ኣብ ምትሓዙ ንዝተሓባበረ 5 ሚልዮን ዶላር ዓስቢ ዝተሰልዓሉ ጥርጡር
ኣብዚ ዓመት ድሕሪ ዝተርኣየ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ሳይበር፡ ንሰርሰርቲ ዕላማ ዝገበረ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጥርጡራት ገበን ሳይበር ይእሰሩ ኣለው። ኣብታ ንገለ ካብቶም ዝኸፍኡ ገበነኛታት ሳይበር ከም እተዕቁብ እትክሰስ ሩስያ ግና እቲ ማእሰርቲ ይፍጸም የሎን። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆ ቲዲ ናብታ እቶም ክሱሳት ብዘይ ናይ ማእሰርቲ ስክፍታ ከምድላዮም ዝነብሩላ ሩስያ ተንቀሳቒሱ ነይሩ።