ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ "ጻምእ ስልጣን ንምርዋይ ዝግበር ናይ ውህደት ድራማ ህወሓት ኣይንቕበሎን"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት-ኢህወዴግ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ሕዚ ዕላዊ መግለጺ ዘይተውሃቦ፡ ዝሕሰብ ዘሎ ውህደት ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ፡ ኣብ ናይ ሓሳብን ናይ ዓላማን ሓድነት ዝተመስረተ ዘይኮነስ፡ 'ውልቀ ሰባት ስልጣኖም ንምርዋይን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕን' ተባሂሉ ዝግበር ስለዝኾነ፡ ህወሓት ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝተወጠነ ዝተብሃለ ውህደት ብዕሊ ዝተወሃበ መግለጺ ከም ዘየለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ካብ ቤት ጽሕፈት ኢህወዴግ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ምህላዉ ኣይፈልጥን" ዝበለ ኣይተ ጌታቸው፡ እቲ ውህደት ናይ ምፍጣር "ሸበድበድ" ግን ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣቦ መንበር ኢህወዴግ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡'ዉሁድ ፓርቲ ክፍጠር ኣለዎ' ኢሉ ምንባሩ ድማ ኣዘኻኺሩ።
"ሽዑ ኣብቲ ናይ ፈጻሚ ስራሕ ኣኼባ ዝነበረና መርገጺ 'ዉሁድ ፓርቲ ናይ ኣካል ውህደት ጥራሕ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን' ዝብል ነይሩ" ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ "ሓድነት ዕላማ ዘይብሎምን እናተናቖቱ ዝውዕሉን ውድባት፡ ጸገም ሃገር ዝርድኡሉ ኮነ ነቲ ጸገም ክፈትሑ ዝኸድሉ መገዲ ኣብ ዝጓነጸሉ፡ ውሁድ ፓርቲ ምባል ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ጻምእ ስልጣን ካብ ምርዋይ ወጻእ ሃገራዊ ፖለቲካና ንምምሕያሽ ትርጉም ኣለዎ ኢሉ [ህወሓት]ኣይኣምንን" ክብል ገሊጹ።
ኣብ ሞንጎ ውድባት ዘሎ ሕድሕድ ምጥርጣር፤ ከምኡ'ውን ሓድነት ሓሳብን ተግባርን ዘይምህላው ብዝኣልይ መገዲ ውሽጦም ፈቲሶም ንክራኸቡ ውሳነ ብምሕላፍ ከም ዝተፈላለዩ ኣዘኻኺሩ።
"ካብኡ ንደሓር ግን እቲ ዝነበረ ናይ ሓድነት ክፍተት ሰፊሑ 'ምበር ኣይጸበበን። ዋላ ኣብ ሞንጎ ኣዴፓን ኦዲፒን፤ ኣብ ሞንጎ ካልኦትን ክፍተት ሰፊሑ እዩ ዘሎ፡ ናብ ሓድነት ብዘምጽእ መገዲ ዝተፈትሐ ጸገም ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPRDF
ኣስዒቡ ድማ "ንስልጣን ጥራሕ ብዝብል ዝግበር ውህደት ህወሓት ኣይቕበሎን። ስልጣን መጻንሒ ውልቀሰባት ብዝኸውን መገዲ ስቕ ኢልና ሓቢርና ኢና ኣይንብልን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
'እንተዘይተዋሂድናን ስም እንተዘይቀይርናን ኣብ ቀጻሊ ኣይንምረጽን' ብዝብል ኣብ ስልጣን ጥራሕ ትኹረት ዝገበረ ኣካይዳ ቀደሙ ከም ዘይቕበልዎን ሕዚ'ውን ከም ዘይኣምኑሉን ሓቢሩ።
"ናብ ሓድነት ዘምጽአና ነገር ኣብ ዘየለ፡ ብሃበ ተረኽበ ጻምእ ስልጣን ውልቀሰባት ንምርዋይ ዝግበር ናይ ውህደት ድራማ ህወሓት ኣይቕበሎን" ኢሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኢህወዴግ 'የኢትዮጵያ የብልጽግና ፓርቲ' ብዝብል ክወሃድ ምዃኑ ዝወጸ ሓበሬታ ከዘራርብ ቀንዩ። ይኹን'ምበር እዚ ብዝምልከት፡ ዛጊድ ካብቲ ግንባር ዝተውሃበ ዕላዊ መግለጺ የለን።
ኣይተ ጌታቸው፡ ውህደት ብዝምልከት፡ ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዘዳለዎን ናብ ማእከላይ ኮሚቴ ቀሪቡ ዝጸደቐን መግለጺ ቅዋም ከምዘሎ ኣረዲኡ።
"ብዛዕባ ውሁድ ፓርቲ እንታይ ኣንፈታት ኢና ክንኽተል? ዝብል'ዩ። ሓድሽ መግለጺ ንምውጻእ ዋላ ሓደ ዘገድድ ምኽንያት ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን" ድማ ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







