፡ ብፍላይ ቅድሚ ምምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ዝነበረ ምምሕዳር ዘይረዳድኡ ከምዝነበሩ ዝገልጽ እቲ ተንታኒ፡ እዞም ዓለም ለኻዊ ትካላት ገንዘብ፡ ሃገራት ካብ ዝልእኸኦ መረዳእታ ክርሕቁ ከምዘይደልዩ ይጠቅስ።
ኣይኤምኤፍ፡ ኣብ 2021 ጥቕሉል ሃገራዊ ፍርያት ኢትዮጵያ (ጂዲፒ) ዝምልከት ትንበያ ከውጽእ ኣይክእልን ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ኲናት ነይሮም። ነቲ ኲናት ስዒቡ ዓለም ለኻዊ ትካላት ገንዘብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ይገብሩ ነይሮም።
ንጸብጻብ ኣይኤምኤፍ ብጥርጣረ ዝርእዮ ዶክተር ኣየለ ገላን፡ "እቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት፡ ብዙሓት ዜጋታት ሓገዝ ምግቢ ዝጽበዩ ምዃኖምን፡ ከብቲ ብድርቂ ይሞታ ምህላወንን ክትርእይ እንተለኻ፡ ናይታ ሃገር 'ጂዲፒ' ከመይ ኢሉ ብ 5 ምኢታዊት ይዓቢ ክትብል ይገብረካ" ይብል።
ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ብዘጋጠመ ጎንጺታት፡ ሓረስቶት ምህርቶም ክእክቡ ከምዘይከኣሉ ብምጥቃስ ጸብጻብ ኣይኤምኤፍ "ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየገናዘበ" ከምዝኾነ እቲ ምሁር ይሕብር።
ትካል ገንዘብ ዓለም፡ ቁጠባ ሃገራት ኣምልኪቱ ዓመታዊ ጸብጻባት ከምዝዝርግሕ ዝጠቅስ ዶክተር ኣየለ፡ ነቲ ጸብጻብ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ናብ ናይ ባዕሎም ረብሓ ከምዘዝርዎ ይምጉት።
"ቁጠባ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዕጽፊ ክዓቢ እዩ ኢልካ ምግማት እናተለመደ መጺኡ እዩ" ዝብል እቲ ምሁር፡ እዚ ነቲ ዝቐርብ መረዳእታ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምጽብጻብ ዝፍለጥ ጋዜጣ ቢዝነስ ደይሊ፡ ንኣይኤምኤፍ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ኣንጎላን ኢትዮጵያን ብቑጠባዊ ዕብየት ንኬንያ ክቕድማኣ ምዃነን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ቁጠባዊ ዕብት ኬንያ ካብ ኢትዮጵያ ምብላጹ ብዓንተውኡ "ድኽመት ቁጠባ ኢትዮጵያ ዘርእይ እዩ" ይብል ኣየለ።
ኢትዮጵያ ብበዝሒ ህዝቢ፣ ስፍሓትን ሓዊሱ ንኬንያ ከምእትበልጻ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ኣጠቓላሊ ምህርቲ ማዕረ ምዃኑ ቁጠባ ኬንያ ሓያል ምዃኑ ዘመልክት ከምዝኾነ እቲ ምሁር የረድእ።
"ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣታዊ እንተቀሚርካዮ፡ ቁጠባ ኬንያ ብዕጽፊ ይበልጽ ማለት እዩ። ብሓፈሻ ሃብቲ ዜጋታት ኬንያ ካብ ኢትዮጵያ ብዕጽፊ ይበልጽ ማለት እዩ። "
ኢትዮጵያ፡ ሃገራት ጉጅለ 20 ብዘዳልወኦ 'ኮመን ፍሬምወርክ' ኣቢላ ዕዳ ክቕነሰላ ዝሓተት ኮይና፡ እቲ ከይዲ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ተጓቲቱ እዩ።
ኣይኤምኤፍ ልቓሕ ቅድሚ ምፍቃዱ፡ ልቓሕ ሓተትቲ ሃገራት ካብ ኣለቃሕተን እፎይታ ክረኽባ ከምዘለወን እዩ ዝገልጽ። ኲናት ትግራይ ደው ምባሉ ስዒቡ ኣይኤምኤፍ ንኢትዮጵያ ልቓሕ ይህባ ዶ ይኸውን ዝብል አዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







