ካብ ግዳም ሓደር ወጺኡ ንኻልኦት ስራሕ ክፈጥር ዝበቕዐ መንእሰይ ሰቦና

ሰቦና

ሰቦና ቡሎ፡ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዞባ ኮፈሌ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ካብ ስድራኡ ተፈልዩ ናብ ግዳም ክወጽእ እንከሎ ገና ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከም ዝነበረ ይዛረብ።

“ቈልዓ ሸሞንተ ዓመት እንከለኹ ኣትሒዙ፡ ካብ ገዛይ ጠፊአ ሓሓሊፉ ናብ ገጠር ወይ ድማ ናብ ካልእ ከተማ እናኸድኩ ኣብ ግዳም ክሓድር ጀሚረ” ብምባል ይዝክር።

ኣቦኡ፡ ገና ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን እንከሎ ከም ዝሞተ ቤተሰቡ ክዛረቡ ሰሚዑ’ዩ። ኣብ ገዛ ዝተፈላለየ ጸቕጢ ይበጽሓኒ ነይሩ ዝብል ሰኖና፡ ካብ ሓሙሽተ ኣሕዋቱ ተፈልዩ ናብ ግዳም ወጺኡ።

ድሕሪኡ ናብ ከተማ ኣሶሳ ከይዱ፤ ኣብኡ ጥሪት ምስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ወርሒ 35 ብር እናተኸፈሎ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ነዚ ናይ ጉልበት ስራሕቲ ክጻወሮ ስለ ዘይኽኣለ ግን፡ ካብኡ ወጺኡ ናብ ባሌ ደሎ መና፡ ገናሌ ከይዱ።

ኣብ ሆቴል ወይ ድማ እንዳ ስዋ ተቘጺሩ ሸሓነ እናሓጸበ፡ እንተዘይኰይኑ ድማ መዓልታዊ መግቢ እናኣለሸ ክናበር ጀሚሩ።

ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ክኸይድ እንከሎ ብእግሩ እንከይተረፈ ይጉዓዝ ከም ዝነበረ ዝዛረብ ሰቦና፡ “ኣብ ገሊኡ ከተማ ዘይተኸፈለኒ ብዙሕ ደሞዝ እዩ ዘሎ” ይብል።

ኣብቲ እዋን፡ ካብ ድኽነትን ዘቤታዊ መጥቃዕትን ሃዲሙ ዝወጽአ ህጻን ቈልዓ ስለ ዝነበረ፡ ደሞዙ ዝኸልኡዎን ናይ ጕልበት ምዝመዛ ዘብጽሑሉን ብዙሓት ከም ዝነበሩ ይዝክር።

“ንጕሆ ሰዓት 10ን 11ን ካብ ድቃሰይ ተላዒለ ክሳብ ምሸት ሰዓት 11 (ፍርቂ ለይቲ) ዝሰርሓሎም ኣጋጣሚታት ነይሮም” ዝብል ሰቦና፡ ኣብ ሞያሌ፣ ቡሌ ሆራ፣ ዲላ፣ ሃዋሳ ብምስራሕ ኣብ መወዳእታ ናብ ኣዳማ መጺኡ።

ህይወት ኣብ ኣዳማ

ኣብኡ ምስ በጽሐ ዝጀመሮ ናይ ግዳም ህይወት ኣብ ከባቢ መስቀል ኣደባባይ ኣብጺሑዎ።

ኣብ ፊት እቲ ኣደባባይ ኣብ ዝርከብ ቤት ብልዒ ከፍ ኢሉ፡ ካብኡ ዝወጽእ ተረፍ መግቢ ምጽባይ ዕለታዊ ተግባሩ ኰይኑ።

ሆቴላት ኣዳማ ካብ ተጠቀምቲ ዝተረፈ መግቢ ኣኪቦም ኣብ ደገ ኣፌቶም ተኣኪቦም ንዝጽበዩ ግዳም ሓደር ቈልዑ’ዮም ዝህቡዎም።

ንሱ’ውን ምስቶም ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ቈልዑ ተረፍ መግቢ ክምገብ፣ ኣብ መሬት ክድቅስ፣ ካብ ዝዀነ ሓላፊ መገዲ ክልምን ጀሚሩ።

ካብ ልመና ብዝሰገረ ገለ ወልፊታት’ውን ለሚዱ።

ኣብዚ ንኣርባዕተ ዓመታት ክነብር እንከሎ ብዙሕ ነገር ከም ዝተማህረ ይዛረብ።

ናብራ ዝኸበዶም፣ ጥምየት ዝበርትዖም፣ ለይቲ ዘሎ ዛሕሊ ከማርሩ ዝገበሮም ግዳም ሓደር ማስቲሽ ምስ ስሓቡ ንክነቕሑ ስለ ዝጽገሙ፡ ብበላሕቲ ነገራት ወጊእኻ ክነቕሑ ምግባር ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዘሰንብዱ ኣጋጣሚታት ሓሊፉ’ኡ።

“ኣብ ጐደናታት ኣዳማ እንከለኹ’ዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር፣ ጥላሁን ገሰሰ ዓሪፎም። ኢትዮጵያ ድማ ንፈለማ እዋን ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ- ሸቶ ኣቝጺራ ነበርቲ ክሕጐሱ እንከለው ገጸይ ሕብሪታት ለኽየ ሓጐሰይ ክገልጽ ይዝከረኒ”።

ኣብቲ እዋን፡ መግቢ ክረክብ ኢሉ ናብ ቀበሌ 11 ምስ ከደ ዘጓነፎ ነገር ግን ንመላእ ህይወቱ ክቕየር ምኽንያት ኰይኑ።

መግቢ ንክበልዕ ናብ ደገ ኣፌት ሓደ ገዛ ምስ ተጸግዐ፡ እታ መግቢ ክትህቦ ዝሓተታ ሰበይቲ “ሰሪሕኻ ዘይትበልዕ” ኢላ ረሳሕ ማይ ከም ዝደፍኣትሉ ይዛረብ።

“ሽዑ፡ ምርር ስለ ዝበለኒ በኽየ፤ ካብዚ ህይወት ንክወጽእ ክኣ ወሲነ” ብምባል ስራሕ ክእልሽ ከም ዝጀመረ ገሊጹ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ከባቢ ጥቁር ኣባይ ኣብ ዝርከብ መኽዝን ብምኻድ ናይ ምሽካም ስራሕ ጀሚሩ፤ ብጥምየት ተዳኺሙ ስለ ዝነበረ ግን ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ክሽከም ስለ ዘይክኣለ ደኺሙ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ይወድቕ።

ብኸምዚ ንሓደ ሰሙን ሰሪሑ ደሞዝ ምስ ተቐበለ ናብ ናይ ህንጸት ስራሕቲ ዝካየደሎም ቦታታት ኣምሪሑ። ስራሕ ኣይረኸበን፤ ስለዚ ናብ ድሬዳዋ ከይዱ።

ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝሰርሓላ ድሬዳዋ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኣዳማ፡ መራሕቲ መኪና ቃፍላይ መካይን ብዛዕባ ጅቡቲን ሶማልያን ከዕልሉ ይሰምዕ ስለ ዝነበርኩ፡ ብልበይ ሞቓድሾ እናሓሰብኩ ድሬዳዋ በጺሐ ይብል።

ኣብ ድሬዳዋ፡ ታይዋን ቀበሌ 07 ዝረኸቦም ሓደ ዓብዪ ሰብኣይ ኣብታ ከተማ ኰይኑ ስራሕ ንክሰርሕ ምኽንያት ከም ዝዀኑዎ ይዝክር።

“ኣቦይ፡ ብህይወት ምሃለዉ እሞ ዝበጻሕኩዎ ደረጃ ምርኣዩ ደስ ምበለኒ” ዝብል ሰቦና፡ ስራሕ ከም ዝደሊ ምስ ሰምዑ ብናይ 25 ሊትሮ ጀሪካን ማይ ንከመላልልስ ከም ዝሓተቱዎ ይዛረብ።

ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕጽረት ማይ ድማ፡ ንዕኡ ሃይሃይታ ዕዳጋ ፈጠረሉ። “ንሓንቲ ጀሪካን 50 ሳንቲም እናተኸፈለኒ ሙሉእ መዓልቲ ክሳብ 200 ጀሪካን ማይ ይቐድሕ ነይረ” ኢሉ።

በዚ መገዲ፡ ንኣብያተ መግቢ ማይ እናተሸከመ ክሸይጥ ጀሚሩ።

ብፍላይ “ኣብ ድሬዳዋ ፍሉይ ሽሙ ታይዋን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ማይ እናተሸከምኩ ሸይጠ” ኢሉ።

ሰቦና፡ ካብ ንጉሆ ሰዓት ሓደ ክሳብ ምሸት ሰዓት ክልተ (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ማይ ይሽከም ነይሩ።

“ማይ እናሸጥኩ ኣብ ግዳም እየ ዝሓድር ነይረ” ዝብል ሰቦና፡ ቀስ ብቐስ ምስኡ ካብ ዝሓድሩ ካልኦት ቈልዑ ሓሽሽ ምጥቃም ለሚዱ።

ኣብ መንጐ እዚ፡ ኣብታ ከተማ ሆቴል ክኸፍቱ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽኡ ሰባት ናይ ስራሕ ውፍይነት ከም ዘለዎ ስለ ዝርኣዩ ምስኦም ክሰርሕ ሓቲቶምዎ።

ካብ ግዳም ወጺኡ ኣብቲ በቶም ሰብ ሃብቲ ዝተዳለወ ገዛ ክነብር’ኳ እንተጀመረ ካብ ወልፊ ክናገፍ ግን ኣይክኣለን።

እቲ ሆቴል ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ተኸፈተ፡ ‘ቀይ ባህር ሬስቶራትንት’ ዝብል ቤት መግቢ ተኸፊቱ፤ ሰቦና ድማ ኣሳሳዪ ኰነ።

ስራሕ ምስ ለመደን እኹል እቶት ክረክብ ምስ ጀመረን ክኣ ናይ ባዕሉ ገዛ ተኻርዩ ክነብር ጀሚሩ፤ ድሕሪ ዝተወሰኑ ግዜያት ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ስራሕ ረኺቡ።

ድሕሪኡ፡ “ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝሰራሕኩሉ ግዜ ኣሎ” ዝብል ሰቦና፡ ንጉሆ ኣብ ሓደ ካፌ ባሬስታ፣ ድሕሪቀ ትሪ ኣብ ካልእ ቦታ ኣሳሳዪ፡ ምሸት ድማ ኣብ ማሕበር ጫት ቢፍቱ ናብ ወጻእ ጫት ምስ ዝልእኹ ተቈጺሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

“ክሰርሕ እንከለኹ ወትሩ እታ ኣብ ዝባነይ ዝተደፍአት ረሳሕ ማይ ትዝከረኒ ነይራ፤ እዚ ክሳብ ሕጂ’ዩ ዝስምዓኒ”።

ሰብ ዋና ሆቴል ቀይ ባህር፡ ሰቦና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ሚካኤል ኣብ ዝኸፈቱዎ ካልእ ቤት ብልዒ ንክሰርሕ እኳ እንተኣምጽኡዎ፡ እቲ ትካል ስለ ዝኸሰረ ተዓጽዩ።

ሰቦና፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጽአ ምስ ዝተላለዮም ሰባት እናሓደረ፡ ኣብ ጥራሕ ከብዱ ኣብ ከባቢ ቦሌ ሚካኤል ቀንፈዘው እናበለ እንከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ትረኽቦ፤ ምስ ረኸብካ ክትከፍለኒ ኢኻ ስለ ዝበለቶ ድማ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ መግቢ ክረክብ ጀመረ።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ኣብቲ ከባቢ ዝፈልጦ ሓደ ውልቀሰብ ሓደ ሽሕ ብር ምስ ሃቦ፡ ኣብ እግሪ ሓጹር ገዛውቲ ብምዃን ጫትን ቡን ክሸይጥ፤ ጐና ጐኒ ድማ ናይ ድለላ ስራሕቲ ብምስራሕ እናዓበየ ከም ዝመጸአ ይዛረብ።

ኣብዚ ስራሕ እንከሎ ምስ ዝተላለያ መሓዝኡ ብምዃን ድማ ጐና ጐኒ ቀለልቲ መግቢታት ናሰርሑ ክሸጡ፣ ገንዘብ ክቑጥብን ዕቁብ ክእክብን ጀሚሩ።

“ስርሐይ ብምስፋሕ ኣብ ከባቢ ቦሌ እንዳ ጽሟቕ ከፊተ”። ኣብ ከባቢ ቦሌ ቡልቡላ ድማ ካልኣይ ጨንፈር ከፊቱ ኣሎ።

እዞም ትካላት ንግዲ፡ ን15 ሰባት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጠሩ ዝዛረብ ሰቦና፡ ጐና ጐኒ ምርባሕ ደርሁን መሬት ተኻርዩ ሕርሻ ስርናይን ድንችን ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።

ህጻናት ካብ ግዳም ብምውጻእ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ረኺቦም ዓርሶም ዝኽእልሉ ዕድላት ምምችቻእ ድማ ሕልሙ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።