ንኤርትራውያን እሱራት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዝዝክር ኤግዚቢሽን ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያ ይርአ ኣሎ

ብ 06 ታሕሳስ ኣብ ዌስት ምኒስተር ፓርላማ ብሪጣንያ ቅድሚ 21 ዓመታት ተኣሲሮም ናይ ዝተሸርቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ደሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ብምሕታቶም ብዘይ ንቡር ፍርዳዊ መስርሕ ዝተሰወሩ ደለይቲ ሓርነትን ድሕረ ባይታ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ይርአ'ሎ።
ዕላማ ናይቲ ምርኢት፡ ኵነታት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ኣፍልጦ ንኽረክብ ምዃኑ ኣባል ባይቶን ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ምርኢትን ፓትሪክ ግረዲ ገሊጹ።
“ኣባላት ባይቶን ህዝቢ ብሪጣንያ ብሓፈሻኡን ኣስማት ናይዞም ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ግዳያት ክፈልጥዎም ንደሊ ኢና። ንነዊሕ ዓመታት፡ እዞም ኣካል ናይ ብኤ-ኤ-ፒ-ጂ [ብኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ዝቘመ ጕጅለ) ዝዀንና፡ ሰባት ዝንብዕ ምስክርነታት ሰሚዕና ኢና፤ ምስክርነት ናይቶም ኣደታቶም፡ ኣቦታቶም፡ ኣሓቶም ኣሕዋቶም፡ ደቆምን ኣዝማዶምን እሱራቶም ኣበይ ከምዘለዉ፡ ብሂወት ኣለዉ ድዮም የለዉን ዘይፈልጡ።
“ክትኣምኖ ዘጸግም ዛንታታት ኵነታት መዳጐኒታት፡ኣብ ኮንተይነራት መጓዓዝያ ምዕጻው፡ ኣብ ሃሩር ምድረ በዳታት ኣብ ዝርከብ ጎዳጒዲ ምቕባር፣ ከምኡ’ውን ዛንታታት ናይቶም ኣብ ኲናት ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንኽዋግኡ ከካብ ኣባይቶም ብሓይሊ ዝግፈፉ ንኣሽቱ መንእሰያት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰሚዕና ኢና” ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ተዛሪቡ።
ብድሕሪኡ ኣባል ባይቶን፡ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሰልፊ ዕዮን ሊን ብራውን ኣብ ኤርትራ ናጻ ብሕታዊ ፕረስ፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል፡ ንተቓወምቲ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ስርዓት ስለዘየሎን መንግስቲ ንዅሉ ሲቪካዊ ንጥፈታትን ቁጠባን ናይታ ሃገር ስለዝተቘጻጸሮ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተማልአ ሓበሬታ ክርከብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢራ።
“ንስኻትኩም ድምጺ ዕቡሳትን ልሳን ግዳያትን ኴንኩም ነዚ ምርኢት እዚ ስለዝወደብኩም ኣዝየ የመስግነኩም። ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን ክፈልጦ ትጽዕሩ ብምህላውኩም ንትብዓትኩም ኣድንቘ” ኢላ።
ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይኣክል ኣብ ኵናት ኢትዮጵያ ኢዱ ብምእታው ግፍዒ ምፍጻሙ ኰኒኑ። እቲ ዕሽሽ ዝተባህለ ጉዳይ ሰፊሕ ኣቓልቦ ክረክብን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን ንኽመጽእ ዝከኣላ ክጽዕሩ ምዃኖም ገሊጾም።
ሎርድ ኣንቶን ብወገኑ እቲ ኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝመሓለለፍሉ ላዕለዋይ ኮሪደር ቀሪቡ ዘሎ ስእላዊ ምርኢት ብዙሕ ክጸሉን እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣቓልቦ ንኽረክብን ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱ ሰላም ባቢከር ብወገኑ፡ ምስዋር ናይቶም ግዳያት ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምግሃስ መሰላት ዘርኢ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሓያሎ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ከምኡ'ውን ሓያለ ጋዜጠኛታት ን21 ዓመታት ተሰዊሮም ኣለው።
"እዞም ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ግዜ ዝተኣስሩ፡ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጒኒታትን ብስዉር ይሳቐዩ ኣለዉ" ክብል ‘ስፐሻል ራፖርተር’ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።
"መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቈልዑ፡ እሱራት ፖለቲካ፡ብኣማኢት ዝቝጸሩ ብስዉር ዝተኣስሩ ሰባትን ብምኽንያት ሃማኖታዊ እምነቶም ዝተኣስሩን ክፈትሕ ኣለዎ. . .ኵሎም ኤርትራውያን ከኣ ሃይማኖታዊ እምነቶም ብናጽነት ከምልኹ ከፍቅደሎም ይግባእ" ይብል ዶ/ር ባቢከር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ።
ባቢከር ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዘቕረቦ ምስክርነት፡ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር መርማሪ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዘቕረቦ ጠለብ ብሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ሓቢሩ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዘጻሪ ባቢከር ክተሓባበሮን እታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብርን ክርእን ክሰምዕን ትጽቢት መንግስቲ ብሪጣንያ ምዃኑ ተዛረቡ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት መኽፈቲ፡ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ መንእሰይ ዓወት ፍስሃየ፡ ነቶም ናይ ደገፍ መልእኽቲ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማን፡ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ደሃይ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን እሱራት ዘሕልፉዎ ዘለው ቃንዛን ስቓይን ዘንጸባርቕ ኤግዚብሽን ክርእዩ ንዝመጽኡ ደለይቲ ለውጢ ተቓለስቲ ፍትሒ፡ ንስድራ ቤታቶም፡ ኣዕሩኾም ብምምስጋን ነቲ 'ግዜያዊ እገዳ' ብእትብል ሓረግ ብ18 መስከረም 2001 ንጋዜጣታት ብሕቲ ዝኣገደን ንኣዳለውተን ኣሲሩ ዝሰወረን ስርዓት ኮኒኑ።

“ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኰይና ነቲ ጆርጅ ኦርወል ኣብታ '1984' እትብል መጽሓፉ ድራማዊ ሃዋሁ ስቓይን መከራን ዘንጸባርቕ ኵነት ምሉእ ብምሉእ ትለማመዶ ኣላ። ኣብ ኤርትራ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ ክብረቱን ናጽነቱን ተሓዲጉ፡ እንታይ ጌርካ ዘይኮነስ እንታይ ሓሲብካ ተባሂሉ ዝሕተተሉ ኵነት እዩ ዘሎ” ክብል ንሃለዋት እታ ሃገር ምስ ዛንታ መጽሓፍ ጆርጅ ኦርወል ብምምስሳል ገሊጽዎ።
ብተወሳኺ መንእሰይ ዓወት፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካድራቱን ነቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ካብ ተዘክሮን ታሪኽን ንምድምሳስ ዝከኣሎም ዘበለ ከምዝገብሩ ብምሕባር፡ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጨካን ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንቃወምን ክንብድህን ኣብዚ ኣደራሽ ተረኺብና ኣሎና” ክብል እቶም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብዝቐልጠፈ ክፍትሑ ጸዊዑ።
እቲ ብኤርትራ ፎካስ፡ ብፐንን ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዝተዋደደ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ብዘይ ወግዓዊ ሓበሬታን ሃለዋትን ኣብ ሸላታት ዒላዒሮን ፈቐዶ ጐዳጒድን ተሸሪቦም ናይ ዘለው ግዳያት ዘንጸባርቕ ኣብ ኮሮድዮ ቤተ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ቀሪቡ ዘሎ ኤግዚቢሽን ድሮ ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ይዕዘብዎ ኣለዉ።
ኣብቲ ምርኢት ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተረኺቦም ነይሮም። ዳርጋ ኵሎም እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ኣሳእልን ናይቶም ብዘይ ንቡር ተቐይዶም ብዘይ ደሃይ ዝተሸርቡ ጋዜጠኛታትን ደለይቲ ሓርነትን ብምሓዝ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ክፈትሖምን ንስድራቤቶም ሃለዋቶም ክነግርን ዝጽውዕ ሓያሎ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ እዮም።
እቲ ትማሊ ሰሉስ 06 ታሕሳስ 2022 ኣብ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኸፍተ ስእላዊ ምርኢት ንዝቕጽል ሳልስቲ ንፖለቲከኛታት ኣባላት ፖርላማ ዓባይ ብሪጣንያን በጻሕትን ክፉት ኰይኑ ክቕኒ እዩ።
እቶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣብ ዘይስመዓሉ ሸላታትን ፈቐዶ ጐዳጕድን ተሸሪቦም ዘለው እሱራት፡ ኣብ ሓደ እዋን ንዝኸድናዮ ጕዕዞ ቃልሲ ገምጊምና፡ ጕደለታትና ኣሪምና፡ ንህዝብና ዝኣተናሉ መብጽዓ ብምኽባር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል ኣሎና ብምባሎም ከምዝተኣስሩ ገዲም ተጋዳላይ ጴጥሮስ ተስፋገርግሽ ይገልጽ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ጋዜጠኛታትን እሱራት ፖለቲካን ብኽሕደት ሃገር እዩ ዝኸሶም።ብዛዕባኦም ንዝጣበቕ ዝዀነ ይዅን ወገን ከኣ ምስልን ስምን ኤርትራ ንምድዋን ብኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ዝድገፉ ልኡኻት ዝነዝሕዎ ምስይጣን እዩ ክብል እዩ ዝነጽጐ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







