ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንምስንባት ናብ ለንደን ዝኣትዉ ዘለዉ ወጻእተኛታት
ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንምስንባት ናብ ለንደን ዝኣትዉ ዘለዉ ወጻእተኛታት

ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ወጻእተኛታት ናብ ለንደን ተጓዒዞም ንዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ይሰናበቱ ኣለዉ። ካብ ኣሜሪካ ናብ ለንደን ተጓዒዛ ንንግስቲ እትሰናበት ዘላ ተመራማሪት ታሪኽ፡ ከም ተመራማሪት መጠን ኣብ ስርዓተ ቀብሪ እተን ንግስቲ ምርካባ ዕድለኛ ምዃና ገሊጻ።