ብውቃጦ መትሓዚ ጡብ ሂወታ ዝተቐየረ ጓል ኣንስተይቲ
ሕማም መንሽሮ ጡባ ዝሰኣና ኣደ ዓባይ ብውቃጦ መትሓዚ ጡብ ሂወተይ ተቐይሩ ትብል። 69 ዝዕድሚኣ ነባሪት ሳፎለክ ብሪጣንያ ዝኾነት ሊንዳ ብራይት፤ ሕክምና መንሽሮ ኣብ ሰውነታ ዝገደፈላ በሰላ ብልቢ’ያ ትጸልኦ። ብድሕሪ እቲ ውቃጦ ግን ኩሉ ተመሓይሹ፡ ዓርሰ ምትእምማነይ ተመሊሱ። ስለዚ ሕጂ ብዘይ ገለ ክዳን ጥራሕ ነብሰይ ኣብ መንገዲ ክዘውር ብጣዕሚ ሕጉስቲ’የ ትብል።