ግሪኽ፡ ቁጽሪ ምውታት ሓደጋ ባቡር 57 በጺሑ

ፊት ንፊት ዝተጋጨዋ ባቡራት ግሪኽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፊት ንፊት ዝተጋጨዋ ባቡራት ግሪኽ

ቀጽሪ ናይቶም ኣብቲ ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ዝሞቱ ሰባት ብውሕዱ 57 ከምዝበጽሐ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ሓንቲ ካብ መርመርቲ ግዳያት ሓደጋ ዝኸነት ኤለኒ ዛግሊዶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ካብ 57 ሬሳታት ዲ-ኤን-ኤ ከምዝተወስደ ተዛሪባ።

እቲ ሓደጋ፡ ክልተ ባቡራት ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ፊት ንፊት ብምግጫወን ዝሰዓበ'ዩ።

ሓንቲ 350 ሰባት ጽዒና ናብ ከተማ ተሰሎንቄ ትኸይድ ዝነበረት ናይ ህዝቢ ባቡር ብሰሉስ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓንቲ ናይ ጽዕነት ባቡር ተጋጭያ።

እቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ላሪሳ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ተገሊጹ።

እታ ናይ ህዝቢ ባቡር ካብ ገለርያ ውጽእ ምስ በለት'ያ ምስታ ናብታ ከተማ ትግስግስ ዝነበረት ባቡር ተጋጭያ።

በሰንኪ'ዚ፡ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ባጎኒታት ናይታ ህዝቢ ዝጸዓነት ባቡር ካብ መስመር ክወጻ ተገዲደን። ብፍላይ ኣብተን ክልተ ቀዳሞት ባርዕ ሓዊ ብምውልዑ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋ ሰብመዚ ገሊጾም።

እታ ካብ ርእሰከተማ ኣቴንስ ናብ ተሰሎንቄ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ ባቡር፡ ብዙሓት ካብ ዕረፍቲ ናብ ትምህርቶም ዝምለሱ ዝነበሩ ተምሃሮ ዝሓዘት ክትከውን ከምእትኽእል ይግለጽ ኣሎ። ከተማ ተሰሎንቄ ብዙሓት ተምሃሮ ዝነብሩላ ከተማ እያ።

እተን ናብ ኣንጻራዊ ኣንፈታት ዝጓዓዛ ዝነበራ ባቡራት ስለምንታይ ኣብ ሓደ መስመር ሓዲድ ይጓዓዛ ከምዝነበራ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪኽ ኪሪያኮስ ሚሶታኪስ፡ ገና እኹል መርመራ ከይተገብረ ጠንቂ ናይቲ ቀዛፊ ሓደጋ "ናይ ሰብ ጌጋ" እዩ ብምባል ምግላጹ ንብዙሓት ግሪኻውያን ኣቖጢዑ'ሎ።

ሓደ ሰራሕተኛ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መደበር ባቡር ምስቲ ሓደጋ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ። እቲ ውልቀሰብ፡ ዝፈጸሞ ጌጋ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ቴክኒካዊ ጸገማት ክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል ንዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ'ሎ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ኮስታስ ካራማንሊስ፡ "ንኽብሪ" እቶም ዝሞቱ ሰባት ክብል ካብ ምዝነቱ ክወርድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብዙሓት ቤተሰብ ግዳያት፡ ሬሳታት ንምልላይ ዲ-ኤን-ኤ ይህቡ ኣለዉ።

ነቶም ግዳያት ንምዝካር ኣብ ከተማ ላሪሳ ናይ ሽምዓ ዝኽሪን ጸሎትን ተኻዪዱ።

ኣዝማድ እቶም ግዳያት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖም ቁጠዐ ክገልጹ ተራእዮም።

ሓንቲ ካብቶም ንሬሳ ሓዋ ንምልላይ ዲ-ኤን-ኤ ክትህብ ናብ ቦታ ሓደጋ ዝመጸት መንእሰይ "ቀተልቲ" ክትብል ሰብመዚ ብሞት ሓዋ ተሓተትቲ ምዃኖም ከሲሳ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ዝርከብ መደበር ባቡር ሄለኒክ'ውን፡ ሓያለ ሰባት ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ግሪኽ፡ ብዓይኒ ምስ ሓደጋ ባቡር ዝተሓሓዝ መጠን ሞት ኣብ ዞባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ሃገር'ያ።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘጋጥሙ ሓደጋታት ብእግሮም ዝጓዓዙ ሰባት መስመር ባቡር ክሰግሩ ዝተሃርምሎም እዮም።