ጣልያን፡ ንሓማስ ሚልዮናት ዶላራት 'ኣዋጺእኩም' ዝተባሃሉ ትሽዓት ሰባት ተኣሲሮም

ሰማያዊት ዝሕብራ ናይ ፖሊስ መኪና

ምንጪ ስእሊ, Stefano Guidi/Getty Images

ፖሊስ ጣልያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣስታት 7 ሚልዮን ኤሮ ንሓማስ ክውዕል ኣዋጺእኩም ዝበሎም ትሽዓት ሰባት ቀይዱ።

ፖሊስ ጣልያን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ገንዘብ ንፍሊስጤማውያን ዝውዕል ሰባዊ ሓገዛት ብዝብል ጉልባብ ከምዝተዋጽአን፡ ኣብ ክንዲ ናብ ሰብኣዊ ረድኤት ግን ናብ ሰብ መዚ ዕጡቓት ሓማስ ይልኣኽ ምንባሩ መርትዖ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ፡ ነቶም ትሽዓት ሰባት ኣብ ዝቐየደሉ ልዕሊ 8 ሚልዮን ኤሮ ዝግመት ንብረት'ውን ከምዝሓዘ ሓቢሩ።

ፖሊስ እቶም ትሽዓት ጥርጡራት "ብፍሉይ ንግብረ ሽበራውያን ገንዘብ ብምምዋልን" ዝብል ክሲ ተመስሪትዎም ከምዘሎ'ዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ምቅያድ ስርሒት፡ ጉጅል ጸረ ግብረሽበራ፡ ፖሊስን ፋይናስያዊ ፖሊስ ጣልያንን ብሓባር ከምዘካድዎ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የነጽር።

እቲ መርመራ ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡብ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ጀሚሩ ክካየድ ከምዝጸንሓ ተሓቢሩ።

ፖሊስ ድሕሪ እቲ ናይ ሓማስ መጥቓዕቲ፡ ገለ ካብቶም ነቲ ናይ 7 ጥቕምቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት ሓማስ ዘሳተፈ ሓያለ ምስግጋራት ናይ ሰልዲ ምስ ተራእየ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ናይ ሰልዲ፡ ካበይ ተበጊሱ፡ ናበይ በጺሑን መን የሰጋጋሮ ኣሎን ዝብል ሕቶታት ንምምላስ ነቲ መርመራ ከምዝጀመሮ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣነጺሩ።

ድሕሪ እቲ ዝተገበረ መርመራ ከኣ ብኣዝዩ ዝተራቐቐ መስርሕ ኣብ ጀነዋ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቶም ገይሮም ኣብ ሚላን ጨንፈር ከፊቶም ነቲ ሰልዲ ብሽም ንፍሊስጠማውያን ዝውዕል ሰባዊ ሓገዝ ብዝብል ጉልባብ ነቶም ነቲ ሰልዲ ዝእክቡ ጥርጡራት ከላልዮም ከምዝኸኣለ ፖሊስ ጣልያን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኣብቲ መግለጺ "እቶም ጥርጡራት ብሽም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰለማውያን ሰባት ዝውዕል ብምባል ሰልዲ ይእክቡ ነይሮም፡ እንተዀነ ልዕሊ 71 ሚኢታዊት ካብቲ ዝተዋጽአ ሰልዲ ናብ ሰብ መዚ ሓማስ ተላኢኹ፡ ንናይ ሓማስ ወተሃደራውያን ክንፍታት፡፡ ንስድራ እቶም ነብሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ዝፍጸሙ ኣባላት ሓማስ ከምኡ ከኣ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ግብረሽበራውያን ኣባላት ሓማስ ኣብ ምሕጋዝ ይውዕል ነይሩ" ይብል።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልያን ማትዪ ፕያንተዶሲ ሓደ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ፕረዚደንት ማሕበር ፍሊስጤማውያን ኣብ ጣልያን መሓመድ ሓኑን ከምዝዀነ ብኤክስ ሓቢሩ።

መሓመድ ሓኑን፡ ኣቐድም ኣቢሉ ንሓማስ ትምውል ኢኻ ዝብል ቀሪብሉ ዝነበረ ክሲ፡ ሓሶት'ዩ ብምባል ነጺግዎ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልያን ማትዪ ፕያንተዶሲ፡ ፖሊስን ጉጅለ ጸረ ግብረሽበራ ጣልያንን ንዘካየድዎ ስርሒት ንኢዱ።