‘ናብ ሃገርካ ክትከይድ እንተዘይክኢልካ ብኸመይ ኢኻ ናጻ ክትኸውን እትኽእል?’ - ስደተኛ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ
‘ናብ ሃገርካ ክትከይድ እንተዘይክኢልካ ብኸመይ ኢኻ ናጻ ክትኸውን እትኽእል?’ - ስደተኛ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ

ካብ 2020 (ኣ.ኤ) ኣትሒዙ፡ ቁጽሪ ኣብ ስደት ዝነብሩ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። 310 ጋዜጠኛታት ኣብ ስደት ይርከቡ።
ኣብ ከም ኢትዮጵያ፣ ሩስያን ኣፍጋኒስታንን ዝበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝበጽሕ ጸቕጢ ሓይሉ ኣሎ።
ካብ ከም ኢራን ዝበላ ሃገራት'ውን ብዙሓት ተሰዲዶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክነብሩ ተገዲኦም ኣለው።
መብዛሕትኦም ክኣ፡ ማእሰርቲ፣ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ምፍርራሕን ዝተፈላለዩ ግህሰታት ኦንላይንን በጺሑዎም።