ኢትዮጵያዊ መሃዚ ንዝሰርሓ ሄሊኮፕተሩ ኣብ ቀረባ እዋን ከብርራ እዩ!

መግለጺ ቪድዮ, '' ሄሊኮፕተረይ ኣብ ቀረባ ከብርራ'የ''

ኣብ ትግራይ ኣድያቦ ተወሊዱ ዝዓበየ ዕበ ለገሰ፡ ሄሊኮፕተር ሰሪሑ ንምብራር ኣብ ቅድመ ምድላው ከምዝርከብ ንቢቢሲ ገሊጹ። ሕልሚ ቁልዕነቱ ንምግሃድ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ዕበ ለገሰ ካብ ቴክኒካዊ ስራሕቲ ብተወሳኺ 6 ዓይነታት ሙዚቃ መሳርሒ ክጻወት ይኽእል።