ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ንፈለማ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዋዕላ ጕጅለ-20 ከምዝይትሳተፍ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጸዓዱ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይስደዱ ኣለዉ ብዝብል ምኽንያት፡ ሃገሩ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ጉጅለ 20 ከም ዘይትሳተፍ ገሊጹ።
መራሕቲ ዓበይቲ ቍጠባታት ዓለም ኣብ ጆሃንስበርግ ክእከቡ ምዃኖም "ፍጹም ዘሕፍር'ዩ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ውሳነ "ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ክሪስፒን ፊሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕዉትነት ናይቲ ዋዕላ "ኣብ ሓንቲ ኣባል ሃገር" ዝድረት ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መድረኹ ሶሻል ትሩዝ "ዋዕላ ጕጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ ፍጹም ዘሕፍር'ዩ" ክብል ጽሒፉ።
"ኣፍሪካነርስ (ካብ ሆላንዳውያን ሰፋሮ ዝመጽኡ ሰባት፡ ከምኡ'ውን ፈረንሳውያንን ጀርመናውያንን ስደተኛታት) ይቕተሉን ይሕረዱን፡ መሬቶምን ሕርሻታቶምን ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይውሰድ ኣሎ፡" ክብል ጽሒፉ።
"እዚ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ዝቐጸለ ዝዀነ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ [ኣብቲ ዋዕላ] ኣይሳተፍን'ዩ።"
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን፡ ምጽናት ዓሌት ጸዓዱ ተፈጺሙ ዝብል ክሲ "ብሰፊሑ ጸለመን ብዘተኣማምን መርትዖታት ዘይተደገፈን፡" ክብል ይነጽጐ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምጽናት ዓሌት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ፖለቲካዊ ውድብ ኣብታ ሃገር የለን።
ንኣፍሪቃውያንን ብሓፈሻ ንማሕበረሰብ ጸዓዱ ዝውክሉ ውድባት ከይተረፈ ነዚ ኣገላልጻ ኣይቕበሉዎን።
ክሪስፒን ፊሪ ፡ ትራምፕ "ነቲ ሕሉፍ መሪር ታሪኽ መግዛእቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጠቒሙ፡ ገለ ቅልውላው የዳሉ ኣሎ..." ኢሉ።
ብተወሳኺ "ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስደት ጸዓዱ ከም ዘጋጠመ ዝሕብር ዝዀነ መርትዖ ከም ዘየለ" ብምግላጽ፡ "ደቡብ ኣፍሪቃ ብርግጽ ጸገማት ኣለዋ፤ ነዚ ድማ ክንገጥሞ ኣለና። ገበን ንኹሉ ሰብ ዝጸሉ ይመስለኒ፡ ዓሌቱ ብዘየገድስ" ኢሉ።
እቲ ዋዕላ ድማ "ብዘይ ኣመሪካ ክቕጽል'ዩ፡" እውን ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ ትራምፕ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍጹም ኣብ ጕጅለ 20 ክትኣቱ ከም ዘይብላን፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ንምክትል ፕረዚደንት ጄ.ዲ. ቫንስ ከም ዝውክል ገሊጹ ነይሩ።
ሕጂ ግን ዝዀነ ይኹን በዓል ስልጣን ኣመሪካ ከም ዘይሳተፍ ይገልጽ ኣሎ።
ዓመታዊ፡ ኣባል ሃገራት ጕጅለ 20 ነቲ ዋዕላ የአንግዳ፡ ኣጀንዳ ናይቲ ዋዕላ እውን የዳልዋ።
ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀጺላ ነዚ ዋዕላ እተአንግድ ሃገር ኣመሪካ እያ።
ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ጸዓዱ ኣድልዎ ትፍጽም ኣላ ክብል ብተደጋጋሚ ከሲሱ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዋይት ሃውስ ኣብ ምቕባል ስደተኛታት፡ ንጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቀዳምነት ክህብ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







